1. ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ፡ እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙ፡ ተወጊኦም ድማ ኣብ ከረን ጊልባዓ ወደቑ።
2. ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ደቁን ስዒቦም እግር እግሮም ጠበቕዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ነቶም ደቂ ሳኦል፡ ንዮናታንን ኣቢናዳብን ማልኪ-ሹዓን ቀተልዎም።
3. ኣብ ልዕሊ ሳኦል ከኣ እቲ ውግእ በርትዔ፡ ወርወርቲ መንትግውን ኣርከብዎ፡ በቶም ወርወርቲ ድም ኣዝዩ ተጨነቐ።
4. ሽዑ ሳኦል ንጋሻ ዛግሬኡ፡ እዞም ዘይግዙራት እዚኣቶም መጺኦም ከየላግጹለይሲ፡ ሴፍካ ምሰቶ እሞ ብእኡ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ግና እምብዛ ፈርሄ እሞ፡ ኣይፈተወን። ሽዑ ሳኦል ሴፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።
5. እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ኸኣ፡ ሳኦል ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴፉ ወደቐ እሞ ሞተ።
6. በዚ ኸምዚ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ሞቱ፡ ኲሎም ቤተሰቡውን ብሓንሳእ ሞቱ።
7. እቶም ኣብ ለሰ ዝነበሩ ዂሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ከም ዝሀደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ከተማታቶም ሐዲጎም ሀደሙ፡ ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ተቐመጥወን።
8. ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኺገፍዎም መጹ፡ ንሳኦልን ንደቁን ከኣ ኣብቲ ኸረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።
9. ሽዑ ገፈፍዎ፡ ርእሱን ኣጽዋሩን ወሲዶም ከኣ ንጣኦቶምን ነቲ ህዝብን ምእንቲ ኼበስሩ፡ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ።
10. ነቲ ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት ኣማልኽቶም ማንበርዎ፡ ርእሱ ኸኣ ኣብ ዳጎን ሰቐልዎ።
11. ብዘለዉ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ዘበለ ዂሉ ምስ ሰምዑ፡
12. ጀጋኑ ዘበሉ ዂሎም ሰባት ተንስኡ እሞ ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ወሲዶም ናብ ያቤሽ ኣምጽእዎም፡ ነቲ ኣዕጽምቶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ድዋ ቐበርዎ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ።
13. ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ።
14. ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፡ ስለዚ ቐተሎ፡ ነታ መንግስቲ ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣዛወራ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...