1. በሳልኤልን ኦሆልያብን ኵሎም ጥበብ ልቢ ዘለዎም ሰባትን ንኣገልግሎት መቅደስ ዚኸውን ኵሉ ዕዮ ምዕያይ ኪፈልጡእግዚኣብሄር ጥበብን ምስትውዓልን ዝሀቦምከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ነገር ኪገብሩ እዩም።

2. ሙሴ ድማ ንቤልሳኤልን ንኦሆልያብን ንዅሎም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ሰባትንእግዚኣብሄር ኣብ ልቦም ጥበብ ዘሕደረሎምመጺኦም ነዚ ዕዮ እዚ ኺዐዩ ልቦም ዝደረኾም ጸውዔ

3. ንሳቶም ከኣ ነቲ ደቂ እስራኤል ንዕዮ ኣገልግሎት መቕደስ ኢሎም ዘምጽእዎ ዅሉ ህያብ ኪዐዩሉ ኻብ ሙሴ ተቐበሉ። ደቂ እስራኤል እቲ ናይ ፍታው ህያቦም ግና ንግሆ ንግሆ የምጽኡ ነበሩ።

4. እቶም ንዅሉ ዕዮ መቕደስ ዚዐዩ ዝነበሩ ዅላቶም ጥበበኛታት ንፍሲ ወከፎም ከካብቲ ዚዐይዎ ዝነበሩ ዕዮኦም መጹ

5. ንሙሴ ኸኣ፡ እዚ ህዝቢ ነቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ሓለፋ እቲ ዜድሊ የምጽእ አሎ፡ ኢሎም ተዛረብዎ

6. ሽዑ ሙሴሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ንመቅደስ ኪህብ ኢሉ ደጊም ኣይዕየኢሎም ኣብ ሰፈር ኪእውጁ ኣዘዘ እሞ እቶም ህዝቢ ኸየምጽኡ ተኸልከሉ

7. እቲ መተዓየዪ ንዅሉ ዚዕየ ዕዮ ዚኣክል ነበረ፡ ተረፈ እኳ።

8. እቶም ነቲ ዕዮ ዚዐዩ ዝነበሩ ዅሎም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ነቲ ማሕደር ብዓሰርተ ዓለባ ገበርዎ። ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ምስናይ ብብልሓት እተዐየ ኪሩቤል ገበርዎ

9. ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሸሞንተን እመትወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ነበረ፡ ስፍሪ ዅሉ ዓለባታት ማዕረ ነበረ።

10. ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ፡ ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ድማ ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ

11. ኣብቲ ቐዳማይ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኻብ ሰማያዊ ፈትሊ መኸንትቦታት ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ድማ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸምኡ ገበረ።

12. ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። እቲ መኸንትቦታት ድማ ንሓድሕዱ ኸም ዚራኸብ ገበሮ።

13. ሓምሳ ቝልፊ ወርቂ ኸኣ ገበረ እሞ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቝላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ። እቲ ድንኳን ከኣ ሓደ ዀነ።

14. ንመደረብታ እቲ ማሕደር ድማ ካብ ጸጕሪ ጤል ዓለባታት ገበረ። ነቲ ዓለባታት ዓሰርተው ሓደ ገበሮ

15. ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመትወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ድማ ኣርባዕተ እመት ነበረ። እቲ ዓሰርተው ሓደ ዓለባ ኸኣ ስፍሩ ማዕረ ነበረ።

16. ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ንበይኑ፡ ነቲ ሹዱሽተ ዓለባ ኸኣ ንበይኑ ኣጋጠሞ

17. ኣብቲ ቐዳማይ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ

18. እቲ መደረብታ ኺጋጠም እሞ ሓደ ኪኸውንሲሓምሳ ቝልፊ ኣስራዚ ገበረ

19. ነቲ መደረብታ ድማ ካብ እተቐረጸ ቘራብቲ ደዓውል መኽደን ገበረ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ካብ ቈርበት ተሃስ ካልእ መኽደን ገበረ።

20. ነቲ ማሕደር ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ደው ዚብል ኣልዋሕ ገበረ

21. ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመትምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣ እመትን ፈረቓን ነበረ።

22. ነንሓደ ሉሕ ከክልተ ንሓድሕዱ እተጋጠመ ሸኻል ገበረ፡ ንዅሉ እቲ ኣልዋሕ ማሕደር ከምኡ ገበረ

23. እሞ ነቲ ማሕደር ዚኸውን ኣልዋሕዕስራ ሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ገበረ

24. ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ ካብ ብሩር ኣርብዓ እግሪ ገይሮም፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ነቲ ኽልተ ሸኻሉ ኽልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ኣልዋሕ ከኣ ነቲ ኽልተ ሸኻሉ ኽልተ እግሪ ገበረ።

25. በቲ ኻልኣይ ወገኑ ነቲ ማሐደርብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕስራ ሉሕ

26. ምስ ኣርብዓ ብሩር እግሩ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ገበረ።

27. ብሸነኽ ድሕሪኡ ነቲ ማሕደር፡ ብሸነኽ ምዕራቡ ድማ ሽዱሽተ ሉሕ ገበረ

28. ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ኸኣ ንዀረንዑ ኽልተ ሉሕ ገበረ

29. እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ነበረ፡ ክሳዕ ላዕሊ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለቤትብመልኡ ኸምኡ ነበረ። ንኽልቲኡ ኣብቲ ኽልተ ዅርናዕ ከምኡ ገበረ

30. እቲ ኣልዋሕ ሾሞንተ፡ እቲ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሹድሽተ እግሪ፡ ኣብ ተትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ነበረ።

31. ጋድማት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረብሓደ ሸነኽ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ

32. ብኻልኣይ ሸነኽ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም፡ ብድሕሪ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድም ገበረ።

33. ነቲ ማእከላይ ጋድም ከኣ ብማእከል እቲ ኣልዋሕ ገይሩ ኻብቲ ሓደ ወሰን ናብቲ ኻልኣይ ወሰን ከም ዚሐልፍ ገበሮ

34. ነቲ ኣልዋሕ ብወርቂ ለበጦ፡ እቲ ጋድማት ዚኣትዎ ቐላብቱ ድማ ካብ ወርቂ ገበሮ፡ ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለበጦ

35. ነቲ መጋረጃ ድማ ምስናይ ብብልሓት ፈላጥ እተገብሩ ኪሩቤል ገይሩ፡ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ

36. ኣርባዕተ ዓንዲ ሽጢም ድማ ገበረሉብወርቂ ኸኣ ለበጦመሰቓቐሊኡውን ካብ ወርቂ ገበረ። ኣርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ብፍሲ ገበረሉ።

37. መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳን ከኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገይሩ ጠለፎ

38. ነቲ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ድማ ምስ መሰቓቐሊኡ ገበሮ። ነቲ ጕልላትን ኣዛንጉን ብወርቂ ለበጦ። እቲ ሓሙሽተ እግሩ ኸኣ ኣስራዚ ነበረ።