1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. እንሆ፡ ኣነ ንበሳልኤል ወዲ ኡሪወዲ ሁር፡ ካብ ነገድ ይሁዳብስሙ ጸዊዔዮ አሎኹ።

3-5. ንጥበብን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንዅሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ኪሐስብ፡ ንምዝናቕ ዚኸውን ኣእማን ኪቐርጽዕጨይቲውን ንምጽራብኵሉ ዕዮ ንምግባር መንፈስ ኣምላኽ መሊኤዮ አሎኹ።

6. እንሆ ኸኣንኦሆልያብ ወዲ ኣሒሳማክ፡ ካብ ነገድ ዳን፡ ምስኡ ገይረዮ አሎኹ። እቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ምእንቲ ኺገብሩ ኸኣ፡ ኣብ ልቢ ዅሎም ብልሓታኛታት ጥበብ ኣንቢረ አሎኹ።

7. ድንኳን ምርኻብን ታቦት ምስክርን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መኽደን መትዓረቕን ኵሉ ኣቓሑ ድንኳንን

8. ሰደቓን ኣቓሑኡን እቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቓሑኡን መሰውኢ ዕጣን ከኣ፡

9. መሰውኢ ምሕራርን ኵሉ ኣቓሑኡን እቲ ገበራ ኸኣ ምስናይ ኣጋሮኡ

10. ኣልባስ ኣገልግሎትን ቅዱስ ኣልባስ ድማ ንኣሮን ካህንን ንደቁን ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኣልባስ

11. ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ንመቕደስ ዚኸውን ምኡዝ ዕጣንን፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ይግበርዎ

12. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

13. ንስኻ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦምቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኽትፈልጡስኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ንውሉድ ወለዶኹም መፈለጥታ እየን እሞ፡ ስናብተይ ኣጸቢቕኩም ሐልዉ

14. ንኣኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፡ ንሰንበት ሐልውዋ። ብእኣ ገለ ዕዮ ዚዐዪ ዅሉ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ እሞ፡ እቲ ዘርክሳ ሞት ይሙት

15. ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየሳብዐይቲ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰት ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ብመዓልቲ ሰንበት ዕዮ ዝዐየየ ዅሉ ሞት ይሙት

16. ንውሉድ ወለድኦም ንናይ ዘለኣለም ኪዳን ንሰንበት ኬብዕልዋደቂ እስራኤል ንሰንበት ይሐልውዋ

17. እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ገበረብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዐሪፉ ኣተንፊሱ እዩ እሞ፡ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ናይ ዘለኣለም መፈለጥታ እያ።

18. ኣብ ከረን ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድኤክልተ ጽላት ምስክርበጻብዕ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ጽላት እምኒ ሀቦ