1. ደቂ ይሁዳፋሬስን ሔጽሮን ካርሚን ሑርን ሾባልን

2. ረኣያ ወዲ ሾባል ድማ ንያሓት ወለደ። ያሓት ከኣ ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ። እዚኣቶም ዓሌት ድማ ጾርዓትውያን እዮም።

3. ደቂ ኣቦ ዔጣም ድማ እዚኣቶም እዮም። ይዝርኤልን ይሽማንስም ሓብቶም ከኣ ሀጽለልጶኒ እዩ፡

4. ፈኑኤል ኣቦ ገዶርን ዔዝር ኣቦ ሑሻን፡ እዚኣቶም ደቂ ሑር በዂሪ ኤፍራታ፡ ኣቦ ቤት-ልሄም፡ እዮም።

5. ኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ድማ ክልተ ኣንስቲ ሔልኣን ናዓራን ዚብሀላ ነበራኦ።

6. ናዓራ ኸኣ ንኣሑዛምን ንሔፈርን ንተምኒን ንኣሓሽታርን ወለደትሉ፡ እዚኣቶም ደቂ ናዓራ እዮም።

7. ደቂ ሔልኣ ድማ፡ ጸረትን ይጽሓርን ኤትናንን

8. ቆጽ ከኣ ንዓኑብን ንሃጾቤባን ንዓሌታት ኣሓርሔል ወዲ ሃሩምን ወለደ

9. ያዕቤጽ ድማ ካብ ኣሕዋቱ ዚኸብር ነበረ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ብጻዕሪ ወሊደዮኢላ እያ እሞ፡ ስሙ ያዕቤጽ ኣውጽኣትሉ

10. ያዕቤጽ ድማ ንኣምላኽ እስራኤልብርግጽ እንተ ትባርኸኒዶባተይ ከኣ እንተ ተግፍሓለይኢድካውን ምሳይ እንተ ትኸውን፡ ከይጭነቕ ድማ ካብ ክፋእ ከም ዝድሕን እንተ ትገብረኒ፡ ኢሉ ለመኖ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ዝለመኖ ገበረሉ

11. ኬሉብ ሓው ሹሓ ድማ ንምሒር ወለደ፡ ንሱ ኣቦ ኤሽቶን እዩ።

12. ኤሽቶን ከኣ ንቤት-ራፋን ንጳሴዓን ንትሒና ኣቦ ዔር-ናሓስን ወለደ፡ እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም።

13. ደቂ ቄናዝ ድማ፡ ዖትኒኤልን ሰራያን። ደቂ ዖትኒኤል ከኣ፡ ሓታት

14. መዖኖታይ ድማ ንዖፍራ ወለደሰራያ ኸኣ ነቦ እቶም ኣብ ለሰ ጸራቦ ዝነበሩ ንዮኣብ ወለደ፡ ንሳቶም ጸራቦ እዮም ዝነበሩ።

15. ደቂ ካሌብ ወዲ የፋኔ ድማ፡ ዒሩን ኤላን ናዓምን። ደቂ ኤላን ቄናዝን

16. ደቂ የሃለልኤል ከኣ፡ ዚፍን ዚፋን ቲርያን ኣሳርኤልን

17. ደቂ እዝራ ድማ፡ የተርን መረድን ዔፈርን ያሎንን እዮም። ንሳ ኸኣ ንሚርያምን ንሻማይን ንይሽባሕ ኣቦ ኤሽትሞዓን ወለደት

18. እታ ኣይሁዳዊት ሰበይቱ ድማ ንየሬድ ኣቦ ገዶርን ንሔበር ኣቦ ሶኮን ንየቁቲኤል ኣቦ ሻኖዓን ወለደት። እዚኣቶም ከኣ ደቂ እታ መረድ ዘእተዋ ቢትያ ጓል ፈርኦን እዮም።

