1. ካህናተይ ኪዀኑኒ ኽትቅድሶም ከሎኻ እትገብረሎም ነገር እዚ እዩ፥ ሓደ ዝራብዕን ጐደሎ ዜብሎም ክልተ ድዑልን ውሰድ

2. ዘይበዅዔ እንጌራን ብዘይቲ እተቘምጥዔ ቕጫታትንዘይቲ እተለኽየ ረቂቕ ቅጫታትን ድማ ውሰድ ካብ ድኹም ሓርጭ ስርናይ ግበሮ

3. ኣብ ሓደ መሶብ ኣንብሮ፡ በቲ መሶብ ጌርካ ምስቲ ዝራብዕን ምስቶም ክልተ ድዑልን ጌርካ ኣቕርቦ

4. ንኣሮንን ንደቁን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦምብማይ ድማ ሕጸቦም

5. ነቲ ኣልባሳት ወሲድካ ድማ፡ ንኣሮን ቀምሽ ታሕትን ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕልን፡ ኤፎድ ሳንቃ ኣፍ ልብን ክደኖ። በቲ ብብልሓት እተገበረ ቅናት ኤፎድ ጌርካ ኸኣ ኣዕጥቆ

6. ኣብ ርእሱ ድማ መጠምተምያ ግበረሉ፡ ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ

7. ዚቕባእ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ናብ ርእሱ ዅዒኻ ቅብኣዮ

8. ንደቁ ኸኣ ኣቕርቦም እሞ፡ ቀመውሽ ታሕቲ ኽደኖም

9. ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናት ኣዕጥቆምመጠምጠምያውን ግበረሎም። እቲ ኽህነት ከኣ ንኣታቶም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን። ንኣሮንን ንደቁን ከኣ ትቕድሶም

10. ነቲ ዝራብዕ ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ

11. ነቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሕረዶ

12. ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ ድማ በጻብዕካ ነቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ልኸዮ፡ ንኵሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኽዐዎ

13. ነቲ ናውቲ ኸብዲ ዜጐልብብ ቋንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዘሎ ስብሕን ንኽልቲኡ ዅሊትን ኣብ ልዕሉኡ ዘሎ ስብሕን፡ ንዅሉ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ

14. ናይቲ ዝራብዕ ስጋን ቈርበትን ፈርስን ግና፡ መስዋእቲ ሓጢያት እዩ እሞ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንድዶ

15. ነቲ ሓደ ድዑል ወሲድካ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ

16. ነቲ ድዑል ከኣ ሕረዶነቲ ደሙውን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ንጸጎ

17. ነቲ ድዑል ድማ በብብልዕቱ ቘራርጾ፡ ነቲ ናውቲ ኸብድን ኣእጋሩን ከኣ ሓጺብካ ኣብ ልዕሊ እቲ እተቘራረጸ ስጋኡን ርእሱን ኣንብሮ

18. ነቲ ድዑል ድማ ብዘሎ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ዚሓርር መስዋእቲ እዩ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨናመስዋእቲ ሓዊ እዩ።

19. ነቲ ኻልኣይ ድዑል ወሲድካ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ

20. ነቲ ድዑል ከኣ ሕረዶ፡ ካብ ደሙ ወስዲካ ድማ ኣብ ወሰን የማነይቲ እዝኒ ኣሮንን ኣብ ወሰን የማኖት ኣእዛን ደቁን ኣብ የማኖት ዓበይቶ ኣእዳዎምን የማኖት ዓበይቶ ኣእጋሮምን ልኸ። ነቲ ደም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ንጸጎ

21. ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ደምን ካብቲ ዘይቲ መቕብእን ወሲድካ ድማ ኣብ ኣሮንን ኣብ ኣልባሱን፡ ኣብ ደቁን ኣብ ኣልባስ ደቁን ከኣ ምስኡ ንጸጎ። እሞ ንሱን ኣልባሱን ምስኡ ኸኣ ደቁን ኣልባስ ደቁን ይቕደሱ

22. ድዑል ምቕዳስ እዩ እሞ፡ ናይቲ ድዑል ስብሒኰልኰልን እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዚጕልብብ ቋንጡጥን ስብሒ ኸብድን ክልቲኡ ኵሊትን እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን የማናይ እግርን ውሰድ

23. ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ ዘይበዅዔ እንጌራ ዘለዎ መሶብ ከኣ ሓደ ሕብስትን ሓደ ቕጫ እንጌራ ዘይትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ውሰድ።

24. እዚ ዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ እሞ፡ ከም ዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወዝውዞ

25. ካብ ኣእዳዎም ወሲድካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዚሓርር መስዋእቲ ኣሕርሮ። እዚ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ እዩ።

