1. ኣምላኽ ንኖህን ንደቁን ባረኾምበሎም ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ

2. ኵሉ ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ብኣኻትኩም ይፍራህን ይሰምብድን፡ ምስቲ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኵሉን ዓሳታት ባሕሪ ዅሉን ኣብ ኢድኩም ተዋህበ

3. ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም አሎኹ።

4. ግናኸ ስጋ ምስ ነፍሱ፡ እቲ ደሙኣይትብልዕዎ

5. እቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊት ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ፡ ካብ ኢድ ሓዉክደልያ እየ።

6. ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።

7. ንሳትኩም ከኣ ፍረዩን ተባዝሑን፡ ኣብ ምድሪ ሰስኑ፡ ኣብኣ ድማ ተባዝሑ

8. ኣምላኽ ከኣ ንኖህንደቁ ድማ ምስኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም

9-10. እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ምሳኻትኩምን ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹምን ምስቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡርኣዕዋፍእንስሳ፡ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ኣራዊት ምድሪ ድማ፡ ምስቲ ኻብ መርከብ ዝወጸ ዅሉን ምስ ኵሉ ኣራዊት ምድርን ኪዳነይ ኤቕውም አሎኹ።

11. ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ኤቕውም አሎኹ፡ ድሕሪ ደጊም ስጋ ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይሂ ኣይጠፍእንንምድሪ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን።

12. ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ንዘለኣለም ዝገብሮ ኺዳንምልክቱ እዚ እዩ።

13. ቀስተይ ኣብ ደበና ኤንብር አሎኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።

14. ይኸውን ከኣ፡ ደበና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዘደባኑ፡ ኣብቲ ደበና ድማ ቀስቲ ኺርኤ እዩ፡

15. ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳነይ እዝክር። ደጊምሲ እቲ ንዅሉ ስጋ ዜጥፍእ ማይ ኣይሂ ኣይኪኸውንን እዩ።

16. እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደበና ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ፡ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኺዳን ዘለኣለም ምእንቲ ኽዝክርክርእዮ እየ።

17. ኣምላኽ ድማ ንኖህ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ስጋ ዘቘምክዎ ኺዳን ምልክቱ እዚ እዩ በሎ

18. እቶም ካብ መርከብ ዝወጹ ደቂ ኖህ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም። ካም ከኣ ኣቦ ኸነኣን እዩ።

19. እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ከኣ ሰብ ኣብ ኩላ ምድሪ ተዘርዉ

20. ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ኪኸውን ጀመረወይኒ ኸኣ ተኸለ

21. ካብ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፡ ኣብ ማእከል ድንኳኑ ኸኣ ጥራዩ ዀነ

22. ካምኣቦ ኸነኣን ከኣ ሕፍረት ኣቦኡ ርእዩ፡ ናብ ግዳም ወጺኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም

23. ሴምን ያፌትን ድማ ክዳን ወሲዶም ኣብ መንኩቦም ገይሮም እናኣድሓርሓሩሕፍረት ኣቦኦም ከደኑገጾም ንድሕሪት ገይሮም፡ ሕፍረት ኣቦም ኣይረኣዩን

24. ኖህ ከኣ ካብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመልሰ፡ እቲ ንእሽቶ ወዱ ዝገበሮ ድማ ፈለጠ

25. በለ ኸኣ፡ ከነኣን ርጉምነሕዋቱ ባርያ ባሮት ይኹን።

26. በለ ድማእግዚኣብሄርኣምላኽ ሴምይባረኽከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን

27. ኣምላኽ ንያፌት የስፍሕ። ኣብ ድንኳውንቲ ሴም ከኣ ይንበርከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን።

28. ኖህ ከኣ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ገበረ

29. ኵሉ ዕድመ ኖህ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