1. ንሱ ብዳህሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ

2. ኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረአየ። ምስ ረኣዮም ድማ፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ

3. በለ ድማጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ምገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒ

4. እእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኰታ ይምጽኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ

5. ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትሓልፉስልብኹም ክትድግፉቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም ድሕርቲ ትሓልፉበለ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ድማ በልዎ

6. ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብ ሳራ ናብ ድንኳን አትዩቀልጢፍኪ ሰለስተ መስፈር ድኹም ሓርጭ ኣቘምጢዕኪ ቀጫጩ ሰንክቲበለ

7. ኣብርሃም ድማ ናብ ኣሓኡ ጐይዩ ልምሉምጽቡቕ ብተይ ወሲዱ፡ ነቲ ግዝኡ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኸዳልዎ ተቓለጠፈ

8. ርግኦን ጻልጣን እቲ ዘዳለዎ ብተይን ገይሩ ድማ ኣቕረበሎም። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ በልዑ

9. ንሳቶም ድማ፡ ሰበይትኻ ሳራኸ ኣበይ አላ፧ በልዎ ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ፡ በለ

10. ሽዑ ንሱ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት

11. ሕጂ ድማ ኣብርሃምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ፡ ንሳራ ድማ እቲ ልምዲ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ።

12. ሳራ ኸኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐትድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዓለኒጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ።

13. እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራኣሪገ ኸሎኹስብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፧ ኢላ ሰሓቐት

14. ንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር አለዎንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በሎ።

15. ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቕኩንኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ግና፡ ኣይፋልስሒቕኪ እባ ደኣበላ

16. እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡንሶዶም ገጾም ከኣ ቀንዑ፡ ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደ

17. እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ኣነ ዝገብሮ ኻብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ፧

18. ኣብርሃምሲ ዓብይን ብርቱዕን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፡ ህዝብታት ኲላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኺባረኹ እዮም።

19. እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ኼምጽኣሉ፡ ንሱ ድማ ብድሕሩኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልዉንጽድቅን ፍርድን ከኣ ኪገብሩን፡ ምእንቲ ኺእዝዞምፈለጥክዎ፡ በለ።

20. እግዚኣብሄር ድማ፡ ጭራሕምራሕ ሶዶምን ጎሞራን በዚሑ እዩ እሞ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ኣዝዩ በርቲዑ እዩ፡

21. ስለዚ ኸምቲ ናባይ ዝመጸ ጭራሕምራሕ ፈጺሞም ገይሮምዎ ወይ ዘይገበርዎ እንተ ዀይኖም ክፈልጥወሪደ ኽርኢ እየ፡ በለ።

22. እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ገጾም መሊሶም ናብ ሶዶም ከዱኣብርሃም ከኣ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ።

23. ኣብርሃም ድማ ቐሪቡ፡ ነቲ ጻድቕከ ምስቲ ረሲእዶ ኸተጥፍኦ ኢኻ፧

24. ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን ይርከቡ ይዀኑ እዮም እሞ፡ ተጥፍኦምዶ፧ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን

25. ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻባካ ይርሓቕእቲ ጻድቕ ከምቲ ረሲእ ኪኸውንሲ፡ ኻባኻ ይርሓቕ። እቲ ፈራድ ኲላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧ በለ።

26. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኣብ ሶዶም፡ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ሓምሳ ጻድቃን እንተ ረኸብኩላስ፡ ንብዘላ እታ ቦታ ምእንታኦም ኢለ ኽንሕፋ እየ፡ በለ

27. ኣብርሃም ድማ መሉሱእንሆ፡ ኣነ መሬትን ሓመዂስትን ክነሰይ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ፡

28. ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ጻድቃን ሓሙሽተ ይጐድሉ ይዀኑ፡ ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብኸተማኣ ተጥፍኣ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኸብኩላስኣየጥፍኣንበለ

29. ከም ብሓድሽ ድማ፡ ምናልባሽ ኣርብዓ ይርከብዋ ይዀኑ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየበለ

30. ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይብምዝራበይ ደኣ ኣይትዀሪምናልባሽ ሰላሳ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለሰላሳ እንተ ረኸብኩላስኣይገብሮን እየ፡ በለ።

31. ንሱ ድማ፡ እንሆ፡ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ፡ ምናልባሽ ዕስራስ ግዲ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ምእንቲ እቶም ዕስራ ኣየጥፍኣን እየ፡ በለ።

32. ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይሓንሳእ ጥራይ ክዛረብሲ ኣይትዀሪ ደኣምናልባሽ ዓሰርተስ ግዲ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ምእንቲ እቶም ዓሰርተውን ኣየጥፍኣን እየ፡ በለ።

33. እግዚኣብሄር ድማ ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድኤከደኣብርሃምውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