1. ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን እዚ መዝሙር እዚ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፡ ንሱ ኣዝዩ ክብ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር እዝምር አሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም

2. እግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን እዩ፡ ምድሓን ከኣ ኰነኒ። እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከክብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡ ክብ ከብሎ እየ።

3. እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ።

4. ንሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፡ እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሐሉ

5. መዓሙቕ ከደኖምከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱ

6. ጐይታይየማነይትኻ ብሓይላ ኸበረትጐይታይየማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶ

7. ብዕቤት ግርማኻ ንዝተንስኡካ ጨፍለቕካዮምቍጥዓኻ ስደድካ፡ ከም ሓሰር በልዓቶም

8. ብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀመሩወሓዝቲ ከኣ ከም ኵምራ ደው በሉ፡ ማያት መዓሙቕ ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ ረግኡ

9. እቲ ጻላኢ ኸኣ፤ ገስጊሰ ኸርክቦም እየ፡ ምርኮ ኽመቅል እየ። ነፍሰይ ከኣ ብእኦም ትጸግብሴፈይ እመልሕኢደይ ድማ ተጥፍኦምበለ

10. ብንፋስካ ኣንፈስካባሕሪ ድማ ኣጐልበቦም። ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጠሐሉ

11. ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩብምስጋና እተፈራህካገባር ተኣምራትብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧

12. የማነይትኻ ዘርጋሕካምድሪ ወሐጠቶም

13. ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮም

14. ህዝብታት ሰሚዖም ተምበድበዱ፡ ኣብ ፍልስጥኤም ዚነብሩ ጭንቀት ሐዞም

15. ሽዑ ሓላቑ ኤዶም ተሸበሩ፡ ነቶም ሓያላት ሞኣብ ራዕዲ ሐዞም። ኣብ ከነኣን ዚነብሩ ዅሎም መኸኹ

16. ዎ እግዚኣብሄርህዝብኻ ኽሳዕ ዚሐልፍ፡ እቲ ዘጥሬኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሐልፍስምባድን ፍርሃትን ወደቖምብሓይሊ ቕልጽምካ ኸኣ ከም እምኒ ትም ይብሉ።

17. ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታጐይታይ፡ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፡ ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተክሎምን

18. እግዚኣብሄር ንወትርግ፡ ንዘለኣለም ይነግስ

19. ኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተወእግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኦም መለሶደቂ እስራኤል ግና ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ሐለፉ

20. ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደትኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ

21. ሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ

22. ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣንቀሎም፡ ናብ በረኻ ሹር ወጹሰለስተ መዓልቲ ኣብ በረኻ ከዱማይ ከኣ ኣይረኸቡን

23. ናብ ማራ ድማ መጹማይ ማራ መሪር ነበረ እሞ፡ ኪሰትይዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባዚ ስማ ማራ ተባህለት

24. እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴእንታይ ክንሰቲ ኢናኢሎም ኣጕረምረሙሉ

25. ንሱ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለእግዚኣብሄር ድማ ሓንቲ ኦም ኣርኣዮናብቲ ማይ ደርበያ፡ እቲ ማይ ከኣ መቀረኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፡ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖም

26. በለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሐሎኻኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ።

27. ናብ ኤሊም ድማ መጹ፡ ኣብኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