1. ንሙሴ ኸኣ፡ ንስኻን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን ሰብዓ ኻብ ዓበይቲ እስራኤል ኴንኩም፡ ናብ እግዚኣብሄር ደይቡኣብ ርሑቕ ኴንኩም ድማ ስገዱ

2. ሙሴ ኸኣ በይኑ ናብ እግዚኣብሄር ይቕረብንሳቶም ግና ኣይቕረቡ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ምስኡ ኣይደይቡ፡ በሎ።

3. ሙሴ ድማ መጺኡ ነቶም ህዝቢ ዅሉ ዘረባ እግዚኣብሄር ኵሉ ሕጋጋትን ነገሮምኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ደሃይእግዚኣብሄር እተዛረቦ ዅሉ ቓላት ንገብርኢሎም መለሱ

4. ሙሴ ድማ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ጸሐፎንጽባሒቱ ኸኣ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን መሰውኢነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ድማ ዓሰርተው ክልተ ሓወልቲ ሰርሔ

5. ካብ ደቂ እስራኤል ከኣ ኣጕባዝዚሐርር መስዋእቲ ኺስውኡ፡ ካብ ዝራብዓት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ኬቕርቡሰደደ

6. ሙሴ ድማ ፈረቓ እቲ ደም ወሲዱ ኣብ ጭሔሎታት ገበሮፈረቓ እቲ ደም ከኣ ናብ መሰውኢ ነጸጎ

7. ነቲ መጽሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ኣንበቦ። ንሳቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ዝበሎ ዅሉ ንገብርንእዘዝ ድማ፡ በሉ

8. ሙሴ ከኣ ነቲ ደም ወሲዱ ናብ ህዝቢ ነጻጎ እሞ፡ እቲ ደም ኪዳን እግዚኣብሄር ብዅለን እዘን ቃላት እዚኤን ምሳኻትኩም ዝገበሮ እንሆበለ

9. ሙሴን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ሰብዓ ዀይኖም ደየቡ

10. ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ረአይዎ። እቲ ትሕቲ እግሩ ድማ ብብሩህ ሰፊሮስ ከም እተገብረ ምድሪ ቤትምጽራዩ ኸኣ ከም ሰማይ ነበረ።

11. ኢዱ ናብቶም ሕሩያት ደቂ እስራኤል ኣይዘርግሔን፡ ንሳቶምሲ ንኣምላኽ ደኣ ረኣዩበልዑን ሰተዩን ከኣ።

12. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናባይ ኣብዚ ኸረን ደይብ፡ ኣብኡ ኸኣ ጽናሕ፡ ጽላት እምንን እቲ ኽትምህሮም ኢለ ዝጸሐፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ፡ በሎ

13. ሙሴን እያሱ ግልያኡን ድማ ተንስኡሙሴ ኸኣ ናብ ከረን ኣምላኽ ደየበ

14. ነቶም ዓበይቲ ድማ፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስኣብዚ ጽንሑና። እንሆ ኸኣ፡ ኣሮንን ሁርን ምሳኻትኩም አለዉ፡ ገለ ነገር ዘለዎ፡ ናባታቶም ይምጻእበሎም

15. ሙሴ ድማ ናብ ከረን ደየበ፡ ነቲ ኸረን ከኣ ደበና ኣጐልበቦ

16. ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ከረን ሲና ተቐመጠ፡ እቲ ደበና ኸኣ ሹድሽተ መዓልቲ ኣጐልበቦ። በታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ንሙሴ ኻብ ማእከል እቲ ደበና ጸውዖ

17. ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነዒንቲ ደቂ እስራኤል ከም ዚባላዕ ሓዊ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ።

18. ሙሴ ኸኣ ናብ ማእከል ደበና ኣተወ ናብቲ ኸረንውን ደየበሙሴ ኣብቲ ኸረን ኣርብዓ መዓልቲን ኣርብዓ ለይትን ገበረ።