1. ወረ ሓሶት ኣይተልዕልምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል

2. ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዐብብገለ ነገር ከኣ ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ዘንቢልካ ፍርዲ ንምቕናን ኣይትዛረብ

3. ብፍርድስ ነቲ ድኻ ድማ ኣይትደንግጸሉ

4. ብዕራይ ጸላኢኻ ወይ ኣድጉ ጠፊኡ እንተ ረኸብካናብኡ ምለሰሉ

5. ኣድጊ ጸላኢኻ ኣብ ትሕቲ ጽዕነቱ ወዲቑ እንተ ርኤኻ እሞ ከይትሕግዞስ ክትሐድጎ እንተ ሐሰብካ፡ ምስኡ ዄንኻ ኣጸቢቕካ ሐግዞ።

6. ነቲ ድኻኻ ብነገሩ ፍትሒ ኣይተቕንነሉ

7. ካብ ዘረባ ሓሶት ርሐቕ። ኣነ ንረሲእ ኣየጽድቖን እየ እሞ፡ ነቲ ንጹህን ንጻድቕን ኣይትቕተል

8. መማለዲ ነቶም ዚርእዩ የዕውርዘረባ ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትውሰድ

9. ንስደተኛ ኣይትጽቀጦ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ነፍሲ ስደተኛ ኸመይ ኽም ዝዀነት ትፈልጡ ኢኹም።

10. ሹድሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእፍርያታ ኸኣ ኣእቱ

11. በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ድኻ ህዝብኻ ምእንቲ ኺበልዓ፡ ትዕረፍ ሕደጋ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕካን ድማ ከምኡ ግበር

12. ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ኪዐርፉወዲ እታ ባርያኻን እቲ ስደተኛን ድማ ኬተንፍሱ ዕረፉ

13. እቲ ዝበልኩኹም ኵሉ ሐልውስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩካብ ኣፍካ ኣይሰማዕ

14. ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት በዓል ግበረለይ።

15. በቲ ምዱብ እዋን ብወርሒ ኣቢብ፡ ብእኣ ኻብ ግብጺ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሐሉ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕጥራይ ኢዶም ከኣ ኣብ ቅድመይ ኣይረኣዩ

16. ናይቲ ኣብ ግራት ዝዘራእካዮ፡ ናይ ቀዳማይ ዕዮኻ በዓል ዓጺድ ሐሉ። እቲ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል

17. ኵሉ ወዲ ተባዕታይካ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይምጻእ

18. ደም መስዋእተይ ምስ ብዅዕ እንጌራ ኣይትሰውእስብሒ በዓለይ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር

19. ቀዳማይ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣምጽእንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስል

20. ኣብ መገዲ ኺሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ኬእትወካእንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ።

21. ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕድምጹ ኸኣ ስማዕኣይተመርሮስመይ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ንበደልኩም ኣይሐድግን እዩ።

22. ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፡ ኣነ ንጸላእትኻ እጻልኦምንዚጻረሩኻ ድማ እጻረሮም

23. መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ እዩ እሞ፡ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ኬእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ከጽንቶም እየ

24. ንኣማልኽቶም ኣይትስገድኣይተገልግሎም ድማ፡ ከም ግብሮም ከኣ ኣይትግበርብጥራስ ደኣ ኣፍርሶም፡ ኣዕኑዶም ከኣ ሓሸምሸም ኣብል።

25. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ። ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኸርሕቕ እየ።

26. ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብንፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ።

27. ናብቶም እትመጾም ኵሎም ህዝብታት መፍርሄይ ቀቅድሜኻ ኽሰድድከሸብሮም ድማ እየ። ንዅሎም ጸላእትኻ ኸኣ ካባኻ ከም ዚሀድሙ ኽገብሮም እየ።

28. ንሃዋውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ካብ ቅድሜካ ዚሰጉ ተናኸስቲ ጽንጽያ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ እየ።

29. እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድምኣራዊት መሮር ከኣ ከይበዝሑኻብሓንቲ ዓመት ካብ ቅድሜካ ኣይሰጎምን እየ።

30. ተፋሪኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ በብቕሩብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጎም እየ።

31. ነቶም ኣብታ ምድሪ ዚነብሩ ኣብ ኣእዳውኩም ክህበኩም እየ፡ ካብ ቅድሜኻ ኸኣ ክትሰጎም ኢኻ እሞ፡ ሽዑ ዶብካ ኻብ ባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፡ ካብ በረኻ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ ኽገብሮ እየ።

32. ምሳታቶም ኰነ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትእቶ

33. ንኣማልኽቶም እንተ ኣገልገልካ፡ ኣዚ መፈንጠራ ኪዀነካ እዩ እሞ፡ ንኣይ ንምብዳል ምእንቲ ኸየስሕቱኻስ ኣብ ምድርኻ ኣይንበሩ