26. ሓኸለ እቲ ድዑል ምቕዳስ ኣሮን ውሰድ እሞ ከም ዚውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወዝውዞንሱ ኸኣ ግዴኻ ይኹን

27. እቲ ንኣሮንን ንደቁን ዚግባእ፡ ነቲ ሓኸለ ዚውዝወዝ መስዋእቲ ነቲ ዚለዐል መስዋእቲ እግርን ናይቲ ድዑል ምቕዳስዚውዝወዝን ዚለዐልን፡ ቀድስ

28. እዚ ዚለዐል መስዋእቲ እዩ እሞ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ንኣሮንን ንደቁን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። እዚ ኻብቲ ደቂ እስራኤል ካብ ናይ ምስጋና መስዋእቶም ዚለዐል መስዋእቲንእግዚኣብሄር ዚለዐል መስዋእቶም ይኹን።

29. እቲ ቅዱስ ኣልባስ ኣሮን ከኣ፡ ንሳቶም ብእኡ ኪቕብኡ ብእኡ ድማ ኪቕደሱ ብድሕሪኡ ንደቁ ይኹን።

30. ካብ ደቁ እቲ ኣብ ስፍራኡ ኻህን ዚኸውን፡ እቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬግልግል ናብ መቕደስ ዚኣቱሾብዓተ መዓልቲ ይልበሶ

31. ነቲ ድዑል ምቕዳስ ወሲድካ ድማ ስጋኡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ

32. ኣሮንን ደቁን ድማ ንስጋ እቲ ድዑልን ነቲ ኣብ መሶብ ዘሎ እንጌራን፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም፡ ይብልዕዎ

33. እዚ ብእኡ ምምላእ ኢዶምን ምቕዳሶምን ንመተዓረቒ እተገበረ ይብልዕዎ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ካብኡ ጓና ኣይብላዕ

34. ካብቲ ስጋ ምቕዳስ ወይ ካብቲ እንጌራ ገለ ኽሳዕ ንጽብሒቱ እንተ ተረፈ፡ ነቲ ተረፍ ብሓዊ ኣንድዶቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣይበላዕ

35. ንኣሮንን ንደቁን ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ እዚ ዅሉ ግበረሎምሾብዓተ መዓልቲ ትቕድሶም

36. ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ንመተዓረቒ ዚኸውን ንመስዋእቲ ሓጢያት ሓደ ዝራብዕ ኣቕርብ። ነቲ መሰውኢ ኸኣ በቲ እትዕረቐሉ ኣጽርዮክትቅድሶውን ልኸዮ።

37. ነቲ መሰውኢ ሾብዓተ መዓልቲ ኣተዐርቆን ቀድሶን። እቲ መሰውኢ ቅዱስ ቅዱሳን ይኸውን፡ ነቲ መስውኢ ዝተንከዮ ዅሉ ኪቕደስ እዩ።

38. እቲ ኣብ መስውኢ እተቕርቦ ኸኣ እዚ እዩ፡ ወርትግ ኣብ ጸጽባሕ ክልተ ገንሸል ዓመት

39. እቲ ሓደ ገንሸል ብጊሓት ኣቕርቦ፡ እቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ምሸት ኣቕርቦ

40. ምስቲ ሓደ ገንሸል ብራብዓይ ክፍሊ ሂን ጕዱእ ዘይቲ ኣውልዕ እተለውሰ ዓስራይ ክፍሊ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ንመስዋእቲ መስተውን ራብዓይ ክፍሊ ሂን ወይኒ ኣቕርብ።

41. ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ድማ ከምቲ ናይ ብጊሓት መስዋእቲ ብልዕን ከምቲ መስዋእቲ መስተን ምስኡ ጌርካ ኣጋ ምሸት ኣቕርቦንጥዑም ጨናመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር እዩ።

42. እዚ ኣብቲ ኣነ ኽዛረበካ ምሳኹም ዝራኸበሉ፡ ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ውሉድ ወለዶኹም ንወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ እዩ።

43. ኣብኡ ምስ ደቂ እስራኤል ክራኸብ እየ፡ እቲ ድንኳን ድማ ብኽብረይ ኪቕደስ እዩ።

44. ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ክቕድሶ እየ። ንኣሮንን ንደቁን ከኣ ካህናት ኪዀኑኒ ክቕድሶም እየ።

45. ኣነ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ክነብርኣምላኾም ድማ ክኸውን እየ።

46. ኣብ ማእከሎም ክነብር ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዘውጻእክዎም፡ ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዝዀንኩ ኺፈልጡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ።