1. ያእቆብ ድማ ኣብታ ኣቦኡ ተሰዲድዋ ዝነበረ ምድሪ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተቐመጠ

2. ወለዶ ያእቆብ እዚ እዩ። ዮሴፍወዲ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ምስ ኣሕዋቱ ጤለበጊዕ ይጓሲ ነበረ። ንሱ ብንእስነቱ ኾሎ ኸኣ ምስ ደቂ ቢልሃን ምስ ደቂ ዚልጳን ኣንስቲ ኣቦኡ ነበረ። ዮሴፍ ድማ እቲ ኽፉእ ወሬኦም ነቦኦም የምጽኣሉ ነበረ።

3. እስራኤል ንዮሴፍወዲ እርግናኡ ነበረ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ደቁ ይፈትዎ ነበረ። ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ገበረሉ

4. እቶም ኣሕዋቱኣቦኦም ሓለፋ ዅላቶም ኣሕዋቱ ኸም ዝፈተዎ ርእዮምጸልእዎብሰላም ኪዛረብዎ ድማ ኣይከኣሉን

5. ዮሴፍ ከኣ ሕልሚ ሐለመ ነሕዋቱ ድማ ነገሮም። መሊሶም ከኣ ኣዝዮም ጸልእዎ

6. ንሱ ድማ፡ ዝሐለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑ

7. እንሆ፡ ንሕና ኣብ ማእከል ግራት እንዳእቲ ንኣስር ነበርና። እንሆ ኸኣ፡ እንዳእተይ ተንሲኣ ትኽ በለት። እንሆ ድማ፡ እንዳእትኹም ንእንዳእተይ ከቢበን ሰገዳላ፡ በሎም።

8. ሽዑ ኣሕዋቱ፡ እሞ ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስ፡ ብሓቂዶኸ ኽትገዝኣና ኢኻ፧ በልዎ። መሊሶም ከኣ ብዛዕባ ሕልምታቱን ዘረባኡን ኣዝዮም ጸልእዎ

9. ካልእ ሕልሚ ድማ ሐለመ፡ ነሕዋቱ ኸኣ ነገሮም፡ እንሆ፡ ካልእ ሕልሚ ሐለምኩእንሆ ድማ፡ ጸሓይን ወርሕን ዓሰርተው ሓደ ከዋኽብትን ሰገዱለይበለ

10. ነቦኡን ነሕዋቱን ድማ ነገሮምኣቦኡ ኸኣ ገንሖ፡ እዚ ዝሐለምካዮ እንታይ ሕልሙ እዩ፧ ብሓቂዶ ኣነን ኣዴኻን ኣሕዋትካን መጺእና ኣብ ምድሪ ኽንሰግደልካ ኢና፧ በሎ

11. ኣሕዋቱ ኸኣ ቀንኡሉኣቦኡ ግና ነዚ ነገርዚ ኣብ ልቡ ዐቝርዎ ነበረ።

12. ኣሕዋቱ ድማ ጤለበጊዕ ኣቦኦም ኪጓስዩ ናብ ሴኬም ከዱ

13. እስራኤል ከኣ ንዮሴፍኣሓትካ ደኣ ኣብ ሴኬምዶ ይጓስዩ ኣየለዉን፧ ንዓ ናባታቶም ክሰደካ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በሎ

14. ኪድ እሞ፡ እቶም ኣሕዋትካ ደሓን እንተለዉ፡ እተን ጤለበጊዕውን ደሓን እንተለዋ ርኤ፡ ቃል ድማ ምለሰለይበሎ። ከምዚ ገይሩ ኻብ ለሰ ኬብሮን ለኣኾ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሴኬም መጸ

15. እብቲ መሮር ሃለው ኪብል ከሎ፡ እንሆ፡ ሓደ ሰብኣይ ረኸቦእቲ ሰብኣይ ከኣ፡ እንታይ ትደሊ አሎኻ፧ ኢሉ ሐተቶ

16. ንሱ ድማ፡ ኣሕዋተይ እደሊ አሎኹ፡ ኣበይ ከም ዚጓስዩ ዀታ ንገረኒበለ

17. እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ናብ ዶታን ንኺድኪብሉ ሰሚዔዮም ነበርኩ እሞ፡ ካብዝስ ለቒቖም እዩምበለዮሴፍ ከኣ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ፡ ኣብ ዶታን ረኸቦም