19. ደቂ ሰበይቲ ሆድያ ሓብቲ ነሓም ከኣ ኣቦ ቅዒላ ጋርማውን ኤሽተሞዓ መዓካታውን እዮም።

20. ደቂ ሺሞን ድማ፡ ኣምኖንን ሪናን ቤንሓናንን ቲሎንን። ደቂ ዪሽዒ ኸኣ፡ ዞሔትን ቤን-ዞሔትን

21. ደቂ ሼላ ወዲ ይሁዳዔር ኣቦ ሌካን ላዕዳ ኣቦ ማሬሻን ዓሌታት ቤት ዓየይቲ ልሕጺ እንጣጢዕ ካብ ቤት ኣዓቤዓን

22. ዮቂምን ሰብ ኮዜባን፡ እቶም ኣብ ሞኣብ ዚግዝኡ ዝነበሩ ዮኣሽን ሳራፍንያሹቢ-ለሔም ከኣ። እዚ ግና ናይ ቀደም ዛንታ እዩ።

23. እዚኣቶም ኣብ ነታዪምን ግደራን ዚነብሩ ሰራሕቲ መሬት ነበሩ፡ ምስ ንጉስ ኣብ ዕዮኡ ኣብኡ ይቕመጡ ነበሩ።

24. ደቂ ስምኦንነሙኤልያሚን ከኣ፡ ያሪብዜራሕሻኡል

25. ሻሉም ወዲሚብሳም ወዱሚሽማዕ ወዱ።

26. ደቂ ሚሽማዕውንሓሙኤል ወዱዛኩር ወዱ፡ ሺምዓ ወዱ።

27. ሺምዒ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ኣወዳትን ሹድሽተ ኣዋልድን ነበርዎ። ነቶም ኣሕዋቱ ግና ብዙሕ ውሉድ ኣይነበርዎምን፡ ብዘሎ ዓሌቶም ከኣ ክንዲ ደቂ ይሁዳ ኣይሰሰነን

28. ንሳቶም ኣብ ብኤር-ሸባዕን ሞላዳን ሓጻር-ሹዕልን

29. ኣብ ቢልሃን ኣብ ዔጸምን ኣብ ቶላድን

30. ኣብ ቤቱኤልን ኣብ ሖርማን ኣብ ጺቅላ ግን፡

31. ኣብ ቤት-ማርካቦትን ኣብ ሓጸር-ሱሲምን ኣብ ቤት-ብርኢን ኣብ ሸዓራይን ይቕመጡ ነበሩ። ዳዊት ክስዕ ዚነግስ ከተማታቶም እዚኣተን ነበራ።

32. ዓድታቶም ድማ ዔጣምን ዓዪንን ሪሞንን ቶኬንን ዓሻንንሓሙሽተ ኸተማ

33. እተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚኤን ክሳዕ በዓል ዘለዋ ዂለን ዓድታቶም እየን። ዚነብርወን ዝነበሩ እዚኣተን እየን። መጽሓፍ ወለዶኦም ከኣ ነበሮም።

34. መሾባብን ያምሌክን ዮሻ ወዲ ኣማስያን

35. ዮኤልን የሁ ወዲ ዮሺብያ፡ ወዲ ሰራያ፡ ወዲ ዓሲኤልን

36. ኤልዮዔናይን ያዓቆባን ይሾሓያን ዓሳያን ዓዲኤልን የሲሚኤልን ብናያን

37. ዚዛ ወዲ ሺፍዒ፡ ወዲ ኣሎን፡ ወዲ የዳያ፡ ወዲ ሺምሪኢ፡ ወዲ ሸማዕያ

38. እዞም ብስሞም እተረቑሑ ኣብ ዐዓሌቶም ሹማምቲ ነበሩ። ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ በዚሖም ተዘርግሑ

39. ንመጓሴኦም መጓሰዪ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ በቲ ንጌዶር ዜእቱ ኣቢሎም፡ ክሳዕ ምብራቕ እቲ ለሰ ኸዱ

40. መጓሰዪ ኸኣ ልምልምትን ጽብቕትን ሸኻ ረኸቡ። እቶም ቀደም ኣብኣ ዚቕመጢ ዝነበሩ ኻብ ካም ነበሩ እሞ፡ ህድኣትን ሰላምን ዘለዋ ገፋሕ ሃገር ነበረት።

41. እዞም በብስሞም እተጻሕፉ ኸኣ ብዘመን ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ መጺኦም ናብ ድንኳውንቶም ሓደጋ ወደቕዎም። ኣብኡ ንተረኽቡ መዓናውያን ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣጽነትዎም። ኣብኣ ንመጓሴኦም ዚኸውን መጓሰዪ ነበረ እሞ፡ ኣብ ክንዳኦም ተቐመጥዋ

42. ገለ ኻባታቶም ድማ፡ ካብ ደቂ ስምኦን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ናብ ከረን ሰዔር ከዱሓላቑኦም ከኣ ደቂ ዪሽዒ ፈላጥያን ነዓርያን ረፋያን ዑዚኤልን እዮም።

43. ነቶም ካብ ኣማሌቃውያን ዘምለጡ ትርፎፍያ ቐቲሎም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለው።