1. ራሄል ድማ ንያእቆብ ከምዘይወለደትሉ ምስ ረአየትንሓብታ ቐንኣትላ፡ ንያእቆብ ከኣ፡ ውሉድ ሀበኒእንተ ዘይኰነስ እመውት አሎኹ፡ በለቶ

2. ሽዑ ዅራ ያእቆብ ኣብ ራሄል ነዲዱ፡ ኣነዶ ኣብ ክንዲ እቲ ፍረ ኸርሲ ዝኸልኣኪ ኣምላኽ እየበላ

3. ንሳ ኸኣ፥ እንሃቢልሃ ግዝእተይ፡ ንሳ ኣብ ብርከይ ክትወልድ፡ ብእኣ ድማ ኣነ ኽፋረ፡ ናብኣ እቶበለት

4. ንቢልሃ ግዝእታ ኸኣ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶያእቆብ ድማ ኣእተዋ

5. ቢልሃ ጠነሰትንይእቆብ ድማ ወዲ ወለደትሉ

6. ሽዑ ራሄልኣምላኽ ፍትሒ ኣውጺኡለይ፡ ቃለይ ሰሚዑውን ወዲ ሂቡኒበለት። ስለዚ ስሙ ዳን ኣጽኣትሉ

7. ቢልሃ ግዝእቲ ራሄል ከኣ መሊሳ ጠነሰትንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ

8. ሽዑ ራሄልቅልስ ኣምላኽ ምስ ሓብተይ ተቓሊሰ ሐየልኩበለትስሙ ኸኣ ንፍታሌም ኣውጽኣትሉ

9. ልያ ኸኣ ካብ ምላድ ከም ዘቛረጸት ምስ ረአየትዚልጳ ግዝእታ ወሲዳንያእቆብ ሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶ

10. ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ

11. ሽዑ ልያኣሰይኢላ ስሙ ጋድ ኣውጽኣትሉ

12. ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ድማ ወለደትሉ

13. ልያ ኸኣ፡ ርሕስቲ ዀይነ እየ እሞ፡ ኣዋልድ ብራሕሰይ ይውድሳኒ፡ በለትስሙ ድማ ኣሴር ኣጽኣትሉ

14. ሮቤል ድማ በቲ ስርናይ ዝዐጽደሉ ወርሓት ከይዱ ኣብ መሮር ምልዖ ረኸበናብ ኣዲኡ ልያ ኣምጽኦ። ሽዑ ራሄል ንልያ፥ ካብዚ ምልዖ ወድኺ ዀታ ሀብኒበለታ

15. ንሳ ኸኣ፡ ሰብኣየይ ዝወሰድክለይዶ ንእሽቶ ነገር እዩ፧ ምልዖ ወደይ እንዶ ድማ ክትወስዲበለታራሄል ከኣ፡ እሞ ኣብ ክንዲ ምልዖ ወድኺ እዛ ለይቲ እዚኣ ምሳኺ ይደቅስበለት

16. ምሸት ያእቆብ ካብ መሮር ኪአቱ ኸሎ ድማ፡ ልያ ኽትቅበሎ ወጺኣብምልዖ ወደይ ዐዲገካ እየ እሞ፡ ናባይ ኢኻ እትአቱበለቶ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ

17. ኣምላኽ ድማ ንልያ ሰምዓጠነሰትንያእቆብ ከኣ ሓምሳይ ወዲ ወለደትሉ

18. ልያ ድማ፡ ግዝእተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሀብኩኣምላኽ ዓስበይ ሀበኒበለትስሙ ኸኣ ይሳኮር ኣውጽኣትሉ

19. ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰትንያእቆብ ከኣ ሳድሳይ ወዲ ወለደትሉ

20. ልያ ድማ፡ ኣምላኽ ጽቡቕ ህያብ ሂቡኒሕጂ ሹድሽተ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ፡ ደጊም ሰብኣየይ ምሳይ ኪነብር እዩ፡ በለትስሙ ኸኣ ዛብሎን ኣውጽኣትሉ

21. ድሕርዚ ድማ ጓል ወለደትስማ ኸኣ ዲና ኣውጽኣትላ

22. ኣምላኽ ድማ ንራሄል ዘከራ። ኣምላኽ ከኣ ሰምዓ እሞ ማሕጸና ኸፈተላ

23. ንሳ ድማ ጠነሰት ወዲውን ወለደትኣምላኽ ሕስራነይ ኣርሐቐ፡ ከኣ በለት

24. እግዚኣብሄር ካልእ ወዲ ድማ ይወስኸኒኢላ ኸኣ ስሙ ዮሴፍ ኣውጽኣትሉ

25. ኰነ ኸኣ፡ ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደትያእቆብ ንላባንናብ ቦታይን ናብ ምድረይን ክኸይድ ኣሳናብተኒ

