1. ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ኣብ መቕደስ ዜገልግሉሉ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣጸቢቖም ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባስ ገበሩሉ

2. ነቲ ኤፎድ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ

3. ነቲ ወርቂ ቐጥቂጦም ኣርቀቕዎ፡ ምስ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ብናይ ፈላጥ ብልሓት ኪእለም፡ ከም ፈትሊ ገይሮም ቀደድዎ

4. ንሓድሕዱ እተላገበ መናኩብ ገበሩሉንሓድሕዱ ብኽልቲኡ ወሰኑ ተላገበ።

5. እቲ ኣብ ልዕሊ ኤፎድ ዝነበረ እሞ ዝዕጠቕ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ድማ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ ምስኡ ብሓደ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብ ወርቅን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ተገብረ።

6. ኣዕናቝ እምኒ ብትትዖ ወርቂ እተኸበከም ኣቓራርጻ ማሕተም ስም ደቂ እስራኤል እተቐርጾ ገበሩ።

7. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ እቲ ኣእማን ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ኪኸውን፡ ኣብ መንኵብ ኤፎድ ገበሮ

8. ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረከምቲ ስራሕ ኤፎድ ገይሩ ኻብ ወርቅን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ።

9. ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ማዕረ ነበረ፡ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድርብ ገበርዎምንዋሑ ስድሪወርዱ ኸኣ ስድሪድርብ ነበረ።

10. ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕናቝ ከኣ ኣዛነቑሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕሳርድዮንን ቶጳዝዮንን ስመራግዶስን

11. ኣብ ካልኣይ መስርዕ ድማ፥ ሰመንጉንን ሰፊሮስን ኣልማዝን

12. ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ከኣ፥ ህያክቶስን ኣካትን ኣሜቲስጦስን

13. ኣብ ራብዓይ መስርዕ ድማ፥ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያስጲስን። ኣብቲ መዛነቒኡ ብትትዖ ወርቂ ተኸቢቡ ነበረ።

14. እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስማት ደቂ እስራኤልከምቲ ስሞም ዓሰርተው ክልተ ነበረ። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ነፍሲ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ተቐርጸ

15. ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ሰንሰላታት ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ኣገባብራ ገመድ ብምጥዋይ ገበሩ

16. ክልተ ትትዖ ወርቅን ክልተ ቐለቤት ወርቅን ገበሩ እሞ ነቲ ኽልተ ቀለቤት ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ

17. ነቲ ኽልተ ትትዖ ወርቂ ድማ ኣብቲ ኽልተ ቐለቤት ኣብ ወሳስን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ

18. ኽልተ ኻልእ ኣምፊ ናይቲ ኽልተ ትትዖ ድማ ኣብቲ ኽልተ መዛነቒ ኣጋጢሞም፡ ኣብቲ ኽልተ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ገበርዎ

19. ክልተ ቐለቤት ወርቂ ሰሪሖም ድማ ናብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኣብ ሸነኽ ኤፎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ገበርዎ

20. ድማ ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገበሩ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩብ ኤፎድ ብታሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኣብ ጥቓ እቲ ዚጋጠመሉ ገበርዎ

21. እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኪኸውን፡ ካብቲ ኤፎድ ድማ ከይፈስስ፡ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ብቐላብቱ ምስ ቀላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ገመድ ኣሰርዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።

22. ነቲ ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕሊ ድማ ኵሉ ብሰማያዊ ኻብ እተኣልመ ዓለባ ገበሮ

23. እቲ ኣብ ማእከል እቲ ቐምሽ ዘሎ ኣፍ ምእንቲ ኸይቅደድ፡ ከም ኣፍ ድርዒ ገይሩ ነቲ ኣፍ ዙርያኡ ቐምቀሞ።

24. ነቲ ቐምሽ ከኣ ኣብ ታሕታይ ዘፈሩ ኻብ ሰማያውን ሕብሪ ድምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሮማናት ገበሩሉ

25. ቃጽላት ካብ ጽሩይ ወርቂ ገይሮም ድማ፡ ነቲ ቓጽላት ኣብ መንጎ እቲ ሮማናት፡ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ዙርያኡ ኣብ መንጎ ሮማናት ገበርዎ

26. ምእንቲ ኼገልግሉሉ፡ ሓደ ቓጽልን ሓደ ሮማንን፡ ሓደ ቓጽልን ሓደ ሮማንን ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ብዙርያኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።

27. ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ብማእለማ እተኣለመ ቐመውሽ ታሕትን፡

28. መጠምጠምያ ኸኣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕጌጸኛ ቀበውዕ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕስሬታትውን ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ

29. እቲ ኻብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ብምጥላፍ እተዐየ ቕናት ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።

30. ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ድማ ወርቂ ብሊቃ ገበሩሉ፡ ኣብኡ ኸኣ ከም ኣቓራርጻ ማሕተም ገይሮም፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዚብል ጽሕፈት ጸሐፉሉ

31. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዝዞ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ኺእሰር፡ ኣብኡ ሰማያዊ ፍሕሶ ገበሩሉ

32. ከምኡ ዅሉ ዕዮ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ተወድኤደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ፡ ከምኡ ገበሩ

33. ድማ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳንን ኵሉ ኣቓሑኡን ኣቑላፉን ኣልዋሑን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን ናብ ሙሴ ኣምጽእዎ

34. እቲ መደረብታ እተቐርጸ ቘራብቲ ደዓውልን እቲ መደረብታ ቘራብቲ ተሃስን እቲ ዚጋረድ መጋረጃን

35. ታቦት ምስክርን መሰላታቱን መኽደን መተዓረቕን

36. እቲ ሰደቓ ምስ ኵሉ ኣቓሑኡን እንጌራ ምርኣይን

37. እቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴል ምስ ቅልዒ ቐነዲሉ፡ እቲ ዚዳሎ ቕልዒ ቐነዲልን ኵሉ ኣቓሑኡን ዘይቲ ንቐዋሚ ቐንዴልን

38. መስውኢ ወርቅን ዘይቲ ቕብኣትን ምኡዝ ዕጣንን መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን

39. መሰውኢ ኣስራዚ፡ እቲ መጋረዲኡ ኣስራዚመሰላታቱን ኵሉ ኣቓሑኡን ገበራን ኣጋሮኡን

40. መጋረጃታት ኣጸድኣዕኑዱን ኣእጋሩን መጋረጃ ኣፍ ደገ ኣጸድንኣግማዱን ሸኻውልቱን ኵሉ ኣቓሑ ንኣገልግሎት ማሕደር ንድንኳን ምርኻብ

41. እቲ ንኣገልግሎት መቕደስ ዚኸውን ኣልባስ ኣገልግሎትቅዱሳት ኣልባስ ኣሮንካህንን ናይ ደቁ ኣልባስ ክህነትን

42. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ፡ ደቂ እስራኤል ንዅሉ ዕዮ ኸምኡ ገበርዎ

43. ሙሴ ድማ ንዅሉ ዕዮ ረኣዮእንሆ ኸኣ ገይሮምዎ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞከምኡ ገበሩሙሴ ድማ መረቖም