1. ንጉስ ዳዊት ድማ ንብዘላ ማሕበር በላወደይ ሰሎሞንኣምላኽ ንእኡ በይኑ ዝሐረዮ፡ ገና ንኡስን ልምሉምን እዩ፡ እቲ ዕዮ ግና ዓብዪ እዩ፡ እዚ ኣዳራሽ እዝስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን።

2. ኣነ ኸኣ ብዂሉ ሓይለይ ንቤት ኣምላኸይ ዚኸውን፡ ንናይ ወርቂ ነገር፡ ወርቂ፡ ንናይ ብሩር ነገር ከኣ ብሩር፡ ንናይ ኣስራዚ ነገር ድማ ኣስራዚ፡ ንናይ ሓጺን ነገር ከኣ ሓጺን፡ ንናይ ዕጨይቲ ነገርውን ዕጨይቲ፡ ኣዕናቚ እምንን ዚሳናቐር እምንን ጸሊም ዜንጸባርቕ እምንን፡ እተቐርጸ እምንን ኲሉ ዓይነት ክቡር እምንን እምነ በረድን ኣብዚሔ ኣዳሎኹ

3. ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ቅድስቲ ቤት ኢለ ዘዳሎኽዎ ዂሉ ድማ፡ ነታ ቤት ኣምላኸይ ፈትየያ እየ እሞ፡ ናይ ርእሰይ መዝገብ ወርቅን ብሩርን ስለ ዘሎኒ፡ ወሲኸ ንቤት ኣምላኸይ እህብ አሎኹ፡

4. ሰለስተ ሽሕ ታለንት ወርቂ ኻብ ወርቂ ኦፊርሾብዓተ ሽሕ ታለንት ከኣ እተዀልዔ ብሩር ንምልባጥ እቲ መናድቕ ኣባይቲ

5. ወርቂ ንዜድሊ ኻብ ወርቂብሩር ንዜድሊ ድማ ካብ ብሩር፡ ኤረ ብኢድ ብልሓተኛ ንዚግበር ዘበለ ዂሉ ስራሕ ከኣ እህብ አሎኹ። ሎሚ ኢዱ ብፍታው መሊኡ ንእግዚኣብሄር ዚህብ መን አሎ፧

6. ሽዑ እቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ነገዳት እስራኤልን ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስቶም ሓላቑ እቲ ስራሕ ንጉስን ብፍታው ሀቡ

7. ንዕዮ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሓሙሽተ ሽሕ ታለንት ወርቅን ዓሰርተ ሽሕ ዳሪክን ዓሰርተ ሽሕ ታለንት ብሩርን ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ተለንት ኣስራዝን ሚእቲ ሽሕ ታለንት ሓጺንን ሀቡ

8. እቲ ኽቡር ኣእማን እንረኽቦ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኢድ የሒኤል እቲ ጌርሾናዊ፡ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ

9. ንእግዚኣብሄር ብፍጹም ልቢ ፈትዮም ስለ ዝሀቡዎ፡ እቲ ህዝቢ በቲ ብምፍታው ምሃቦም ተሐጐሰንጉስ ዳዊት ከኣ ዓብዪ ሓጐስ ተሐጐሰ።

10. ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ብዘላ ማሕበር ንእግዚኣብሄር ባረኾበለ ኸኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦና እስራኤልካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ብሩኽ ኩን።

11. ጐይታየ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዂሉ ናትካ እዩ እሞ፡ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ፡ እታ መንግስትካ ናትካ እያ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ።

12. ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን ዚመጻ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ትገዝእሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ። ንዝዀነ ዘበለ ዓብዪን ጽኑዕን ምግባሩ ድማ ኣብ ኢድካ እዩ።

13. ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ንሕና ነመስግነካ ንኽብር ስምካውን ንውድሶ አሎና።

14. ከምቲ ብፍታው ከነቕርብ ዝኸኣልናስ፡ ኲሉ ኻባኻ ደኣ እዩ፡ ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ ዘሎና እሞ፡ ኣነ መን እየ፧ እዞም ህዝበይከ እንታይ እዮም፧

15. ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኲሎም ኣቦታትና መጻእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና፡ ዕለታትና ኣብ ምድሪ ኸም ጽላሎት እየን፡ ዚነብር ከኣ የልቦን።

16. እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲሉ እዚ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሓሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘሎና ድልቢ፡ ካብ ኢድካ ዝመጸ እዩ፡ ኲሉ ኸኣ ናትካ እዩ።

17. ኣታ ኣምላኸየ፡ ንስኻ ልቢ ኸም እትፍትን ቅንዕናውን ከም እትፈቱ እፈልጥ አሎኹ። ኣነ ኸኣ እዚ ዂሉ ብቕንዕና ልበይ ብፍታው ኣቕሪበልካ አሎኹ። ሕጂ ድማ እዚ ኣብዚ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ኬቕርበልካ ብሓጐስ ርእየ እየ።

18. ዎ እግዚኣብሄርኣምላኽ ኣቦታትና ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ነዚ ናይ ህዝብኻ እማመ ሓሳባት ልቦም ንዘለኣለም ሐሉልቦም ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ

19. ንወደይ ሰሎሞንውን ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሕጋጋትካን ኪሕሉ፡ ንዂሉ ድማ ኪገብሮ፡ ነዚ ንእኡ ኢለ ዘዳልዎ ዘሎኹ ኣዳራሽውን ኪሰርሕ ፍጹም ልቢ ሀቦ

20. ዳዊት ድማ ንብዘሎ ማሕበርንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባርኽዎበለ። ሽዑ ብዘሎ ማሕበር ንእግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦታቱ ባረኸድንን ድማ በሉ፡ ንእግዚኣብሄር ንንጉስን ከኣ ሰገዱ

21. ነዛ መዓልቲ እዚኣስ ብጽባሒታ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኡዚሐርር መስዋእቲ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዕረጉሉ፡ ሽሕ ብዕራይ፡ ሽሕ ድዑል፡ ሽሕ ገንሸል፡ መምስ ናይ መስተ መስዋእትታቶምብዙሕ መስዋእቲ ሕሩድ ድማ ምእንቲ ዂሉ እስራኤል ሰውኡ

22. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዓብዪ ሓጐስ በልዑን ሰተዩንንሰሎሞን ወዲ ዳዊትውን ካልኣይ ጊዜ ኣንገስዎ። ንእኡ መስፍን ንእግዚኣብሄር ኪኸውን ንጻዶቅ ውን ካህን ኪኸውን ቀብእዎም

23. ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዳዊት ንጉስ ኰይኑ፡ ኣብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተቐመጠ ሰለጦውን፡ ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ይእዘዝዎ ነበሩ።

24. ኲሎም ሓላቑን ጀጋኑን ኲሎም ደቂ ንጉስ ዳዊትን ድማ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሰሎሞን ተገዝኡ

25. እግዚኣብሄር ከኣ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤል ክብ ኣቢሉ ኣዝዩ ኣዕበዮ፡ ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበረ ዘበለ ንጉስ ዘይነበሮ፡ ግርማ መንግስቲ ንንጉስ ሰሎሞን ሀቦ

26. ዳዊት ወዲ እሴይ ግና ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ነጊሱ ነበረ።

27. እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝገዝኣሉ ዘመን ከኣ ኣርብዓ ዓመት እዩ፡ ኣብ ሔብሮን ሾብዓተ ዓመት ገዝኤ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሰላስን ሰለስተን ዓመት ገዝኤ።

28. ዕድመን ሃብትን ክብረትን ጸጊቡ ኸኣ ብጽቡቕ ሽምግልና ሞተ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ሰሎሞን ነገሰ

29. እቲ ናይ ንጉስ ዳዊት ነገራትቀዳሞትን ዳሕሮትን፡ ንሳቶም ኣብ ዛንታ ሳሙኤል እቲ ረኣዪን ኣብ ዛንታ ነብዪ ናታንን ኣብ ዛንታ እቲ ረኣዪ ጋድን ተጽሒፎም ኣለው።

30. ምስ ብዘሎ ምግዛኡን መንፍዓቱን እቲ ንእኡን ንእስራኤልን ንናይ ኲለን ሃገራት መንግስትታትን ዝበጽሖም ኲነታትን ተጽሒሩ አሎ።

Chap 28