Released year:
2017
Background vocals:
ሰምሃር ብጹኣምላኽ፣ ኣድሃኖም ተስፋማርያም፣ ሄቨን ገሬ፣ ኣቤል ኣለማየሁ
Musician:
Composer:
ኣቤል ኣለማየሁ
Note:
ብመጀመርታ ነቲ ካብ ጸልማት ናብ ዘገርም ብርሃን ካብቲ ዝመጽእ ጥፍኣት'ውን ኣድሒኑ ኣገልጋሊቱ ክኸውን ዘብቃዓኒ ልዑል እግዚኣብሄር አመስግን። ብምቅጻል ነዚ ዕዮ'ዚ ክሳብ ዚፍጸም ብጸሎትን ብምኽሪን ዝተጉሁለይ ንኹሎም የሕዋት ንፊላደልፊያ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ኮሎምቦስ ኦሃዮን ንኤብንዔዘር ናይ መሰሪት ፈውሲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ኬንያን ከምኡ'ውን ቓላት ብምእራምን ብጸሎትን ኣብ ጎነይ ደው ዝበለ በዓል ቤተይ ሰለሙን ተስፋይን ንኹሎም ቤተሰብይን አመስግን።
ፍሉይ ምስጋና፦ ንሓፍትና ራህዋ ተወልደ ኣይዓገብኩን እባርኾን ዘርእስተን መዛሙራታን ግጥምን ዜማን ብምሃባ ብልቢ የመስግን። ከምኡ'ውን ንዘማሪት ሰምሃር ብጹኣምላኽ፣ ኣድሃኖም ተስፋማርያም ስለ'ቲ ዝገበርኩምለይ ዕዙዝ ኣበርክቶኹምን ተወፋይነትኩምን ብልቢ የመስግነኩም።
"... ከመይ እግዚኣብሄር ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም ነቶም ቕዱሳን ዘገልገልኩሞምን እተገልግልዎም ዘለኹምን ዝርስዕ ገፋዒ ኣምላኽ ኣይኮነን።" እብራውያን 6፡10