26. እተን ብዛዕባኤን እተገዛእኩኻ ኣንስተይን ደቀይን ሀበኒእቲ እተገዛእኩኻ መግዛእቲ ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፡ እኺድ ሕደገኒ፡ በሎ።

27. ላባን ድማ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበስእግዚኣብሄር ምእንታኻ ኢሉ ኸም ዝባረኸኒ ኣስተውዒለ አሎኹ፡ በሎ

28. ዓስብኻ ቝጸረለይ እሞ እህበካ፡ ድማ በለ

29. ንሱ ኸኣ፥ ከመይ ከም ዘገልገልኩኻን ከብትኻውን ምሳይ ከመይ ከም ዝዀናን፡ ባዕልኻ ትፈልጥ ኢኻ

30. ኣነ ኸይመጻእኩ ሒደት ነበራኻ፡ ሕጂ ግና ኣነ ኣብ ዝኸድክዎ ዅሉ እግዚኣብሄር ባሪኹካ እዩ እሞ፡ ኣዝየን በዝሓ። ሕጂ ኸኣ ንቤተይ ደኣ ምኣዝ ከምህዝ እየ፧ በሎ።

31. ንሱ ድማ፥ እንታይ እሞ ኽህበካበለያእቆብ ከኣ፥ ገለኳ ኣይትሀበኒእዚ ነገርዚ እንተ ትገብረለይ መሊሰ ነባጊዕካ እጓስየን እከናኸነንውን

32. ሎሚ ብዅለን መጓሴኻ ኽሐልፍ እየካብኡ ኸኣ ኵለን ጸነጺትን ዓምቦሬታትን ኵለን ጸለምትን ኣባጊዕ፡ ካብ ኣጣል ድማ ቡረቴታትን ጸነጺትን ዘበላ ኽፈሊ እየ እሞ ዓስበይ ይኹና።

33. ድሕሪ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ዓስበይ ምስ እትመጽእ፡ ሽዑ ቕንዕናይ ኣብ ቅድሜኻ ኺምስክረለይ እዩ። ጸነጺትን ቡረቴታትን ዘይኰና ኣጣልጸለምቲ ዘይኰና ኣባጊዕ ከኣ ኣባይ እንተ ተረኽባ፡ ስሩቓት እየን፡ በለ።

34. ላባን ከኣ፡ ሕራይ፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹን፡ በለ

35. በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ዑፌታትን ቡረቴታትን ወጣጡ፡ ኵለን ቡረቴታትን ጸነጺትን ኣጣል፡ ገለ ጻዕዳ ዘለወን ኵለን፡ ካብ ኣባጊዕ ድማ ኵለን ጸለምቲ ፈልዩኣብ ኢድ ደቁ ሀቦም

36. ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ያእቆብን ከኣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኣርሓሐቐ። ያእቆብ ድማ ነተን ዝተረፋ መጓሰ ላባን ይጓሲ ነበረ።

37. ያእቆብ ከኣ ክርዋሕን ሉዝን ሑዳን ካብ ዚብሀል ኣእዋም ጥሉል ኣባትር ወሲዱ፡ ኣብኡ ቕላጥ ቀሊጡ ነቲ ኣባትር ዕሮርባይ ገበሮ

38. ነቲ ዕሮርባይ ዝገበሮ ኣባትር ድማ ኣብቲ እተን መጓሴታት መጺኤን ዚሰትያሉ ዛራ ማይ ዘሎ ጋብላታት፡ ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ ገበሮ እሞ፡ ኪሰትያ ምስ መጻይትለዋ ነበራ።

39. እተን መጓሰ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ተተልዋ እሞ እተን መጓሴታት ዑፌታትን ጸነጺትን ዓምቦሬታትን ወለዳ

40. ሽዑ ያእቆብ ነተን ዕያውቲ ፈልዩገጽ እተን መጓሰ ናብተን ዑፌታትን ኵለን ጸለምትን ኣብ መጓሰ ላባን ገበረንመጓሴኡ ኸኣ ምስ መጓሰ ላባን ኣይሐወሰንን፡ ንበይነን ደኣ ገበረን

41. ኰነ ድማ፡ በቲ እተን ድዓኛታት ኣባጊዕ ዚትለዋሉ ዘበለ ጊዜ ኣብ ጥቓ እቲ ኣባትር ምእንቲ ኺትለዋስያእቆብ ነቲ ኣባትር ኣብቲ ጋብላታት ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ የንብሮ ነበረ።

42. እተን መጓሰ ድኹማት ከለዋ ግና ኣየንብሮን ነበረ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እተን ድኹማት ንላባን፡ እተን ድዓኛታት ከኣ ንያእቆብ ኰና።

43. እቲ ሰብኣይ እቲ ድማ ኣዝዩ ሀብተመብዙሓት መጓሴታት ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ነበሮ።