1. በሳልኤል ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ታቦት ገበረምንዋሑ ክልተ እመትን ፈረቓንምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓንምብራኹውን እመትን ፈረቓን ነበረ።

2. ውሽጡን ግዳሙን ድማ ብጹሩይ ወርቂ ለበጦዙርያኡ ኸኣ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ

3. ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲሱ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩክልተ ቐለበት ብሓደ ሸነኽክልተ ቐለበት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኹ ገበሮ።

4. መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገይሩ ብወርቂ ለበጦ

5. እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኺጽወር ድማ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎቦታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ

6. መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂክልተ እመትን ፈረቓን ዝምንዋሑእመትን ፈረቓን ዝምግፋሑ ገበረ

7. ክልተ ኪሩቤል ድማ ካብ ወርቂ ገበረብምቕጥቃጥ ሰሪሑንመኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ገበሮም።

8. ሓደ ኪሩቤል በዚ ወሰንዚ፡ ሓደ ኪሩቤል ከኣ በቲ ወሰንቲ፡ ነቶም ኪሩቤል ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ብሓደ ገይሩ፡ ኣብ ክልቲኡ ወሰኑ ገበሮም።

9. እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ መሊሶም፡ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዘርጊሖምንመኽደን መተዓረቒ በኽናፎም ከወልዎ። ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብ መኽደን መዓረቒ ኣቢሉ ነበረ።

10. ሰደቓ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረምንዋሑ ኽልተ እመትምግፋሑውን እመትምብራኹ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ።

11. ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ነቲ ዙርያኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ

12. ነቲ ዙርያኡ ኸኣ ጋት ዝምግፋሑ ክቡስ ገበረሉ፡ ነቲ ኽቡስ ከኣ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ

13. ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሰሰሉ፡ ነተን ቀላብቲ ድማ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሩ ዘሎ ኣርባዕተ መኣዝኑ ገበረን

14. እቲ ቐላብቲመሰላታት ምእንቲ ኺኣትዎ እሞ እቲ ሰደቓ ብእኡ ኺጽወር፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኽቡስ ነበረ።

15. እቲ ሰደቓ ብእኡ ኺጽወር፡ ነቲ መሰላታት ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበሮ ብወርቂ ድማ ለበጦ

16. እቲ ኣብ ሰደቓ ዚንበር ኣቓሑሒላባውቱን ጭሔሎታቱን ጽዋኣቱን እቲ መስዋእቲ መስተ ዚኽዕዉሉ ዅስኵስትታትን፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበሮ

17. ቀዋሚ ቐንደል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበረንቐዋሚ ቐንዴል ምስ እግሩን ዘንጉን ብምቕጥቃጥ ገበሮጽዋኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ምስኡ ብሓደ ነበረ።

18. ካብ ጎቦታቱ ሹድሽተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሓደ ጎቦኡ ሰለስተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብኻልኣይ ጎቦኡ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ወጹ

19. ኣብ ሓደ ጨንፈር፡ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን፡ ኣብቲ ኻልኣይ ጨንፈር ድማ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ሰልስተ ጽዋእ መምስ ክበቡን ዕምባባን ነበረ። ኣብቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዝወጸ ሹድሽቲኡ ጨንፈር ከምኡ ነበረ።

20. ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ዕምባባ ለውዚ ዚመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ክበቡን ዕምባባታቱን ነበረ።

21. ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ሓደ ኽበብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ከኣ ሓደ ኽበብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ድማ ሓደ ኽበብ። እሞ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ሹድሽተ ጨንፈር ከምኡ ነበረ።

22. ከበብቶምን ጨናፍሮምን ምስኡ ሓደ ነበረ። ኵሉ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ሓደ ዀይኑ ተሰርሔ።

23. ሾብዓተ ቕልዒ ቐንዴል ድማ ገበረሉመሳቐዪኡን መዋህለል ርስሓቱን ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበረሉ።

24. ንእኡን ንዅሉ ኣቓሑኡን ብሓደ ታለንት ጽሩይ ወርቂ ገበሮ

25. መሰውኢ ዕጣን ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረምንዋሑ እመትምግፋሑ ኸኣ እመትበርባዕቲኡ ወገን ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ክልተ እመትኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ሓደ ነበረ።

26. ላዕላዩን ጎቦታት ዙርያኡን ኣቕርንቱን ብጽሩይ ወርቂ ለቦጦዙርያኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ

27. ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገይሩ ኸኣ ብኽልተ ጎቦኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊል ገበሮ። እቲ መሰላታት ምእንቲ ኺኣትዎ ብእኡ ኺጽወርብኽልተ ሸነኹ ኣጥበቖ።

28. ነቲ መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገይሩብወርቂ ለበጦ

29. ነቲ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣትን ነቲ ጽሩይ ምኡዝ ዕጣንን ድማ ከም ብልሓት እቶም ገበርቲ ጥዑም ጨና ገበሮ