18. ካብ ርሑቕ ድማ ረአይዎ፡ ገና ኣባታቶም ከይቀረበ ኸኣ፡ ኪቐትልዎ ተታናዀሉ

19. ንሓድሕዶም ድማ ተባሃሀሉ፡ እቲ ሓላሚ እንሆይመጽእ አሎ፡

20. ሕጂ ኸኣ ንዑ ንቕተሎ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብዘን ጐደጕድ ንደርብዮ እሞ፡ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎንበልእቲ ሕልምታቱ እንታይ ከም ዚኸውን ድማ ንርኢ።

21. ሮቤል ከኣ እዚ ሰሚዑ ኻብ ኢዶም ኣድሐኖ፡ ነፍሲ ኣይንቕተል፡ ድማ በለ

22. ሮቤል ከኣ ካብ ኢዶም ኣድሒኑ ናብ ኣቦኡ ምእንቲ ኺመልሶ ኢሉ፡ ብኢድ እኳ ኣይትተንክይዎኣብዚ በረኻ ኣብ ዘሎ ጕድጓድ ደርብይዎ እምበር፡ ደምሲ ኣይትኽዐዉበሎም

23. ኰነ ኸኣዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ ምስ መጸ፡ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቐምሹ፡ እቲ ወለል ዚብል ቀምሽ፡ ቀንጠጥዎ

24. ወሲዶም ድማ ናብ ጕድጓድ ደርበይዎ። እቲ ጕድጓድ ከኣ ማይ ዜብሉ ጥራዩ ነበረ።

25. እንጌራ ኺበልዑ ድማ ተቐመጡኣዒንቶም ቋሕ ኣቢሎም ጠመቱ፡ እንሆ ኸኣ፡ እስማኤላውያን ቃፍላይኣግማሎም ሽቱን ቀመምን ከርበን ተጽዒነን ናብ ግብጺ ኼውርድዎ ኪኸዱ፡ ካብ ጊልዓድ ኪመጹ ረኣዩ።

26. ይሁዳ ድማ ነሕዋቱሓውና ቐቲልና ደሙ እንተ ሓባእናስእንታይ ክንጥቀም ኢና፧

27. ንዑ ግዳ ኣብዞም እስማዔላውያን ንሽጦ፡ ሓውናን ስጋናን እዩ እሞ፡ ኢድና ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን፡ በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ሰምዕዎ

28. እቶም ነጋዶ ሰብ ሚድያን ኪሐልፉ ኸለዉ፡ ንዮሴፍ ኣልዒሎምካብ ጕድጓድ ኣውጽእዎ እሞ፡ ንዮሴፍ ንዕስራ ሲቃል ብሩር ኣብ እስማዔላውያን ሸጥዎ። ንሳቶም ከኣ ንዮሴፍ ናብ ግብጺ ወሰድዎ

29. ሮቤል ድማ ናብቲ ጕድጓድ ተመልሰእንሆ ኸኣ፡ ዮሴፍ ኣብቲ ጉድጓድ ኣይነበረን። ሽዑ ኽዳኑ ቐደደ

30. ናብ ኣሕዋቱ ተመሊሱ ድማ፡ እቲ ቘልዓ የሎን፡ ኣነ ደኣ ናበይ ክኸይድ እየበለ

31. ቀምሽ ዮሴፍ ወሲዶም ከኣ ወጠጦ ሐሪዶም ነቲ ቀምሽ ኣብ ደም ጠለቕዎ

32. ነቲ ወለል ዚብል ቀምሽ ሰዲዶም ናብ ኣቦኦም ኣእተውዎእዚ ረኺብና እሞ፡ ቀምሽ ወድኻ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰነ፡ እስኪ ኣለልዮ፡ ድማ በሉ

33. ኣለልይዎ ኸኣ፡ እዚ ቐምሽ ወደይ እዩ፡ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎዮሴፍ ብርግጽ ተበሊዑበለ

34. ያእቆብ ድማ ክዳኑ ቐዲዱ ኣብ ሕቝኡ ማቕ ተዐጥቀብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ ሐዘነ

35. ኵሎም ኣወዳቱን ኵለን ኣዋልዱን ድማ ኬጸናንዕዎ ተንስኡ። ንሱ ግና ምጽንናዕ ኣበየብሓዘን ናብ ወደይ ናብ ሽኦል ክወርድ እየ፡ ድማ በለኣቦኡ ኸኣ በኸየሉ

36. እቶም ሚድያናውያን ድማ ናብ ግብጺናብ ጶጢፋርበዓል መዋእል ፈርኦን ሓለቓ ዘብዔኛታትሸጥዎ