1. ብዓሰርተ ዓለባታት ማሕደር ግበር። ምስ ናይ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ ኪሩቤል ጌርካ፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ግበሮ

2. ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሾሞንተን እመትወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። ስፍሪ ዅሉ እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን።

3. እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም

4. ኣብቲ ብሓደ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ብሰማያዊ ፈትሊ መኸንትቦታት ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸኣ ከምኡ ግበር

5. ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። እቲ መኸንትቦታት ንሓድሕዱ መጣምቲ ይኹን።

6. ሓምሳ መቘለፊ ወርቂ ድማ ግበር። እቲ ማሕደር ሓደ ኪኸውንሲ፡ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቝላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጥሞ

7. ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዚድረብ ድማ ካብ ጸጉሪ ጤል ዓለባታት ግበር። እቲ ዓለባታት ከኣ ዓሰርተው ሓደ ግበሮ

8. ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመትወርዱ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። እቲ ዓሰርተው ሓደ ዓለባ ስፍሩ ማዕረ ይኹን።

9. ሓሙሽተ ኻብቲ ዓለባ ብሓደ ጌርካ ኣጋጥሞ። ከምኡ ከኣ እቲ ሹድሽተ ዓለባ ብሓደ ይኹን። እቲ ሳድሳይ ዓለባ ብሸነኽ ቅድሚት እቲ ድንኳን ደርቦ።

10. ኣብቲ ሓደ እተጋጠመ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ድማ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር።

11. ካብ ኣስራዚ ኸኣ ሓምሳ መቘለፊ ግበር፡ ነቲ ኣቝላፍ ናብቲ መኸንትቦታት ኣእትዎ፡ እቲ መደረብታ ሓደ ኪኸውን ኣጋጥሞ

12. ካብቲ ናይ መደረብታ ዓለባታት ድንኳን ዝተረፈ ሕልፊ ፈርቓ እቲ ዝሓለፈ ዓለባ ብድሕርቲ ማሕደር ይጀርበብ

13. እቲ ኻብ ምንዋሕ ናይቲ መደረብታ ዓለባታት ድንኳን ዝሓለፈ፡ ምእንቲ ኪኸድኖ፡ ብኽልተ ሸነኹ፡ እመት በዚ እመት በቲ፡ ነቲ ማሕደር በዝን በትን ይጀርበብ

14. ነቲ መደረብታ ኸኣ ካብ እተቐርጸ ቘራብቲ ደዓውል መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብ ቈርበት ታሃስ መኽደን ግበር።

15. ነቲ ማሕደር ድማ ደው ዚብል ኣልዋሕ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበረሉ

16. ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመትምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣ እመትን ፈረቓን ይኹን።

17. ነንሓደ ሉሕ ከክልተ ንሓድሕዱ እተጋጠመ ሸኻል ይገበሮንዅሉ ኣልዋሕ እቲ ማሕደር ከምኡ ግበሮ

18. ነቲ ማሕደር ከኣ ኣልዋሕ ግበርሉዕስራ ሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ግበር።

19. ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ ካብ ብሩር ኣርብዓ እግሪ ግበር፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ነቲ ኽልተ ሸኻል ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ከኣ ነቲ ኽልተ ሸኻል ክልተ እግሪ ግበረሉ።

20. በቲ ኻልኣይ ወገን ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕስራ ሉሕ

21. እቲ ኣርብዓ ናይ ብሩር እግሩ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ግበር።

22. ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ሹድሽተ ሉሕ ግበር

23. ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ድማ ንመኣዝኑ ኽልተ ሉሕ ግበረሉ

24. እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፡ ክሳዕ ላዕሊ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ክልቲኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብ ክልቲኡ መኣዝን ይኹን።

25. እቲ ኣልዋሕ ሸሞንተ፡ እቲ ናይ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሽዱሽተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ይኹን።

26. ጋድማት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበርብሓደ ሸነኽ እቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ

27. ብኻልኣይ ሸነኽ ኣቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድምብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራብ ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም ግበር።

28. እቲ ኣብ ማእከል እቲ ኣልዋሕ ዘሎ ማእከላይ ጋድም ካብቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ወሰን ይሕለፍ

29. ነቲ ኣልዋሕ ድማ ብወርቂ ለብጦ፡ እቲ ጋድማት ዚኣተዎ ቐላብቱ ኸኣ ካብ ወርቂ ግበሮ። ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለብጦ

30. ነቲ ማሕደር ከምቲ ኣብቲ ኸረን ዝረኤኻዮ ኣሰራርሓኡ ጌርካ ኽትተኽሎ ኢኻ።

31. ድማ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ጌርካመጋረጃ ግበር፡ ምስ ብብልሓት ኣተገብረ ኪሩቤል ይገበር

32. ብወርቂ ኣብ እተለበጠ መሰቓቐሊ ወርቂ ዘለዎ፡ በርባዕተ እግሪ ብሩር ደው ዝበለ፡ ኣርባዕተ ዓንዲ ሽጢም ጌርካ ስቐሎ

33. ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣቝላፍ ስቐሎ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ መንጎ ቅድስትን ቅድስተ ቅዱሳንን ይፍለየልኩም

34. ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ ልዕልሊ ታቦት ምስክር ግበሮ

35. ነቲ ሰደቓ ከኣ ኣብ ወጻኢ መጋረጃ ኣንብሮ፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ድማ ኣብ መንጽር ሰደቓ፡ ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ደቡቡ፡ ነቲ ሰደቓ ኸኣ ብሸነኽ ሰሜኑ ግበሮ

36. ነቲ ኣፍ ድንኳን ድማ ብሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ብምጥላፍ እትዐየ መጋረጃ ግበር

37. ነቲ መጋረጃ ኸኣ ሓሙሽተ ዓንዲ ሽጢም ግበረሉ ብወርቂ ድማ ለብጦመሰቓቐሊኡ ኸኣ ካብ ወርቂ ይኹን። ካብ ኣስራዚ ድማ ሓሙሽተ እግሪ ብፍሲ ግበረሉ