1. እቲ ጥሜት ከኣ ኣብታ ሃገር በርትዔ

2. ኰነ ድማ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዘምጽእዎ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ኣቦኦምተመሊስኩም ሒደት እኽሊ ሸምቱልናበሎም

3. ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ሰብኣይ ኣሕሚሙሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎገጸይ ኣይትርእዩን ኢኹም፡ በለና

4. ንሓውና ምሳና ትሰዶ እንተ ዄንካወሪድና እኽሊ ኽንሽምተልካ ኢና።

5. ዘይትሰዶ እንተ ዄንካ ግና፡ እቲ ሰብኣይሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎገጸይ ኣይትርእዩን ኢኹም፡ ኢሉና እዩ እሞ፡ ኣይንወርድን ኢና፡ በሎ

6. እስራኤል ከኣ፥ ስለምንታይ ነቲ ሰብኣይ ገና ሓደ ሓው አሎና ኢልኩም ብምንጋርኩም ኣኽፋእኩምለይበለ

7. ንሳቶም ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ብዛዕባናን ብዛዕባ ወለዶናን፡ ኣቦኹም ገናዶ ብህይወቱ አሎ፧ ካልእ ሓውከ አሎኩምዶኢሉ ኣጸቢቑ ሓተተና። ንሕና ኸኣ ከምቲ ዘረባኡ ነገርናዮንሓውኩም ኣውርድዎ ኸምዚብለናዶ ፈሊጥና ኔርና፧ በሉ

8. ይሁዳ ድማ ነቦኡ እስራኤል፡ ንሕናን ንስኻን ሕጻናትናን ክንነብር እምበር፡ ከይንመውትተንሲእና ኽንከይድሲ፡ ነዚ መንእሰይ ምሳይ ስደዶ

9. ኣነ እውሐሶ፡ ካብ ኢደይ ድለዮ። ናባኻ ኣምጺኤ ኣብ ቅድሜኻ ደው እንተ ዘየበልክዎ፡ ብዅሉ ዘበን ንኣኻ ሓጢኣት ከም ዝገበርኩ እኹን

10. ክሳዕ ሕጂ እንተ ዘይንድንጕስ፡ ኤረ ኻልኣይ እዋን እኳ ተመሊስና ምሀሎና ኔርና፡ በሎ።

11. ሽዑ ኣቦኦም እስራኤል፥ እዚ እንተ ደኣ ዀይኑስ፡ ከምዚ ግበሩ፡ ካብ ፍረ እዛ ምድሪ ጸጽቡቑ ኣብ ዓያብትኹም ውሰዱነቲ ሰብኣይ ዚኸውን ገጽ በረኸትሒደት ቀመም፡ ሒደት መዓርሽቱን ከርበን ካዕካዕን ለውዝን ተማልኡሉ

12. ገንዘብ ድማ ካዕበት ጌርኩም ኣብ ኢድኩም ውሰዱ፡ እቲ ኣብ ኣፍ ዓያብትኹም እተመልሰ ገንዘብ ከኣ፡ ምናልባሽ ናይ ጌጋ ኸይከውንብኢድኩም ምለስዎ

13. ንሓውኩምውን ውሰድዎተንሲእኩም ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ

14. ነቲ ሓደ ሓውኩምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኺሰዶም፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ምሕረት ይሀብኩም። ኣነ ውሉድ እንተ ሰኣንኩ፡ ውሉድ እስኣን፡ በሎም።

15. እቶም ሰብ ድማ ነዚ ገጽ በረኸት እዚ ወሰዱዕጽፊ ገንዘብ ከኣ ኣብ ኢዶምንብንያምውን ሒዞም ተንስኡናብ ግብጺ ወሪዶም ድማ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው በሉ።

16. ዮሴፍ ከኣ ንብንያም ምሳታቶም ምስ ረአዮንኣዛዝ ቤቱእዞም ሰባት እዚኣቶም ቀትሪ ምሳይ ኪምስሑ እዮም እሞ፡ ነዞም ሰባት ናብ ቤተይ ኣእትዎምሕሩድ ሐሪድካውን ኣዳሉበሎ

17. እቲ ሰብኣይ ድማ ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእተዎም

18. እቶም ሰባት ድማ፡ ናብ ቤት ዮሴፍ ስለ ዘእተዎምፈርሁ፡ ብዛዕባ እቲ በታ ቐዳመይቲ ጊዜ ኣብ ዓያብትና እተመልሰ ገንዘብ እዩ ንኣና ናብዚ ዘእተወና፡ ጐይዩ ሓደጋ ኺወድቀና እሞ፡ ባሮት ክንከውን፡ ንኣናን ነእዱግናን ኪወስድ እዩ፡ ከኣ በሉ

19. ናብቲ ሰብኣይ፡ ኣዛዝ ቤት ዮሴፍቀሪቦም ድማኣብ ደገ ቤት ምስኡ ተዛረቡ

20. በል ጐይታይብቐዳማይ እኽሊ ኽንሽምት ወሪድና ነበርና

21. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሕደሪ ምስ በጻሕና፡ ዓያብትና ኸፈትናእንሆ ኸኣገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ከም ሚዛኑ ኣብ ኣፍ ዐዓይበቱ ነበረ፡ ኣብ ኢድና ኸኣ መሊስናዮ አሎና።

22. እቲ ገንዘብ ድማ ናብ ዓያብትና መን ከም ዘእተዎ ኣይንፈልጥንካልእ ገንዘብውን መሸመት እኽሊ ዚኸውን ኣብ ኢድና ኣምጺእና አሎና፡ በሉ።

23. ንሱ ድማ፡ ኣጆኹም ኣይትፍርሁኣብ ዓያብትኹም መዝገብ ዝሀበኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦኹም እዩ፡ ገንዘብኩምሲ አትዩኒ እዩበለንስምኦን ከኣ ናባታቶም ኣውጽኦ

24. እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእቲዩ ኣእጋሮም ኪሕጸቡ ማይ ሀቦምነእዱጎም ድማ ድርቋ ሀበን

25. ኣብኡ ኸም ዚምስሑ ሰሚዕም ነበሩ እሞ ዮሴፍ ቀትሪ ኽሳዕ ዚመጽእ ነቲ ገጽ በረኸት ኣዳለዉዎ

26. ዮሴፍ ናብ ቤት ምስ መጸ፡ እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ገጽ በረኸት ናብ ቤት ኣምጽኡሉኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከኣ ሰገዱሉ

27. ንሱ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ሐተቶምእቲ ብዛዕብኡ እተዛረብኩምኒ ኣረጊት ኣቦኹምከ ደሓንዶ አሎገናዶ ብህይወቱ አሎ፧ ከኣ በሎም

28. ንሳቶም ድማ፥ ኣቦና ጊልያኻ ደሓን እዩብህይወቱ አሎበሉድንን ኢሎም ድማ ሰገዱሉ

29. ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ ንብንያም ሓዉ ወዲ ኣዲኡ ርእዩ ድማ፥ እዝስ እቲ ብዛዕባኡ እተዛረብኩምኒ ንእሽቶ ሓውኩም ድዩ፧ በለወደይእግዚኣብሄር ሞገስ ይሀብካ፡ ከኣ በሎ።

30. ዮሴፍ ድማ ብዛዕባ ሓዉ ኣምዑቱ ትዅስኵስ ኢልዎ ተሀወኸዚበኽየሉ ስፍራ ደልዩ ናብ ሕልፍኝኡ አተወ፡ ኣብኡ ኸኣ በኸየ

31. ገጹ ተሐጺቡ ወጸልቡ ቐጥ ኣቢሉ ኸኣ፡ እንጌራ ኣቕርቡ፡ በለ።

32. ሽዑ ንእኡ ንበይኑ፡ ንኣታቶም ድማ ንበይኖም፡ ነቶም ምስኡ ዚበልዑ ግብጻውያን ከኣ ንበይኖም ኣቕረቡሎም። ንግብጻውያን ምስ እብራውያን እንጌራ ምብላዕ ነውሪ እዩ እሞ፡ ስለዚ ግብጻውያን ምስኦም ኪበልዑ ኣይኽእሉን እዮም።

33. እቲ በዅሪ ኸም ብዅርናኡእቲ ንእሽቶ ኸኣ ከም ምንኣሱ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡእቶም ሰባት ድማ ንሓድሕዶም ተደነቑ

34. ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ መብልዕ ከኣ ግዲኦም ኣቕረበሎምንብንያም ድማ ሓለፋ ግደ ዅሎም ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረበሉ። ሰትዮም ድማ ምስኡ ተሐጐሱ