1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ፈርኦን ኣቲኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል፡ ኢልካ ተዛረቦ፡ ንህዝበይ ኬገልግሉኒ ይኺዱ ሕደጎም።
2. ንስኻ ግና ምሕዳጎም ኣቤኻ፡ ገና እንተ ሐዝካዮም፡
3. እንሆ፡ ኢድ እግዚኣብሄር መሮር ኣብ ዘለዋ ማልካ፡ ኣብ ኣፍራስ፡ ኣብ ኣእዱግ፡ ኣብ ኣግማል፡ ኣብ ኣሓን ኣብ ኣባጊዕን ብኣዝዩ ብርቱዕ ሕማም ክትከውን እያ።
4. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ማል እስራኤልን ኣብ መንጎ ማል ግብጻውያንን ምፍልላይ ኪገብር እዩ፡ ካብ ኵለን ናይ ደቂ እስራኤል ገለኳ ኣይትመውትን።
5. እግዚኣብሄር ድማ ከምዚ ኢሉ ግዜ ቆረጸ፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብዛ ሃገር እዚኣ እዚ ነገርዚ ኺገብር እዩ።
6. ንጽብሒቱ ኸኣ እግዚኣብሄር እዚ ነገርዚ ገበረ። ኵለን ማል ግብጺ ድማ ሞታ፡ ካብ ማል እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን።
7. ፈርኦን ከኣ ለኣኸ፡ እንሆ፡ ካብ ማል እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ነቲ ህዝበይውን ኣይሐደጎን።
8. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ሓመዅስቲ እቶን ኣእዳውኩም መሊእኩም ውሰዱ፡ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ የብሎ።
9. ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ተጐጓ ኪኸውን እዩ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ፎቕፎቕ ዚብል ሕበጥ ኪኸውን እዩ፡ በሎም።
10. ሽዑ ሓመዅስቲ እቶን ወሲዶም ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው በሉ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ ኣበሎ። ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ድማ ፎቕፎቕ ዝበለ ሕበጥ ኰነ።
11. ኣብቶም ጠንቈልትን ኣብ ኵሎም ግብጻውያንን ሕበጥ ኰነ እሞ፡ እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ በቲ ሕበጥ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ኪብሉ ኣይከኣሉን።
12. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ እሞ ኣይሰምዖምን።
13. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጽባሕ ኣንጊህካ ተንስእ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ደው በል እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል በሎ፡ ንህዝበይ ኬገልግለኒ፡ ይኺድ ሕደጎም።
14. ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ በዛ ጊዜ እዚኣ ድማ ኵሉ መዓተይ ናብ ልብኻን ናብ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ክሰድድ እየ።
15. ሕጂ ኸኣ ንስኻን ህዝብኻን ካብ ምድሪ ኽትጸንቱስ፡ ኢደይ ዘርጊሔ ብፌራ ምወቓዕኩኻ ነይረ።
16. ግናኸ ሓይለይ ከርእየካ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ ብእኡ ምኽንያት ኣንበርኩኻ።
17. ከይትሐድጎዶ ገና ኣብ ህዝበይ ትዕበ አሎኻ፧
18. እንሆ፡ ካብ እትስረት መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ ኸምኡ ዝበለ ኣብ ግብጺ ዘይኰነ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣዝዩ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ።
19. ኣብ መሮር ኣብ እተረኽበን ናብ ቤት ኣብ ዘይኣተወን ኵሉ ሰብን እንስሳን በረድ ኪወርድ እዩ፡ ኪሞቱ ኸኣ እዮም። ስለዚ ሕጂ ልኢኽካ ማልካን ኣብ መሮር ዘሎካ ኵሉን ኣክብ።
20. ካብ ገላዉ ፈርኦን እቲ ንቓል እግዚኣብሄር ዝፈርሄ ዘበለ፡ ሰቡን ማሉን ናብ ኣባይቲ ኣህደመ።
21. እቲ ልቡ ናብ ቃል እግዚኣብሄር ዘየቕለበ ድማ፡ ሰቡን ማሉን ኣብ መሮር ሐደገ።
22. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ ማልን ናብ ልዕሊ ዅሉ ብቝሊ ግራሁ ኣብ ምድሪ ግብጽን በረድ ኪወርድ እዩ፡ በሎ።
23. ሙሴ ኸኣ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሔ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነጕድን በረድን ሰደደ፡ ሓዊ ኸኣ ናብ ምድሪ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ በረድ ኣዝነመ።
24. በረድ ከኣ ዀነ፡ ኣብ ማእከል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይዋናጨፍ ነበረ። ሰብ ካብ ዚቕመጣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸምዚ ዝበለ ዘይኰነ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ።
25. እቲ በረድ ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኣብ መሮር ንዘሎ ዅሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዔ እቲ በረድ ድማ ንዅሉ ብቝሊ ግራት ወቕዔ፡ ንዅሉ ኣእዋም መሮርውን ሰባበሮ።
26. ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነበርዋ ምድሪ ጎሼን ጥራይ በረድ ኣይነበረን።
27. ፈርኦን ከኣ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ ሕጂ ሓጣእኩ። እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ። ኣነን ህዝበይን ከኣ በደልቲ ኢና።
28. ነጕዲ ኣምላኽን በረድን ኪኣክልሲ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑ፡ ሽዑ ኽሐድገኩም እየ፡ ደጊም ድማ ኣብዚ ኣይትቘሙን፡ በሎም።
29. ሙሴ ኸኣ፡ ካብ ከተማ ምስ ወጻእኩ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ክዝርግሕ እየ። ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር ምዃና ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነጕዲ ይሐድግ፡ ደጊም ከኣ በረድ ኣይከውንን።
30. ንስኻን ገላዉኻን ግዳ ገና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝይፈራህኩም እፈልጥ አሎኹ፡ በሎ።
31. ስገም ሰዊቱ፡ እንጣጢዕ ከኣ ጕዕ ነበረ እሞ፡ እቲ ስገምን እንጣጢዕን ተወቕዔ።
32. ስርናይን ስጴልትን ግና፡ ድሑር ዘርኢ እዩ እሞ፡ ኣይተወቕዔን።
33. ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦንን ካብ እታ ኸተማን ወጸ፡ ኣእዳዉ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሔ፡ ነጕድን በረድን ድማ ሐደገ፡ ዝናምውን ናብ ምድሪ ኣይዘነመን።
34. ፈርኦን ከኣ ዝናምን በረድን ነጕድን ከም ዝሐደገ ምስ ረአየ፡ ሓጢያት ወሰኸ፡ ንሱን ገላዉኡን ድማ፡ ልቡ ኣትረረ።
35. እሞ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝበሎ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ ኣይሐደጎምን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...