1-2. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ትእምርትታተይ እዚ ምእንቲ ኣብ ማእከሎም ክገብር፡ እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝዐየኽዎ ነገርን፡ እቲ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታተይን ኣብ ኣእዛን ወድኻን ወዲ ወድኻን ምእንቲ ኽትነግሮኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡስ፡ ኣነ ንልቡን ንልቢ ገላዉኡን ኣትሪረ እየ እሞ፡ ናብ ፍርኦን እቶ

3. ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርኦን ኣትዮም በልዎእግዚኣብሄርኣምላኽ እብራውያን፡ ከምዚ ይብልክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ ከይትተሐት እትኣቢንህዝበይ ኬገልግለኒ ሕደጎም

4. ንስኻ ንህዝበይ ምሕዳጉ እንተ ኣቤኻ ግናእንሆ፡ ጽባሕ ናብ ምድርኻ ኣንበጣ ኸምጽእ እየ።

5. ንምድሪ ኸኣ ኪኸድና እዩ፡ ገጽ ምድሪ እኳ ኺርእዩ ኣይክእሉን። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈልኩም ትርፊ ድማ ኪበልዖ እዩ። ነተን ኣብ መሮር ዚዐብያልኩም ኵለን ኣእዋም ከኣ ኺበልዔን እዩ።

6. ኣባይትኻን ኣባይቲ ዅሎም ገላዉኻን ኣባይቲ ዅሎም ግብጻውያንን ኪመልእ እዩ። ከምኡ ዝበለ ኣቦታትካን ኣቦታት ኣቦታትካን ኣብ ምድሪ ኻብ እተፈጥሩላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣይረኣዩንተመሊሱ ኸኣ ካብ ፈርኦን ወጸ

7. ንፈርኦን ድማ ገላዉኡክሳዕ መኣዝከ እዚ ሰብኣይዚ መፈንጠራ ኪዀነና እዩ፧ ነዞም ሰባትንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኬገልግሉሕደጎምግብጺ ኸም ዝጠፍኤትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ፧ በልዎ

8. ሽዑ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርኦን መለስዎም። ንሱ ድማ፡ ኪዱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉእቶም ዚኸዱ ግና መነመን እዩምበሎም

9. ሙሴ ድማ፡ በዓል እግዚኣብሄር ከነብዕል ኢና እሞ፡ ምስ ናእሽቱናን ምስ ዓበይትናን ክንከይድ ኢናምስ ኣወዳትናን ምስ ኣዋልድናን ምስ ኣባጊዕናን ምስ ኣሓናን ክንከይድ ኢናበለ

10. ንሱ ድማ፡ ከምቲ ኣነ ምስ ደቅኹም ዝሐደግኩኹም፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን። ርኣዩክፍኣት ኣብ ቅድሜኹም አሎ።

11. ከምኡ ኣይኰነንሰብኡት ደኣ ኺዱ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። እቲ ዝደሌኹምዎ ኸኣ ንሱ እዩ፡ በሎም። ካብ ቅድሚ ፈርኦን ድማ ሰጐግዎም

12. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ምእንቲ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ግብጺ ኺድይብ እሞ፡ ንዅሉ ብቝሊ ምድርን ነቲ በረድ ዝሐደጎ ዅሉን ኪበልዕሲ ኣእዳውካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሕበሎ

13. ሙሴ ኸኣ፡ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሔእግዚኣብሄር ድማ ኣብታ ምድሪ ብዅላ እታ መዓልቲ እቲኣን ብኵላ ለይትን ንፋስ ምብራቕ ኣምጽኤ። ምስ ወግሔ ድማ፡ እቲ ንፋስ ምብራቕ ኣንበጣ ኣምጽኤ

14. እቲ ኣንበጣ ኸኣ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ ደየበ፡ ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ረገፈ። ክንዳኡ ዝምብዛሑ ኣንበጣ ቕድሚኡ ኣይነበረንብድሕሪኡ ኸኣ ከምኡ ዝበለ ከቶ ኣይከውንን።

15. ምድሪ ኽሳዕ እትጽልምት ንገጽ ኵላ ምድሪ ኸደና። ንዅሉ ብቝሊ ምድርን ነቲ በረድ ዝሐደጎ ዅሉ ፍረ ኦምን ድማ በልዖ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ገለ ለምለም ኣብ ኦም ወይ ኣብ ብቝሊ ግራት ኣይተረፈን

16. ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ቀልጢፉ ጸዊዑንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንኣኻትኩምን በደልኩ

17. ሕጂ ግና እዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ፡ በጃኻ ሕደገለይ። እዚ ሞትዚ ጥራይ ኬርሕቐለይ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ለምኑ፡ በሎም።

18. ካብ ፈርኦን ወጺኡ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ለመነ

19. እግዚኣብሄር ድማ ህቦብላ ንፋስ ምዕራብ መለሰ። ነቲ ኣንበጣ ገፊፉ ኸኣ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዮኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን

20. እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ እሞ ንደቂ እስራኤል ኣይሐደጎምን

21. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕኣብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ጸልማትዚርምሰስ ጸልማት እኳ ደኣ ይኹን፡ በሎ

22. ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሑኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ከኣ ስለስተ መዓልቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ኰነ።

23. ሰለስተ መዓልቲ ሓደ ነቲ ኻልኣዩ ኣይረአየንካብ ምቕማጡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ንዅሎም ደቂ እስራኤል ግና ኣብ እተቐመጥዎ ብርሃን ነበረ

24. ፈርኦን ድማ ንሙሴ ጸዊዑኪድ ንእግዚኣብሄር ኣገልግልኣባጊዕኩምን ኣሓኹምን ጥራይ ይትረፋቈልዑኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺድበሎ

25. ሙሴ ኸኣ፡ ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ መስዋእቲ ሕሩድን ዚሓርር መስዋእትን ኣብ ኢድና ኽትህበና ኢኻ።

26. እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እነገልግለሉ ኻብኤን ክንወስድ ኢና እሞ፡ ስለዚ ማልና ድማ፡ ሓንቲ ሸዀና ኸይተረፈት፡ ምሳና ኪኸዳ እየን። ንሕና ድማ ኣብኡ ኽሳዕ እንበጽሕንእግዚኣብሄር ብምንታይ ከም እነገልግሎ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በለ።

27. እግዚኣብሄር ግና ልቢ ፈርኦን ኣትረረ፡ እሞ ኺሐድጎም ኣይፈተወን

28. ፈርኦን ድማ ካባይ ኪዱ፡ ገጸይ ምስ እትርኢ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ እሞ፡ መሊስካ ገጸይ ከይትርኢ ንርእስኻ ተጠንቀቕበሎ

29. ሙሴ ኸኣ፡ ከም ዝበልካዮ ይኹን፡ ደጊም መሊሰ ገጽካ ኣይርእንበለ