1. እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ

2. ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ።

3. ንዚባርኹኻ ክባርኾምንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።

4. ኣብራም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደሎጥ ድማ ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ።

5. ኣብራም ድማ ንሳራይ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉንነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ነፍሳትን ወሲዱ፡ ንምድሪ ኸነኣን ኪኸዱ ወጹ፡ ናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ መጹ

6. ኣብራም ድማ በታ ምድሪ ኽሳዕ ቦታ ሴኬም ክሳዕ ድዋታት ሞሬ ሓለፈ። በቲ ዘበንቲ ድማ ከነኣናውያን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ነበሩ።

7. እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተራእዮእዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ እየ፡ ከኣ በሎ። ኣብኡውን ነቲ እተራእዮ እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሓሉ

8. ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤት-ኤል ዘሎ ኸረን ተጓዒዙ ድማ፡ ኣብኡ ድንኳኑ ተኸለ፡ እሞ ቤት-ኤል ብሸነኽ ምዕራቡዓይ ከኣ ብምብራቑ ዀና። ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔብስም እግዚኣብሄርውን ተማህለለ

9. ኣብራም ድማ ተላዒሉ እናገዐዘ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸደ

10. ኣብታ ሃገር ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብታ ሃገር ጥሜት ስለ ዝበርትዔ ድማ፡ ኣብራም ብስደት፡ ኣብኣ ኪቕመጥ፡ ናብ ግብጺ ወረደ

11. ኰነ ኸኣ፡ ናብ ግብጺ ኺኣቱ ምስ ቀረበንሰበይቱ ሳራይእንሆመልክዔኛ ሰበይቲ ምዃንኪ ፈሊጠ አሎኹ እሞ፡

12. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ግብጻውያን ምስ ዚርእዩኺሰበይቱ እያ ኺብሉ እዮም፡ ንኣይ ቀቲሎም ንኣኺ ብህይወት ይሓድጉኺ

13. እምበኣር በጃኺ፡ ብሳላኺ ምእንቲ ንኣይ ኪጥዕምነፍሰይ ድማ ብኣኺ ክትድሕንሲሓብቱ እየ ደኣ በሊ፡ በላ

14. ኰነ ኸኣ፡ ኣብራም ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወግብጻውያን እታ ሰበይቲ ብዙሕ መልክዔኛ ምዃና ረኣዩ

15. እቶም ሹማምቲ ፈርኦን ድማ ረኣይዋ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ነኣድዋ። ነታ ሰበይቲ ውን ናብ ቤት ፈርኦን ወሰድዋ

16. ንኣብራም ድማ ምእንትኣ ጽቡቕ ገበረሉኣባጊዕን ኣብዑርን ኣውዳልን ገላዉን ኣግራድን ኣንስትዮ ኣእዱግን ኣግማልን ነበርዎ።

17. እግዚኣብሄር ግና ብምኽንያት ሳራይ ሰበይቲ ኣብራምንፈርኦንን ንቤቱን ብርቱዕ ቅጽዓት ቀጽዖ

18. ፈርኦን ድማ ንኣብራም ናብኡ ጸዊዑእንታይ እዩ እዚ ዝገበርካኒ ስለምንታይከ ኢኻ ሰበይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒ

19. ስለምንታይሲ ሓብተይ እያ፡ በልካ፧ ሰበይተይ ክትከውን ምወሰድክዋ ነይረ። ሕጂ ኸኣ እንሃትልካ፡ ሰበይትኻ ሒዝካ ኺድ፡ በሎ።

20. ፈርኦን ድማ ብዛዕባኡ ንሰቡ፡ ንእኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉን ኬሰንይዎም፡ ኣዘዘ