1. ኵሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ካብ በረኻ ሲን ነቐለ፡ ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር እናተጓዕዙ ኣብ ረፊዲም ሰፈሩ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ዚሰትዮ ማይ ኣይነበሮን

2. እቶም ህዝቢ ድማ፡ እንሰትዮ ማይ ሀቡና፡ ኢሎም ምስ ሙሴ ተቛየቑሙሴ ኸኣ፡ ስለምንታይ ምሳይ ትቛየቑበሎም። ስለምንታይከ ንእግዚኣብሄር ትፍትኑበሎም

3. እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ጸሚኦም ንሙሴስለምንታይ ኢኻንሕናን ደቅናን ማልናን ብጽምኢ ኽንመውት ካብ ግብጺ ዘደየብካና፧ ኢሎም ኣጕረምረሙሉ

4. ሙሴ ድማ፥ ነዚ ህዝቢዚ እንታይ ክገብሮ እየ፧ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኒ ቕሩብ ተሪፍዎም አሎ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ

5. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ቅድሚ ህዝቢ ሕለፍ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ምሳኻ ውሰድ፡ እታ ነታ ርባ ዝወቓዕካላ በትርኻ ድማ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ

6. እንሆ፡ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ሆሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኸውሒ ኸኣ ክትወቅዖ ኢኻ፡ ነቶም ህዝቢ ዜስቲ ማይ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ፡ በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ

7. ብዛዕባ እቲ ቘየቛ ደቂ እስራኤልንእግዚኣብሄር ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ኣብ ማእከልናዶ አሎ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ስለ ዝፈተንዎስም እታ ቦታ ማሳን መሪባን ኣውጽኣላ

8. ሽዑ ኣማሌቅ መጺኡ፡ ምስ እስራኤል ኣብ ረፊዲም ተዋግኤ

9. ሙሴ ድማ ንእያሱሰባት ሕረየልና እሞ፡ ወጺእካ ምስ ኣማሌቅ ተዋጋእ። ኣነ ጽባሕ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደው ክብል እየ፡ በሎ

10. እያሱ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፡ ምስ ኣማሌቅ ከኣ ተዋግኤሙሴን ኣሮንን ሁርን ድማ ናብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደየቡ

11. ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ኢዱ ምስ ዜልዕልእስራኤል ይስዕር ነበረ፡ ኢዱ ምስ ዜውርድ ድማ፡ ኣማሌቅ ይስዕር ነበረ።

12. ኣእዳው ሙሴ ኸኣ ረብረባ እሞ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣንበሩ፡ ንሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠኣሮንን ሁርን ከኣ ሓደ በዚ ሓደ በቲ ዀይኖም፡ ኣእዳው ይድግፉ ነበሩ። ኣእዳው ኸኣ ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብ ጸንዓ

13. እያሱ ድማ ንማሌቅን ንህዝቡን ብስሕለት ሴፍ ቀርደዶም

14. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈጺመ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ እዚ ንመዘከርታ ኣብ መጽሓፍ ጽሓፎንእያሱውን ኣብ እዝኑ ኣስምዓዮበሎ

15. ሙሴ ኸኣ መሰውኢ ሰርሔስሙ ድማ፡ እግዚኣብሄር ሰንደቕ ዕላማይ እዩ፡ ኢሉ ጸውዖ።

16. ኢድ ናብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተላዒላ አላ እሞ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሌቅ ካብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፡ ድማ በለ