1. ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣእተውዎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ንእኡ ኢሉ ዝተኸሎ ድንኳን ከኣ ኣንበርዎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ።

2. ዳዊት ከኣ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ባረኾ

3. ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቚራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም

4. ድማ ንገለ ኻብቶም ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኬገልግሉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዝክርዎን ኪውድስዎን ኬመስግንዎን ስርዔ

5. ኣሳፍ እቲ ሓለቓእቲ ኻልኣዩ ኸኣ ዘካርያስየዒኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ማቲትያን ኤሊኣብን በናያን ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልን መሰንቆን በገናንኣሳፍ ከኣ ጸናጽልን ኣድሚቖም ኬቓንዩ

6. በናያን ያሓዚኤልን እቶም ካህናት ድማ መለኸት ሒዞም፡ ኲሉጊዜ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኪዀኑ ሰርዔ።

7. ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣሳፍን ኣሕዋቱን ንእግዚኣብሄር ኬመስግንዎ ቐዳማይ ጊዜ ኣዘዘ

8. ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎስሙ ጸውዑ፡ ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ንገሩ

9. ንእኡ ዘምሩቃንዩሉ፡ ብዛዕባ ዂሉ ተኣምራቱ ተዛራረቡ

10. በቲ ቅዱስ ስሙ ተኸበሩልብ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልዩ ይተሐጐስ

11. ንእግዚኣብሄርን ስልጣኑን ድለዩገጹ ዂሉጊዜ ድለዩ።

12. ነቲ ዝገበሮ ተኣምራቱንንትእምርትታቱን ፍርድታት ኣፉን ዘክሩ

13. ኣቱም ዘርኢ እስራኤል ባርያኡደቂ ያእቆብ ሕሩያቱ

14. ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ፡ ፍርድታቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ አሎ።

15. ኪዳኑ ንዘለኣለም ዘክሩ። ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝኣዘዞ ቓል

16. ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፡ ነቲ ንይስሃቅ ዝመሐለሉ ማሕላ ዘክሩ።

17. ንሱ ኣብ ያእቆብ ሕጊ፡ ኣብ እስራኤል ድማ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ

18. ከምዚ ኢሉምድሪ ከነኣን ንኣኻ ኽህብ እየግደ ርስትኹም ክትከውን እያ።

19. ሽዑ ብቚጽሪ ሒዶት ነበርኩም፡ ኣብኣ ሒዶትን ስደተኛታትን ነበርኩም።

20. ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢካብ ሓንቲ መንግስቲ ኸኣ ናብ ካልእ ህዝቢ ሐለፉ

21. ሓደ ሰብ እኳ ኺገፍዖም ኣይሐደገን፡ ምእንታኦም ድማ ንነገስታት ገሰጸ

22. ንቕቧተይ ኣይትቕረብዎምንነብያተይ ከኣ ክፋእ ኣይትግበርዎም

23. ኲሉ ምድሪንእግዚኣብሄር ዘምሩካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ

24. ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክብረቱ፡ ኣብ ኲሎም ህዝብታት ተኣምራቱ ንገሩ

25. እግዚኣብሄርሲ ዓብዪ እዩ፡ ብዙሕ ምስጉን ከኣ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ድማ ዜፍርህ እዩ።

26. ኲሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ጣኦታት እዮም፡ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ

27. ግርማን ክብርን ኣብ ቅድሚ ገጹስልጣንን ሓጐስን ኣብ ስፍራኡ አሎ።

28. ኣቱም ዓሌታት ኣህዛብንእግዚኣብሄር ሀቡክብርን ስልጣንን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ

29. ንእግዚኣብሄር ናይ ስሙ ኽብረት ሀብዎመባእ ኣቕርቡ፡ ኣብ ቅድሚ ገጹውን ምጹ፡ ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ኣልባሳት ስገዱሉ

30. ኲሉኹም ሃገራት፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጡዓለም ጸኒዓ ቘይማ እያ፡ ኣይትናወጽን ከኣ።

31. ሰማያት ባህ ይበልምድሪውን ትተሐጐስኣብ ኣህዛብ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነጊሱ አሎ፡ ይበሉ።

32. ባሕርን ምልኣቱን ደሃይ ይሀቡመሮርን ኣብኡ ዘሎ ዂሉን ይተሐጐስ

33. ንምድሪ ኺዳንያ ይመጽእ አሎ እሞ፡ ሽዑ ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ይበላ።

34. ጻጋኡ ኸኣ ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎእግዚኣብሄር ሰናይ እዩ

35. በሉውንንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽንውድሶብምውዳስካውን ክንከብርሲኣታ ኣምላኽ ምድሓንናኣድሕነናካብ ኣህዛብ ከኣ ኣኻኽበና ኣናግፈናና።

36. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ብሩኽ ይኹንኲሎም ህዝቢ ድማ፡ ኣሜንኢሎም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ

37. ከምቲ ነናይ መዓልቲ ስራሕ ዜድሊኣብ ቅድሚ ታቦት ኲሉጊዜ ኼገልግሉ፡ ድዊት ንኣሳፍን ነሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ሐደጎም

38. ዖቤድ-ኤዶምን ኣሕዋቶምን ድማ፡ ስሳን ሾሞንተን። ዖቤድ-ኤዶም ወዲ የዲቱንን ሖሳን ከኣ ሓለውቲ ደገ ኪዀኑ፡

39. ንኻህን ጻዶቅን ነቶም ኣሕዋቱ ኻህናትን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብቲ ናይ ጊብዖን በሪኽ ዘሎ ማሕደር እግዚኣብሄር ኰይኖም፡

40. ከምቲ ኣብቲ ንእስራኤል ዝኣዘዞ ሕጊ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ዘሎ ዂሉኲሉጊዜብጊሓትን ምሸትን፡ ኣብቲ መሰውኢ ምሕራር ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉሉ ኣመዘዞም

41. ምሳታቶም ድማ ሄማንን የዱቱንን እቶም ዝተረፉ ብስም እተሰምዩ ሕሩያትን ንእግዚኣብሄርምሕረቱ ንዘለኣለም ስለ ዝዀነ፡ ኬመስግንዎ

42. ምሳታቶምውን ሄማንን የዱቱንን ምስ መለኸታትን ጸናጽላትን ምስቲ መሳርያታት ሙዚክ ኣምላኽን ነቶም ኣድሚቖም ዜቓንዩ ኣመዘዞም፡ ንደቂ የዱቱን ከኣ ሓለውቲ ደገ ገበሮም።

43. ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናብ በቤቱ ኸደዳዊት ከኣ ንቤቱ ኺባርኻ ተመልሰ