1. ንኣዛዝ ቤቱ ድማ፡ ንዓያብቲ እዞም ሰባት ኪወስድዎ ኸም ዚኽእሉ ጌርካ እኽሊ ምልኣሎምገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ኣፍ ዐዓይበቱ ኣንብር

2. ነታ ጽዋኤይ ድማ፡ እታ ጽዋእ ብሩር፡ ምስቲ ገንዘብ እኽሉ ጌርካ ናብ ኣፍ ዓይበት እቲ ንእሽቶ ግበራ፡ ኢሉ አዘዞ። ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ቓል ከኣ ገበረ

3. ንግሆ ምስ በርሄ፡ ነቶም ሰባት ምስ ኣእዱጎም ይኺዱ ሐደግዎም።

4. ንሳቶም ካብ ከተማ ወጺኦምገና ኸይረሐቑ፡ ዮሴፍ ንኣዛዝ ቤቱ በሎተንስእደድሕሪ እዞም ሰባት ስዐብ እሞ፡ ምስ ኣርከብካዮም፡ ከመይ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፉእ ፈዴኹም፧

5. እታ ጐይታይ ዚሰትየላን ብእኣ ድማ ምስጢር ዚፈልጠላን ጽዋእ እዚኣዶ ኣይኰነትን፧ እዚ ምግባርኩም ክፉእ ጌርኩም፡ በሎም።

6. ንሱ ኸኣ ኣርከቦምእዚ ነገርዚ ድማ ተዛረቦም

7. ንሳቶም ከኣጐይታይ፡ ስለምንታይ ከምዚ ኢልካ ትዛረብከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻብ ገላዉኻ የርሕቆ

8. እቲ ኣብ ኣፍ ዓያብትና ዝረኸብናዮ ገንዘብ እኳ፡ እንሆካብ ምድሪ ኸንኣን መሊስናልካ። ካብ ቤት ጐይታኻ ግዳ ኸመይ ጌርና ብሩር ኰነ ወይ ወርቂ ኽንሰርቕ

9. ካብ ገላዉኻ እቲ እተረኽበቶ ይሙት፡ ንሕና ኸኣ ባሮት ጐይታይ ንኹን፡ በልዎ።

10. ንሱ ኸኣ፥ ሕጂ ኸም ዝበልኩሞ ይኹንእቲ እተረኽበቶ፡ ንሱ ባርያይ ይኹንንስኻትኩም ግና ንጹሃት ኢኹምበለ

11. ቀልጢፎም ከኣ ነፍሲ ወከፍ ዐዓይበቶም ናብ ምድሪ ኣውረዱነፍሲ ወከፍ ድማ ዓይበቱ ኸፈተ

12. ንሱ ኸኣ በቲ ዓብዪ ጀሚሩ በቲ ንእሽቶ ኽሳዕ ዚውድእ ጐርጐሮምእታ ጽዋእ ድማ ኣብ ዓይበት ብንያም ተረኽበት

13. ሽዑ ኽዳውንቶም ቀደዱነፍሲ ወከፍ ኣድጉ ጽዒኑ ድማ ናብ ከተማ ተመልሱ

14. ይሁዳን ኣሕዋቱን ከኣ ናብ ቤት ዮሴፍ ኣተዉ። ንሱ ገና ኣብኣ ነበረ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ናብ ምድሪ ተደፍኡ።

15. ዮሴፍ ከኣ፡ እዚ ዝገበርኩምዎ እንታይ ግብሩ እዩ፧ ከማይ ዝበለ ሰብ ፈላጢ ኸም ዝዀነስ ኣይትፈልጡንዶበሎም

16. ይሁዳ ድማ፥ ንጐይታይ እሞ እንታይ ክንብል ኢና፡ እንታይስ ክንዛረብከመይ ጌርናኸ ርእስና ኸነጽድቕኣምላኽ በደል ባሮትካ ረኸበ፡ እኔና ንሕናን እቲ ኣብ ኢዱ ጽዋእ እተረኽበቶን ባሮት ጐይታይ ኢና፡ በለ

17. ንሱ ግና፥ ከምዚ ዝበለ ምግባርሲ ኻባይ ይርሐቕ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ጽዋእ እተረኽበቶ ሰብኣይንሱ ባርያይ ይኹን፡ ንስኻትኩም ግና ናብ ኣቦኹም ብሰላም ደይቡ፡ በለ

