1. መሰውኢ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ ግበር። እቲ መሰውኢ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን።

2. ኣቕርንቱ ከኣ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ግበረሉ፡ እቲ ኣቕርንቱ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ይኹን፡ በስራዚ ኸኣ ለብጦ

3. ንሓመዅስቱ ዚኸውን ቍራዕንመጽሓርያኡን ጭሔሎኡን መውግእ ስጋኡን ምድጃኡን ግበር፡ እዚ ዅሉ ኣቓሑኡ ኻብ ኣስራዚ ግበሮ

4. ካብ ኣስራዚ ኸም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ግበረሉ፡ ነቲ መንፊት ከኣ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለቤት ኣስራዚ ግበረሉ

5. ንእኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣርከን መሰውኢ ግበሮ፡ እቲ መንፊት ካብ ታሕቲ ኽሳዕ ፈረቓ መሰውኢ ይብጻሕ።

6. ነቲ መሰውኢ ድማ መሰላታት ግበረሉ፡ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም መሰላታት ጌርካ በስራዚ ለብጦ

7. እቲ መሰውኢ ምስ ዚጽወር፡ እቲ መሰላታት ከኣ ብኽልተ ሸነኹ ኪኸውን፡ ናብቲ ቐላብቲ ይእቶ

8. ጓንጓ ጌርካ ኻብ ሉሕ ግበሮ። ከምቲ ኣብ ከረን እተራእየካ ከምኡ ይግበርዎ

9. ነቲ ማሕደር ኣጸድ ግበረሉ፡ ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ደቡቡ ነቲ ሓደ ወገኑብእተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበር።

10. ኣዕኑድ ድማ ዕስራኣእጋሩውን ካብ ኣስራዚ ዕስራ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንጉን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን።

11. ከምኡ ድማ በቲ ነዊሕ ሸነኽ ሰሜን ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታትኣዕኑድ ኸኣ ዕስራኣእጋሩውን ካብ ኣስራዚ ዕስራ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንጉን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን።

12. ብወርዱ ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ምዕራብ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታትኣዕኑድ ከኣ ዓሰርተኣኣጋሩውን ዓሰርተ ይኹን።

13. ምግፋሕ እቲ ኣጸድ ብቕድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ድማ ሓምሳ እመት ይኹን፡

14. ናይቲ ሓደ ሸነኽ መጋረጃታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እመትኣዕኑድ ሰለስተኣኣጋሩ ኸኣ ሰለስተ ይኹን።

15. በቲ ኻልኣይ ሸነኽ ድማ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታትኣዕኑድ ሰለስተ ኣእጋሩ ከኣ ሰለስተ ይኹን።

16. ንኣፍ እቲ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ብምጥላፍ እተዐየ ዕስራ እመት መጋረጃኣዕኑድ ኣርባዕተ ኣእጋሩ ኸኣ ኣርባዕተ ይኹን።

17. ነቲ ኣብ ዙርያ ኣጸድ ዘሎ ዅሉ ኣዕኑድ ኣዛንግ ብሩርን መሰቓቐሊ ብሩርን ይገበሮ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ይኹን።

18. ምንዋሕ እቲ ኣጸድ ሚእቲ እመትምግፋሑ ኸኣ ብኽልቲኡ ሸነኽ ሓምሳ እመት፡ ቍመቱ ድማ ሓሙሽተ እመት ይኹን፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣኣጋሩ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ይኹን።

19. ኵሉ ኣቓሑ እቲ ማሕደርን ንመተዓየዪኡ ዚኸውን ኵሉንኵሉ ሽኻውልቱን፡ ኲሉ ሽኻውልቲ ኣጸድን ካብ ኣስራዚ ይኹን።

20. ንስኻ ድማ፡ እቲ መብራህትታት ወርትግ ምእንቲ ኺበርህሲ፡ ካብ እተጐድኤ ኣውልዕ ንመብራህቲ ዚኸውን ጽሩይ ዘይቲ ኼምጽኡልካንደቂ እስራኤል ኣዝዞም

21. ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ ብወጻኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃኣሮንን ደቁንካብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የዳልውዎ። ኣብ ደቂ እስራኤል ከኣ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።