1. ያእቆብ ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለእንሆ ኸኣ፡ ኤሳው፡ ምስኡ ድማ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኪመጽእ ረአየ። ሽዑ ነቶም ደቂ ኣብ ልያን ኣብ ራሄልን ኣብ ክልቲኤን እተን ግዙኣትን መቓቐሎም

2. ነተን ግዙኣትን ንደቀንን ቅድሚትልያን ደቃን ድማ ደድሕሪኤንራሄልን ዮሴፍን ከኣ ድሕሪት ገበሮም

3. ንሱ ድማ ቅድሚኦም ሐሊፉናብ ሓዉ ኽሳዕ ዚበጽሕ ሾብዓተ ሳዕ ናብ ምድሪ ሰገደ

4. ኤሳው ከኣ ኪቕበሎ ጐየየሐቘፎኣብ ክሳዱ ወዲቑ ኸኣ ሰዐሞበኸዩ ድማ።

5. ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ ኣንስትን ቈልዑን ርእዩ ኸኣ፡ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ደኣ እንታዎት እዮምበለንሱ ድማ፥ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ንግልያኻ ዝጸገዎ ደቂ እዮም፡ በለ።

6. ሽዑ እተን ግዙኣት ምስ ደቀን ቀሪበን ሰገዳ

7. ልያን ደቃን ከኣ ቀሪቦም ሰገዱድሕሪት ድማ ዮሴፍን ራሄልን ቀሪቦም ሰገዱ

8. እዚ ዅሉ እተጓነፍክዎ ጭፍራኸ እንታይ ሐሲብካ ኢኻ፧ ድማ በሎኣብ ቅድሚ ጐይታይ ሞገስ ክረክብ ኢለ፡ በለ

9. ኤሳው ከኣ፡ ሓወየዝኣኽለኒ አሎኒ፡ ናትካስ ንኣኻ ደኣ ይኹን፡ በለ

10. ያእቆብ ድማ፡ ኣይፋልካን፡ ካብ ኣሐጐስካንስ፡ ንገጽካ ኸኣ ገጽ ኣምላኽ ከም ዝርኢ ርእየያ እየ እሞ፡ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ገጽ በረኸተይ ካብ ኢደይ ተቐበል

11. ኣምላኽ ጸግዩኒ፡ ኵሉ መሊኡኒ አሎ እሞ፡ እቲ ዝሰደድኩልካ ገጽ በረኸተይ ውሰዶ ደኣ፡ ኢሉ ግዲ በሎ። ንሱ ኸኣ ወሰዶ።

12. ኤሳው ድማ፡ ንንቀል እሞ ንኺድ፡ ኣነ ድማ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እየ፡ በለ

13. ንሱ ግና፥ እዞም ቈልዑ ዕሸላት ከም ዝዀኑ፡ ዜጥብዋ ጤለበጊዕን ኣሓን ከኣ ከም ዘለዋኒ፡ ጐይታይ ይፈልጥ አሎ። ሓደ መዓልቲ እምብዛ እንተ ሀወኽወን ኵለን መጓሰ ይሞታ

14. ጐይታይሲቀቅድሚ ግልያኡ ደኣ ይሕለፍ፡ ኣነ ድማ ናብ ጐይታይ ኣብ ሰዒር ክሳዕ ዝበጽሕከም ስጕምቲ እተን ቀቅድመይ ዘለዋ ማልን ከም ስጕምቲ እቶም ቈልዑን ገይረ ቐስ እናበልኩ እመጽእ፡ በሎ።

15. ኤሳው ከኣ፡ እምበኣርስኸ ካብዚ ምሳይ ዘሎ ህዝቢ ኽሐድገልካበሎ። ንሱ ግና፡ እዚኸ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ደኣ ሞገስ እርከብ፡ በለ።

16. ኤሳው በታ መዓልቲ እቲኣ መገዱ ናብ ስዒር ኣቢሉ ተመልሰ

17. ያእቆብ ድማ ናብ ሱኮት ተጓዕዘ፡ ንእኡ ኸኣ ቤት ሰርሔንማሉውን ዳሳት ገበረ። ብዛዕባዚ ስም እታ ቦታ ሱኮት ተባህለ

18. ያእቆብ ድማ ካብ ጳዳን-ኣራም ምስ መጸኣብ ምድሪ ኸነኣን ናብ ዘላ ኸተማ ሴኬም ብደሓን አተወ። ኣብ መንጽር እታ ኸተማ ኸኣ ሰፈረ

19. እታ ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ኽፍሊ ግራት ድማ ኣብ ኢድ ደቂ ሓሞርኣቦ ሴኬምብሚእቲ ቀሲጣ ዐደጋ

20. ኣብኣ መሰውኢ ኣቝሙ ኸኣ፡ ኤል-ኤሎሄ-እስራኤል ኣውጽኣሉ