1. ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት ኪሰርሑሉ ልኡኻትን ኦም ጽሕድን ነደቕትን ጸረብትን ሰደደሉ

2. ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፡ ነታ መንግስቱ እምብዛ ልዕል ኣቢሉሉ ነበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ ኣስተውዐለ

3. ዳዊት ድማ መሊሱ ኣብ የሩሳሌም ካልኦት ኣንስቲ ወሰደ እሞ፡ ዳዊት ወሲኹ ኣወዳትን ኣዋልድ ወለደ

4. እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ደቂ ስሞም እዚ እዩ፡ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎምንን

5. ይብሓርን ኤሊሹዓን ኤልፈለጥን

6. ኖጋን ኔፈግን ያፊዓን

7. ኤሊሻማን በዒልያዳን ኤሊፈለጥን

8. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ኪኸውን ከም እተቐብኤ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኪደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ ምስ ሰምዖ፡ ናብ ቅድሚኦም ወጸ

9. እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብቲ ለሰ ረፋይም ኣትዮም፡ ኣብኡ ይወርሩ ነበሩ።

10. ዳዊት ድማ ንኣምላኽንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶእግዚኣብሄር ከኣ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቦም፡ በሎ

11. ናብ በዓል-ጰራጺም ደየቡዳዊት ከኣ ኣብኣ ሰዐሮም። ዳዊት ድማ፡ ማይ ከም ዚብተንኣምላኽ ንጸላእተይ ብኢደይ በተኖምበለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም ኣውጽኡላ

12. ኣብኣ ድማ ንኣማልኽቶም ሐደጉዳዊት ኣዚዙ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዎም

13. እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ከም ብሓድሽ ኣብቲ ለሰ ወረሩ

14. ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣምላኽ ሐተቶ፡ ኣምላኽ ከኣ መለሰሉብድሕሪኦም ኣይትደይብ፡ ካባታቶም ደኣ ዙር እሞ ኣብ መንጽር እቲ ሰጋሉ እተዎም

15. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብቲ ኣራእስ ስጋሉ ናይ ዚረግጽ ደሃይ ምስ ሰማዕካኣምላኽ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ኪወቕዖ ቐቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንውግእ ውጻእ

16. ዳዊት ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ፡ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ካብ ጊብዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዐርዎም

17. ወረ ዳዊት ከኣ ኣብ ኲለን ሃገራት ወጸእግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባኡ ፍርሃት ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ ገበሮ