1-2. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዚኸፍት ኵሉ፡ ሰቡን እንስሳኡን፡ ንሱ ናተይ እዩ እሞ ኵሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶኢሉ ተዛረቦ

3. ሙሴ ድማ ንህዝቢ በለእግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ካብኣ ኣውጺኡኩም እዩ እሞ፡ ነዛ ኻብ ግብጺ ኻብ ባርነት ዝወጻእኩምላ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋብዅዕ ከኣ ኣይበላዕ

4. ንስኻትኩም ብወርሒ ኣቢብ ሎሚ ትወጹ ኢኹም።

5. ኪኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ኸነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ፡ ንኣኻ ኺህበካ ኢሉ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ሽዑ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ሓልዎ

6. ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ኽትበልዕ ኢኻ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ በዓል እግዚኣብሂር ኪኸውን እዩ።

7. በተን ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕኣባኻ ብሑቝ ኣይርኤኣብ ኵሉ ዶብካውን ማይ ብሑቕ ኣይርኤ

8. በታ መዓልቲ እቲኣ ንወድኻ ኸምዚ ኢልካ ትነግሮ፡ እዚ ብዛዕባቲ፡ ካብ ግብጺ ምስ ወጻእኩእግዚኣብሄር ዝገበረለይ እዩ።

9. እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ኪኸውን ኣብ ኢድካ ንምልክትኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከሪ ይኹንካ።

10. ነዚ ሕጊ እዚ በቲ ምዱብ ጊዜኡ ዓመት ንዓመት ሐልዎ

11. ይኸውን ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብታ ንኣኻን ነቦታትካን ዝመሐለልካ ምድሪ ኸነኣናውያን ምስ ኣእተወካ፡ ንኣኻ ምስ ሀበካ

12. ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ክትፈሊ ኢኻ። ካብ ዘሎካ ማልካ ቅድም እተወልደ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እዩ።

13. ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎእንተ ዘይተበጆኻዮ ኸኣክሳዱ ስበሮካብ ደቅኻ ድማ በዅሪ ንዘበለ ዅሉ ሰብ ተበጀዎ

14. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንዳሕራዩ ወድኻእዚ ኣንታይ እዩኢሉ ምስ ዚሓተካ፡ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ብሓያል ኢድ ኣውጽኣና

15. ኰነ ኸኣ፡ ፈርኦን ከይሓድገና ምስ ተረረእግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ግብጺ ንዅሉ በዅሪካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳቀቲሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ፡ ካብ ደቀይ ድማ በዅሪ ንዝዀነ ዅሉ እብጀዎ፡ ትብሎ።

16. እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ ኣውጺኡና እዩ እሞ፡ እዚ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም መፈለጥታኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸኣ ከም ክታብ ይኹንካ።

17. ኰነ ድማ፡ ፈርኦን ነቶም ህዝቢ ምስ ሐደጎምኣምላኽእቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ዚርእዩተጣዒሶም ናብ ግብጺ ኸይምለሱ ኢሉ ነበረ እሞ፡ እታ መገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንንሳ ቐረባ ኽንሳ፡ ኣምላኽ ብእኣ ኣይመርሖምን

18. ኣምላኽ ግና ነቲ ህዝቢ ብመገዲ በረኻ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮደቂ እስራኤል ድማ ካብ ምድሪ ግብጺ ተሰሊፎም ወጹ

19. ዮሴፍ ንደቂ እስራኤልኣምላኽ ብርግጽ ኪበጽሓኩም እዩ፡ ሽዑ ነዕጽምተይ ካብዚ ምሳኻትኩም ኣደይብዎኢሉ ማሕላ ኣምሒልዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ድማ ንዓጽሚ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ

20. ካብ ሱኮት ነቒሎም ኣብ ኤታም ኣብ ወሰን በረኻ ሰፈሩ

21. ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኺጐዓዙእግዚኣብሄር ድማ ብመዓልቲ መገዲ ኺመርሖም ብዓንዲ ደበናብለይቲ ኸኣ ኼብርሃሎም ብዓንዲ ሓዊ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ።

22. እቲ ዓንዲ ደበና ብመዓልቲ፡ እቲ ዓንዲ ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኻብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ኣይተፈልየን