1. በቲ ወርሓት እቲ ኸኣ ዀነ፡ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ወሪዱ፡ ናብ ሒራ ዝስሙ ኣዱላዊ ሰብኣይ ኣተወ

2. ይሁዳ ኣብኡ ጓል ሱዓ ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ረአየወሲዱ ኸኣ ኣተዋ

3. ንሳ ጠነሰት ወዲውን ወለደትስሙ ድማ ዔር ኣውጽኣትሉ

4. ደጊማ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደትስሙ ድማ ኦናን ኣውጽኣትሉ

5. ከም ብሓድሽ ከኣ ደጊማ ወዲ ወለደትስሙውን ሼላ ኣውጽኣትሉ። ንእኡ ኽትወልድ ከላ፡ ይሁዳ ኣብ ከዚብ ነበረ።

6. ይሁዳ ድማ ንዔር በዅሪ ወዱ ታማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ

7. ዔር በዅሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ቀተሎ

8. ሽዑ ይሁዳ ንኦናን፥ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቝምበሎ

9. ኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንእኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ። ኰነ ኸኣ፡ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ምስ ዚአቱንሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ናብ ምድሪ ኸዐዎ

10. እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰነ እሞ፡ ንእኡ ድማ ቀተሎ

11. ሽዑ ይሁዳ፡ ንሱ ድማ ከም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ፡ ንታማር ሰበይቲ ወዱወደይ ሼላ ኽሳዕ ዚዐቢ ኺዲ፡ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ፡ በላ። ታማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት

12. ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ድማ ጓል ሹዓ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተትይሁዳ ምስ ተጸናንዔ፡ ንሱ ምስ ሒራ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ናብቶም ኣባጊዑ ዚቘርጹ ናብ ቲምናት ደየበ

13. ንታማር ድማ፡ እንሆ፡ ሓሙኺ ኣባጊዑ ኪቘርጽ ናብ ቲምናት ይድይብ አሎ ኢሎም ነገርዋ

14. ንሳ ኸኣ፡ ሼላ ዓብዪ ኽንሱ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ከምዘይተዋህበት ረአየት እሞ፡ ክዳን ምብልውናኣ ኣንቢራመጐልበቢ ተጐልቢባ ኣብ ጥቓ መገዲ ቲምናት ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠት

15. ይሁዳ ምስ ረአያገጻ ሸፊና ነበረት እሞ ኣመንዝራ መሰለቶ

16. ንሱ ኸኣ ሰበይቲ ወዱ ምዃና ኣይፈለጠን እሞ፡ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ናብኣ ኣግሊሱበጃኺ፡ ናባኺ ኽኣቱ ሕደግኒ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ናባይ ክትኣቱስ እንታይ እሞ ትህበኒበለቶ

17. ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ እሰደልኪበላ። ንሳ ኸኣ፡ ክሳዕ እትሰደለይከ ታሕዚዶ ትህበኒ ኢኻ፧ በለቶ

18. ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ታሕዙ እሞ ኽህበኪበለቀለቤትካን ማዕተብካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻንበለትሀባ እሞ አተዋ ኽኣ፡ ንሳውን ካብኡ ጠነሰት

19. ተንሲኣ ኸኣ ከደትመጐልበቢኣ ኣንቢራ ድማ ክዳን ምብልውናኣ ተኸድነት

20. ይሁዳ እቲ ታሕዚ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድብኢድ እቲ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ጥቦት ማሕስእ ሰደደላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን

21. ነቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ፡ እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መገዲ ተቐሚጣ ዝነበረት ኣመንዝራ ኣበይ እያ ዘላኢሉ ሐተተኣብዚ ኣመንዝራ ኣይነበረትንበሉ

22. ናብ ይሁዳ ተመልሊሱ ድማ፡ ኣይረኸብክዋን፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብዝስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን፡ ኢሎም በሎ

23. ይሁዳ ድማ፡ እንሆ፡ እዚ ጥቦትዚ ሰዲደ፡ ንስኻ ኸኣ ኣይረኸብካያን እሞ፡ መላገጺ ኸይንኸውንሲ፡ ትውሰዶበለ

24. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ንይሁዳታማርሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፡ እንሆ ኸኣ ብዝሙት ጠኒሳ አላ፡ ኢሎም ነገርዎ። ይሁዳ ድማ፡ ኣውጽእዋ እሞ ትንደድበለ

25. ምስ ኣውጽእዋ ድማ፡ ናብ ሓሙኣ፡ ኣነ ኻብ በዓል እዚ እየ ጠኒሰ ዘሎኹ፡ ኢላ ሰደደት። እዚ ቐለቤት እዚ፡ እዚ መዓትብ እዚ፡ እዛ በትሪ እዚኣንሲ ናይ መን ከም ዝዀና፡ እስኪ ኣለሊ በጃኻ፡ ድማ በለት

26. ይሁዳ ኸኣ ኣለልይዎንወደይ ሼላ ካብ ዘይሀብክዋስካባይ ንሳ ትቐንዕ፡ በለ። ድሕርቲ ግና ኣይፈለጣን

27. ኰነ ኸኣ፡ ብጊዜ ሕርሳ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበረ።

28. ኰነ ድማ ክትወልድ ከላ፡ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውጽኤእታ መሕረሲት ከኣ፡ እዚ ቕድም ወጸ፡ ኢላ ቀይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ

29. ኰነ ድማንሱ ኢዱ ምስ መለሰ እንሆ፡ ሓዉ ወጸ። ንሳ ኸኣ፡ ከመይ ሰንጢቕካ ባዕልኻ ወጻእካ፧ በለትስሙ ድማ ፋሬስ ተባህለ

30. ብድሕሪኡ ኸኣ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ሓዉ ወጸስሙ ድማ ዘራሕ ተባህለ