1. ሙሴ ድማ ንዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ኣኪቡ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩበሎም

2. ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዐየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት ዕረፍቲ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ብእኣ ዕዮ ዝዐየየ ዅሉ ይሙት

3. ኣብ እትነብርዎ ዅሉ ብመዓልቲ ሰንበት ሓዊ ኣይተንድዱ

4. ሙሴ ድማ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እቲ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡

5. ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ህያብ ውሰዱነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእወርቅን ብሩርን ኣስራዝን

6. ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ጸጕሪ ጤልን

7. እተቐረጸ ቘራብቲ ደዓውልን ቈራብቲ ተሃስን ዕጨይቲ ሽጢምን

8. ዘይቲ ንቐንዴልን ቀመማት ድማ ንዚቕባእ ዘይትን ንሙእዝ ዕጣንን

9. ኣእማን ዕንቍን ንኤፎድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን

10. ኣባኻትኩም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ኵላቶም ይምጽኡእግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ ይግበሩ

11. እቲ ማሕደርእቲ ድንኳኑን መደረብታኡን ኣቝላፉን ኣልዋሑን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩ ድማ፡

12. ታቦትን እቲ መሰላታቱን መኽደን መተዓረቕን ዚጋረድ መጋረጃን

13. ሰደቓን እቲ መሰላታቱን ዅሉ ኣቓሑኡን እንጌራ ምርኣይን

14. እቲ ዜብርህ ቀዋሚ ቐንዴልን ኣቓሑኡን፡ ቀልዒ ቐንዴልን ንምብራህ ዚኸውን ዘይትን

15. መሰውኢ ዕጣንን እቲ መሰላታቱንዘይቲ ንመቕብእንምኡዝ ዕጣንን መጋረጃ ኣፍ ደገ ነቲ ደገ ማሕደርን

16. መሰውኢ ምሕራርን እቲ ናይ ኣስራዚ መጋረዲኡን መሰላታቱን ኵሉ ኣቓሑኡን፡ እቲ ገበራ ምስ ኣጋሮኡ

17. መጋረጃታት ኣጸድን ኣዕኑድን ኣእጋሩንመጋረጃ ኣፍ ኣጸድ ከኣ፡

18. ሸኻውልቲ ማሕደርን ሸኻውልቲ ኣጸድ እቲ ኣግማዱን

19. ኣብ መቕደስ ዜገልግሉሉ ኣልባስ ኣገልግሎትቅዱሳት ኣልባስ ንኣሮን ካህንን ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኣልባስ ደቁን ከኣ።

20. ኵሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ሙሴ ወጹ

21. ነፍሲ ወገፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸኵሉ መንፈሱ ፍቓድ ዘልዐለሉ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቕዱሳት ኣልባስን ንእግዚኣብሄር ህያብ ኣምጽኤ

22. ፍታው ልቡ ዘለዎም ዘበሉ ሰብኡትን ኣንስትን መጺኦምኣቝላፍን ቀላብቲ እዝንን ቀላብቲ ኣጻብዕን ኣምባውርትን ኵሉ ኣቓሑ ወርቅን ሀቡነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር ህያብ ወርቂ ኣቕረበ

23. ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ጸጕሪ ጤልን እተቐረጸ ቘራብቲ ደዓውልን ቈራብቲ ተሃስን እተረኽቦ ዘበለ ሰብ ኣምጽኦ

24. ነፍሲ ወከፍ ህያብ ብሩርን ኣስራዝን ዝሀበ፡ ህያቡ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኤነፍሲ ወከፍ ዕጨይቲ ሽጢም ዝነበሮ ንዝዀነ ዕዮ ኣገልግሎት ኪኸውን ኣምጽኦ

25. ጥበበኛ ልቢ ዘለወን ኵለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለንእቲ ዝፈተላኦ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ኣምጽኣኦ

26. ኵለን ኣንስቲ ልበን ብጥበብ ዘልዐለን ከኣ ጸጕሪ ጤል ፈተላ

27. እቶም ሓላቑ ድማ ኣእማን ዕንቍን ኣብ ኤፎድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልብን ዚዛነቕ ኣእማንን

28. ቀመማትን ዘይቲ ንምብራህ ንዘይቲ ቅብኣትን ንምኡዝ ዕጣንን ዚኸውን ኣምጽኡ።

29. ደቂ እስራኤል ንፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ብሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ግብሪ ዚኸውን ኪህብ ልቡ ዘልዐሎብፍታው ህያብ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ

30. ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል በሎምርኣዩእግዚኣብሄር ንበሳልኤል ወዲ ኡሪወዲ ሁር ካብ ነገድ ይሁዳብስሙ ጸውዖ

31. ንእኡ ድማ ብመንፈስ ኣምላኽ መልኦብጥበብን ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ብዅሉ ዕዮን

32. ንምሕሳብ ብልሓትብወርቅን ብብሩርንበስራዝን ንምዕያይ

33. ዚዛነቕ ኣእማን ንምውቃርን ንምጽራብ ዕጨይትን፡ ኵሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምዕያይ

34. ንእኡን ንኦሆልያብወዲ ኣሂሳማክ ካብ ነገድ ዳንንኪምህሩ ኣብ ልቦም ሀቦም

35. ንኣታቶም ኵሉ ዕዮ ብልሓትን ምቕራጽን ንምዕያይ፡ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ከኣ ብብልሓት ንምእላምን ንምጥላፍን ንዕዮ ማእለማን ኵሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምሕሳብን ብጥበባት ልቢ መልኦም