18. ሽዑ ይሁዳ ናብኡ ቐሪቡ በለ፡ በል ጐይታይጊልያካ ሓንቲ ቓል ኣብ እዝኒ ጐይታይ ክዛረብ እልምነካ አሎኹ፡ ንስኻ ከም ፈርኦን ኢኻ እሞ፡ ኵራኻ ኣብ ጊልያኻ ኣይንደድ

19. ጐይታይ ንገላውኡኣቦ ወይ ሓውከ ኣሎኩምዶ፧ ኢሉ ሐተቶም

20. ንሕና ኸኣ ንጐይታይ፡ ኣረጊት ኣቦ አሎናኣብ እርግናኡ ዝወለዶ ንእሽቶ ቘልዓ ድማ፡ ሓዉ ኸኣ ሞይቱ፡ እዚ ድማ ካብ ደቂ ኣዲኡ በይኑ ተሪፉኣቦኡ ኸኣ ይፈትዎ እዩ፡ በልናካ

21. ሽዑ ንስኻ ንገላውኻዓይነይ ክርእዮ ናባይ ኣውርድዎበልካና

22. ንሕና ድማ ንጐይታይ፡ እቲ ወዲ ኣቦኡ ኽሐድጎ ኣይክእልንነቦኡ እንተ ሐደጎስኣቦኡ ኺመውት እዩበልናዮ

23. ንገላዉኻ ድማ፡ እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይወረደደጊም ገጸይ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ በልካና

24. ኰነ ኸኣ፡ ንሕና ናብ ጊልያኻ ኣቦይ ምስ ደየብና፡ ዘረባ ጐይታይ ነገርናዮ

25. ኣቦና ድማ፡ ተመሊስኩም ሒደት እኽሊ ሸምቱልና፡ በለ

26. ንሕና ኸኣ፡ ክንወርድ ኣይንኽእልንእዚ ንእሽቶ ሓውና ምሳና እንተ ዘየሎገጽ እቲ ሰብኣይ እቲ ኽንርኢ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፡ እዚ ንእሽቶ ሓውና ምሳና እንተሎ ግና፡ ንወርድ፡ በልና

27. ኣቦይ ጊልያኻ ድማ፡ ሰበይተይ ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደትለይ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።

28. እቲ ሓደ ኻባይ ወጸ፡ ኣነ ኸኣ፡ ብሓቂ ተበሊዑ እዩ፡ በልኩ። ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣይርኤኽዎን

29. ነዚ ኸኣ ካብ ቅድመይ እንተወሰድክምዎ እሞ ድንገት እንተ ረኸቦንሽበተይ ብጓሂ ናብ ሽኦል ከተውርድዎ ኢኹም፡ በለና።

30. ሕጂ ኸኣ ኣነ ናብ ኣቦይ ጊልያኻ እንተ መጻእኩ እሞ፡ እዚ ወዲ ምሳና እንተ ዘየሎ፡ ነፍሱ ምስ ነፍሲ ወዱ ስለ እተጣበቐት

31. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ወዲ ኸም ዘየሎ እንተ ረአየ፡ ኪመውት እዩ። ገላውኻ ኸኣ ንሽበት ኣቦና ጊልያኻ ብጓሂ ናብ ሽኦል የውርዱ

32. ጊልያኻ ነዚ ወዲ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ፡ ናባኻ እንተ ዘየምጻእክዎብዅሉ ዘበን ነቦይ ሓጢኣት ከም ዝገበርኩ እኸውን፡ ኢሉ ተዋሒስዎ እዩ

33. ሕጂ ድማ፡ ጊልያኻ ኣብ ክንዲ እዚ ወዲ ንጐይታይ ባርያ ዀይኑ ኪቕመጥ፡ እልምነካ አሎኹ። እዚ ወዲ ኸኣ ምስ ኣሕዋቱ ይደይብ

34. እዚ ወዲ ምሳይ ካብ ዘይህሉስ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ኣቦይ ክድይብ እየ፧ እቲ ነቦይ ዚረኽቦ ኽፉእሲ ኣየርእየኒ።