1. ኰነ ድማ ብዘበን ኣምራፌል ንጉስ ሲነኣርኣርዮክ ንጉስ ኤላሳርክዳርላኦመር ንጉስ ዔላምቲደዓል ድማ ንጉስ ጎይም

2. ንሳቶም ምስ ቤራዕ ንጉስ ሶዶምን ምስ ቢርሻዕ ንጉስ ጎሞራንሺንኣብ ንጉስ ኣድማንሼምኤበር ንጉስ ጸቦኢምን ንጉስ ቤላዕንንሳ ኸኣ ዞዓርውግእ ኣልዐሉ

3. እዚኣቶም ኵሎም ሓቢሮም ናብ ለሰ ሲዲም፡ ንሱ ኸኣ ባሕሪ ጨው፡ ተኣከቡ።

4. ንክዳርላኦመር ዓሰርተው ክልተ ዓመት ተገዚኦምሉ ነበሩ። ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ከኣ ዐለዉ

5. ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ድማ ክዳርላኦመርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን መጹንራፋውያን ከኣ ኣብ ዓስጣሮት-ቀርናይምንዙዛውያን ድማ ኣብ ሃምንኤማውያን ከኣ ኣብ ጐልጐል ቂርያታይም

6. ንሆራውያን ድማ ኣብ ሰዒር፡ ኣብ ከረኖም ክሳዕ እታ ኣብ ጥቓ በረኻ ዘላ ኤል-ጳራን ወቕዕዎም።

7. ተመሊሶም ድማ ናብ ዔን-ምሽጳጥ፡ ንሳውን ቃዴስመጹንዅላ ምድሪ ኣማሌቃውያን ከኣ ነቶም ኣብ ሓጻ ጾን-ታማር ዝነበሩ ኣሞራውያን ድማ ወቕዕዎም።

8-9. ሽዑ ንጉስ ሶዶምን ንጉስ ጎሞራን ንጉስ ኣድማን ንጉስ ጸቦይምን ንጉስ ቤላዕን፡ ንሳ ዞዓርወጺኦም ምስ እቲኣቶም፡ ምስ ክዳርላኦመርን ንጉስ ዔላምንቲደዓል ንጉስ ጎይምንኣምራፌል ንጉስ ሲነኣርን ኣርዮክ ንጉስ ኤላሳርንኣርባዕተ ነገስታት ምስቶም ሓሙሽተ ኺዋግኡ ኣብ ለሰ ሲዲም ተሰለፉ

10. እቲ ለሰ ሲዲም ድማ ጐዳጕዲ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሶዶምን ጎሞራን ከኣ ሃዲሞም ኣብኡ ወደቑ። እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ከረን ሀደሙ።

11. እቲኣቶም ከኣ ናይ ሶዶምን ጎሞራን ኵሉ ገንዘብን ኵሉ ዚብላዕን ወሰዱ እሞ ኸዱ

12. ሎጥወዲ ሓዉ ንኣብራም ድማ፡ ንሱ ኣብ ሶዶም ይነብር ነበረ እሞ፡ ምስናይ ገንዘቡ ሒዞምዎ ኸዱ

13. ሓደ ዘምለጠ ኸኣ ናብ ኣብራም፡ እቲ እብራዊመጺኡ እዚ ነገሮ። ንሱ ድማ ኣብ ድዋታት መምሬ፡ እቲ ኣሞራዊሓው ኤሽኮልን ሓው ዓኔርንይቕመጥ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣታትዮም ነበሩ።

14. ኣብራም ድማ ሓዉ ኸም እተማረኸ ምስ ሰምዔሰለስተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን ኣብ ቤቱ እተወልዱ ፍቱናት ሰብ ኣዕጢቑ ክሳዕ ዳን ደድሕሪኦም ሰዐበ።

15. ንሱን ግዙኣቱን ተመቒሎም ከኣ፡ ብለይቲ ወቕዕዎምክሳዕ ሆባጸጋም ደማስቆ ድማ ሰጐጕዎም።

16. ኵሉ ገንዘብ ከኣ ኣምለሰንሎጥ ሓዉን ገንዘቡን ከምኡ ኸኣ ነተን ኣንስትን ነቲ ህዝብን ኣምለሰ

17. ንክዳርላኦመርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ስዒሩ ኺምለስ ከሎ፡ ንጉስ ሶዶም ኪቕበሎ ናብ ለሰ ሻዌ፡ ንሱ ኸኣ ለሰ ንጉስወጸ

18. መልከጼዴቅንጉስ ሳሌም ድማ፡ ንሱ ኸኣ ካህን ልዑል ኣምላኽእንጌራን ወይንን ኣምጽኤ

19. ንሱ ድማ፡ ኣብራም በቲ ልዑል ኣምላኽጐይታ ሰማይን ምድርንብሩኽ ይኹን፡

20. እቲ ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሀበካ ልዑል ኣምላኽ ከኣ ብሩኽ ይኹን፡ ኢሉ ባረኾ። ኣብራም ድማ ካብ ኵሉ ዕሽር ሀቦ

21. ንጉስ ሶዶም ከኣ ንኣብራም፡ እቶም ሰባት ሀበኒ፡ እቲ ገንዘብ ድማ ንኣኻ ውሰዶበሎ

22. ኣብራም ግና ንንጉስ ሶዶምኢደይ ናብ እግዚኣብሄርልዑል ኣምላኽጐይታ ሰማይን ምድርንኣልዐልኩ

23-24. ንኣብራም ኣነ ኣሀብተምክዎ ኸይትብልሲ፡ ብጀካቲ እቶም ኣጕባዝ ዝበልዕዎ፡ ፈትሊ ዀነ፡ ስራኽ ሳእኒ ዀነ፡ ካብ ናትካ ዘበለ ገለኳ ኣይወስድንግደ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ሰባት ድማ፡ ኣኔርን ኤሽኮልን መምሬንንሳቶም ግዲኦም ይውሰዱ፡ በሎ።