1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ

2. ንደቂ እስራኤልተመሊሶም ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ኣብ መንጽር ጲ-ሃሒሮት ኪሰፍሩንገሮምኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ስፈሩ

3. ፈርኦን ድማ ብዛዕባ ደቂ እስራኤልበረኻ ውሒጥዎም ኣብ ምድሪ ቀባሕባሕ ይብሉ ኣለው፡ ኪብል እዩ።

4. ኣነ ድማ ንልቢ ፈርኦን ከትርሮ እየ፡ ንሱ ኸኣ ደድሕሪኦም ስዒቡ ኺሰጎም እዩ። ብፈርኦንን ብዅሉ ሰራዊቱን ክኸብር እየ፡ ግብጻውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኺፈልጡ እዮም። ከምኡ ኸኣ ገበሩ

5. ድማ ንንጉስ ግብጺ እቲ ህዝቢ ኸም ዝሃደመ ነገርዎልቢ ፈርኦንን ገላውኡን ከኣ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ተለወጡከይግዝኡናስ ንእስራኤል ብምሕዳግና እንታይ እዩ ዝገበርናዮድማ በሉ

6. እሞ ሰረገላኡ ኣዳለወህዝቡውን ምስኡ ወሰደ

7. ሹድሽተ ሚእቲ ሕሩያት ሰረገላታትን ኩለን ሰረገላታት ግብጽን፡ ኣብ ኵለን ከኣ ተዋጋእቲ ወሰደ

8. እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣትረሮ እሞ፡ ንሱ ደድሕሪ እቶም ብልዕልቲ ኢድ ዚወጹ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ገስገሰ

9. ግብጻውያን ድማ፡ ኵሎም ኣፍራስ ፈርኦንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኵሎም ሰራዊቱን ደድሕሪኦም ገስጊሶም፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ጲ-ሃሒሮት ኣብ መንጽር በዓል-ጸፎን ሰፊሮም ከለዉ ኣርከብዎም

10. ፈርኦን ምስ ቀረበደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዓሉ፡ እንሆ ኸኣ፡ ግብጻውያን ደድሕሪኦም ገስገሱደቂ ኣስራኤል ድማ ኣዝዮም ፈርሁ፡ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ

11. ንሙሴ ድማ፡ ናብዚ በረኻ ኽንመውት ዝወሰድካናስ፡ ኣብ ግብጺዶ መቓብር ኣይነበረንካብ ግብጺ ዘውጻእካናስ ንምንታይ እዚ ገበርካና፧

12. እቲ ኣብ ግብጺ ዝበልናካኸ እዚ ነገርዚዶ ኣይኰነን፧ ኣብ በረኻ ኻብ እንመውት ንግብጻውያን ከነገልግል ይሔሸና እሞ፡ ንግብጻውያን ንገዛኣዮም ሕደገናዶ ኣይበልናን፧ በልዎ።

13. ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢኣይትፍርሁ፡ ደው በሉ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ሎሚ ዚገብረልኩም ርኣዩ። ኣዞም ሎሚ እትርእይዎም ግብጻውያን ደጊም መሊስኩም ንዘለኣለም ኣይትርእይዎምን

14. እግዚኣብሄር ኪዋጋልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ፡ በሎም።

15. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ስለምንታይ ናባይ እትምህለልንደቂ እስራኤል ኪጐዐዙ ንገሮም

16. ንስኻ ድማ በትርኻ ኣልዒልካኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ ምቐሎደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ማእከል ባሕሪ ናብቲ ንቑጽ ይእተዉ

17. ኣነ ድማ፡ እንሆልቢ ግብጻውያን ከትርር እየ። ንሳቶም ከኣ ደድሕሪኦም ኪኣትዉ እዮም እሞ፡ ብፈርኦንን ብዅሎም ሰራዊቱን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ክኸብር እየ።

18. ብፈርኦንን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ምስ ከበርኩ ድማ፡ ግብጻውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኺፈልጡ እዮም።

19. እቲ ብቕድሚ ሰፈር እስራኤል ዚኸይድ ዝነበረ መልኣኽ ድማ ተላዒሉ ንድሕሪኦም ከደ። እቲ ዓንዲ ደበና ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ተላዒሉ ኣብ ድሕሪኦም ደው በለ።

20. ናብ መንጎ ሰፈር ግብጽን ሰፈር እስራኤልን ኣተወ። ኣብኡ ኸኣ ደበናን ጸልማትን ነበረ፡ ነታ ለይቲ ኸኣ ኣብርሃለይቲ ብምልእታ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን

21. ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሔእግዚኣብሄር፡ ከኣ ነቲ ባሕሪ ለይቲ ብምልእታ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣልጊሱ፡ ነቲ ባሕሪ ኣንቀጾእቲ ማያት ከኣ ተመቕለ

22. ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ንቑጽ ናብ ማእከል ባሕሪ ኣተዉ። እቲ ማይ ከኣ ብየመነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ደው በለ።

23. ግብጻውያን ድማ፡ ኵሎም ኣፍራስ ፈርኦንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ድድሕሪኦም ገስጊሶም፡ ናብ ማእከል ባሕሪ ኣተዉ

24. ኰነ ኸኣ፡ ሓለዋ ኣጋ ጽባሕ ምስ ኰነ፡ እግዚኣብሄር ካብቲ ዓንዲ ሓውን ካብ ደበናን ናብ ሰራዊት ግብጻውያን ጠመተንሰራዊት ግብጻውያን ኣሸበሮም

25. ነቲ ሰረገላታቶም ከኣ መንኰራዅሩ ኣምለቘብጭንቂ ተጓዕዙግብጻውያን ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ክንዳኦም ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ አሎ እሞ፡ ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም በሉ

26. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ፡ እቲ ማያት ናብ ልዕሊ ግብጻውያን፡ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ይምለስበሎ

27. ሙሴ ኸኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሔ፡ እቲ ባሕሪ ድማ ብጊዜ ጽባሕ በርቲዑ ናብ ምውሓዙ ተመለሰግብጻውያን ከኣ ኪሀድሙ ኸለዉ ተጓነፍዎእግዚኣብሄር ድማ ንግብጻውያን ናብቲ ማእከል ባህሪ ደርበዮም

28. እቲ ማያት ከኣ ተመልሰ፡ ነቶም ድድሕሪኦም ናብ ባሕሪ ዝኣተዉንሰረገላታትን ንፈረሰኛታትን ንዅሉ ሰራዊት ፈርኦንን ድማ ደፈኖም። ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን

29. ደቂ እስራኤል ግና ኣብ ማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ከዱ፡ እቲ ማያት ከኣ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ፡ ኰነሎም።

30. ከምኡ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ኣድሓኖምእስራኤል ድማ ምዉታት ግብጻውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ረአየ

31. እስራኤል እታ እግዚኣብሄር ኣብ ግብጻውያን ዝገበራ ዓባይ ኢድ ረአየ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ፈርሁብእግዚኣብሄርን ብባርያኡ ሙሴን ድማ አመኑ