1. ያእቆብ ንደቁ ጸዊዑበተን ዳሕሮት መዓልታት ዚረኽበኩም ክነግረኩምሲተኣከቡበሎም

2. ኣቱም ደቂ ያእቆብተኣከቡ እሞ ስምዑነቦኹም እስራኤል ከኣ ጽን በሉ

3. ሮቤል ንስኻ በኹረይ ኢኻ፡ ሓይለይን ቀዳማይ ጽንዓተይንብኽብረት ብሉጽብስልጣን ከኣ ብሉጽ

4. ከም ፍሉሕ ማይ ገንፈልካ። ናብ መደቀስ ኣቦኻ ደየብካሽዑ ኣርኪስካዮ ኢኻ እሞ፡ ብልጫ ኣይትረክብን። ናብ ዓራተይ ደየበ

5. ስምኦንን ሌውን ኣሕዋት እዮም። ኣስያፎም ኣጽዋር ዓመጻ እዩ፡

6. ብቝጥዓኦም ሰብኡት ቀተሉብዅራኦም ድማ በረዀዳ ኣብዑር ቈሪጾም እዮም እሞ፡ ነፍሰይ ናብ ምኽሮም ኣይትእቶክብረይ ከኣ ኣብ ኣኼባኦም ኣይትሕበር።

7. እቲ ኹራኦም ብርቱዕነድሮም ከኣ ጨካን ነበረ እሞ፡ ርጉም ይኹን። ኣብ ያእቆብ ክመቓቕሎምኣብ እስራኤል ድማ ፋሕ ከብሎም እየ።

8. ኣታ ይሁዳኣሕዋትካ ኼመስግኑኻ እዮም፡ ኢድካ ኣብ ክሳድ ጸላእትኻ ኽትከውን እያ፡ ደቂ ኣቦኻ ኺሰግዱልካ እዮም።

9. ይሁዳ ሽደን ኣንበሳ እዩ። ወደይ፡ ካብ ምርኮ ደየብካከም ኣንበሳ ተዀርምዩ ደቀሰ፡ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ እኳ ደኣ፡ መን የተንስኦ

10. ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእካብ ይሁዳ በትሪዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይዝምብልንህዝብታት ይእዘዝዎ

11. ንገልገሉ ኣብ ጉንዲ ወይኒንዒሉ እታ ኣድጉ ኸኣ ኣብ ብሉጽ ጨንፈር ወይኒ ይኣስርክዳውንቱ ብወይኒነጸላኡ ድማ ብደም ዘቢብ ይሕጸብ

12. ኣዒንቱ ብወይኒ ኪቔሓኣስናኑ ኸኣ ብጸባ ኺጽዕድዋ እየን።

13. ዛብሎን ኣብ ገምገም ባሕሪንሱ ድማ ኣብቲ መዕረፍ መራኽብ ይነብርጐድኑ ኸኣ ኣብ ሲዶን ይጽጋዕ

14. ይሳኮር ሓያል ኣድጊ እዩ፡ ኣብ መንጎ ደምቤታት ማል ይድቅስ

15. እታ መዕረፊት ጽብቕቲእታ ምድሪ ድማ ልምዕቲ ኸም ዝዀነት ረአየ። እሞ መንኲቡ ንምስካም ኣትሓተ፡ ጻዕራይ ግዙእ ድማ ዀነ

16. ዳን ከም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኰይኑ፡ ንህዝቡ ኺዳኒ እዩ።

17. ዳን ኣብ መገዲ ተመን፡ ኣብ ጓል መገዲ ድማ ቀራን ተመን ኪኸውን እዩ። ንፈረስ ሾዀናኡ ይነኽሶንፈረሰኛ ኸኣ ንድሕሪት የውድቖ

18. ዎ እግዚኣብሄርንምድሓንካ ይጽበ አሎኹ

19. ንጋድ ጭፍራታት ኬጨንቕዎ እዮም፡ ንሱ ግና እግር እግሮም ኬጨንቖም እዩ።

20. ካብ ኣሴር ስብሒ እንጌራኡ ይመጽእ፡ ንሱ ድማ ጣዕሚ ነገስታት ይህብ

21. ንፍታሌም እተፈነወት እራብጥዑም ቃል ዚህብ እዩ።

22. ዮሴፍ ፈራዪት ጨንፈር፡ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ዘላ ፈራዪት ጨንፈር እዩ። ጨናፍሩ ኣብ ልዕሊ መካበብያ ይዝርግሕ

23. ቀስተኛታት ኣነዓብዎ፡ ፍላጻ ወርዊሮም ድማ ሰጐጒዎ

24. ቀስቱ ግና ጸኒዑ ይነብርቀላጽም ኣእዳዉ ድማ በእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያልበቲ ሓላውን ከውሒ እስራኤልን ጸንዓ።

25. በቲ ዝረድኣካ ኣምላኽ ኣቦኻበቲ ዝባርኸካ ዂሉ ዚኽእልካብ ላዕሊ በረኸት ሰማይ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ዓሚቚ ድማ በረኸት፡ ካብ ኣጥባትን ካብ ማሕጸንን ከኣ በረኸት።

26. ካብ በረኸት ኣቦሓጎታተይ በረኸት ኣቦኻ ይዐዝዝ። ክሳዕ ናብ ወሰን እቶም ኲርባታት ዘለኣለም ይበጽሕ። ንሱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮሴፍ፡ ኣብ ናላ እቲ መስፍን ኣሕዋቱ ኪኸውን እዩ።

27. ብንያም ዘራፊ ተዂላ እዩ። ንግሆ ዚዘረፎ ይበልዕምሸት ከኣ ዝማረኾ ይመቅል

28. እዚኣቶም ኲላቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል እዮም። እቲ ኣቦኦም እተዛረቦምን ዝመረቖምን ከኣ እዚ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ከከም ምርቓኡ መረቖም

29-30. ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፤ ኣነ ናብ ህዝበይ ክእከብ እየ። ኣብታ ኣብ ግራት ዔፍሮን ሔታዊ ዘላ በዓቲ ኸኣ ኣብታ ኣብ ግራት ማክጴላኣብ መንጽር መምሬ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ፡ ኣብርሃም ንመቓብር ርስቲ ኽትከዉን ካብ ዔፍሮን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ በዓቲ፡ ምስ ኣቦታተይ ቅበሩኒ

31. ንኣብርሃምን ንሳራ ሰበይቱን ኣብኣ ቐበርዎምንይስሃቅን ንሰበይቱ ርብቃን ከኣ ኣብኣ ቐበርዎም፡ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ

32. እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን ካብ ደቂ ሔት ተዐደገት

33. ያእቆብ ንደቁ እዚ ኣዚዙ ምስ ወድኤኣእጋሩ ናብ ዓራት ኣከበነፍሱ ድማ ወጸትናብ ህዝቡውን ተአከበ