1. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ፈርኦን ኣቲኻእግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል፡ ኢልካ ተዛረቦ፡ ንህዝበይ ኬገልግሉኒ ይኺዱ ሕደጎም።

2. ንስኻ ግና ምሕዳጎም ኣቤኻ፡ ገና እንተ ሐዝካዮም

3. እንሆ፡ ኢድ እግዚኣብሄር መሮር ኣብ ዘለዋ ማልካ፡ ኣብ ኣፍራስ፡ ኣብ ኣእዱግ፡ ኣብ ኣግማል፡ ኣብ ኣሓን ኣብ ኣባጊዕን ብኣዝዩ ብርቱዕ ሕማም ክትከውን እያ።

4. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ማል እስራኤልን ኣብ መንጎ ማል ግብጻውያንን ምፍልላይ ኪገብር እዩ፡ ካብ ኵለን ናይ ደቂ እስራኤል ገለኳ ኣይትመውትን

5. እግዚኣብሄር ድማ ከምዚ ኢሉ ግዜ ቆረጸእግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብዛ ሃገር እዚኣ እዚ ነገርዚ ኺገብር እዩ።

6. ንጽብሒቱ ኸኣ እግዚኣብሄር እዚ ነገርዚ ገበረኵለን ማል ግብጺ ድማ ሞታካብ ማል እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን

7. ፈርኦን ከኣ ለኣኸእንሆካብ ማል እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትንልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ነቲ ህዝበይውን ኣይሐደጎን

8. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንንሓመዅስቲ እቶን ኣእዳውኩም መሊእኩም ውሰዱሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ የብሎ።

9. ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ተጐጓ ኪኸውን እዩ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ፎቕፎቕ ዚብል ሕበጥ ኪኸውን እዩ፡ በሎም።

10. ሽዑ ሓመዅስቲ እቶን ወሲዶም ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው በሉ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ ኣበሎ። ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ድማ ፎቕፎቕ ዝበለ ሕበጥ ኰነ

11. ኣብቶም ጠንቈልትን ኣብ ኵሎም ግብጻውያንን ሕበጥ ኰነ እሞ፡ እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ በቲ ሕበጥ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ኪብሉ ኣይከኣሉን።

12. ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ እሞ ኣይሰምዖምን

13. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጽባሕ ኣንጊህካ ተንስእ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ደው በል እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል በሎንህዝበይ ኬገልግለኒይኺድ ሕደጎም።

14. ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዜልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥበዛ ጊዜ እዚኣ ድማ ኵሉ መዓተይ ናብ ልብኻን ናብ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ክሰድድ እየ።

15. ሕጂ ኸኣ ንስኻን ህዝብኻን ካብ ምድሪ ኽትጸንቱስኢደይ ዘርጊሔ ብፌራ ምወቓዕኩኻ ነይረ።

16. ግናኸ ሓይለይ ከርእየካስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ፡ ብእኡ ምኽንያት ኣንበርኩኻ።

17. ከይትሐድጎዶ ገና ኣብ ህዝበይ ትዕበ አሎኻ፧

18. እንሆካብ እትስረት መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ ኸምኡ ዝበለ ኣብ ግብጺ ዘይኰነ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ኣዝዩ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ።

19. ኣብ መሮር ኣብ እተረኽበን ናብ ቤት ኣብ ዘይኣተወን ኵሉ ሰብን እንስሳን በረድ ኪወርድ እዩ፡ ኪሞቱ ኸኣ እዮም። ስለዚ ሕጂ ልኢኽካ ማልካን ኣብ መሮር ዘሎካ ኵሉን ኣክብ።

20. ካብ ገላዉ ፈርኦን እቲ ንቓል እግዚኣብሄር ዝፈርሄ ዘበለ፡ ሰቡን ማሉን ናብ ኣባይቲ ኣህደመ

21. እቲ ልቡ ናብ ቃል እግዚኣብሄር ዘየቕለበ ድማ፡ ሰቡን ማሉን ኣብ መሮር ሐደገ

22. እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ ማልን ናብ ልዕሊ ዅሉ ብቝሊ ግራሁ ኣብ ምድሪ ግብጽን በረድ ኪወርድ እዩ፡ በሎ

23. ሙሴ ኸኣ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሔእግዚኣብሄር ድማ ነጕድን በረድን ሰደደሓዊ ኸኣ ናብ ምድሪ ወረደእግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ በረድ ኣዝነመ

24. በረድ ከኣ ዀነ፡ ኣብ ማእከል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይዋናጨፍ ነበረ። ሰብ ካብ ዚቕመጣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸምዚ ዝበለ ዘይኰነ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ።

25. እቲ በረድ ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኣብ መሮር ንዘሎ ዅሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዔ እቲ በረድ ድማ ንዅሉ ብቝሊ ግራት ወቕዔንዅሉ ኣእዋም መሮርውን ሰባበሮ

26. ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነበርዋ ምድሪ ጎሼን ጥራይ በረድ ኣይነበረን

27. ፈርኦን ከኣ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑሕጂ ሓጣእኩእግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ። ኣነን ህዝበይን ከኣ በደልቲ ኢና።

28. ነጕዲ ኣምላኽን በረድን ኪኣክልሲ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑ፡ ሽዑ ኽሐድገኩም እየ፡ ደጊም ድማ ኣብዚ ኣይትቘሙን፡ በሎም።

29. ሙሴ ኸኣ፡ ካብ ከተማ ምስ ወጻእኩኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ክዝርግሕ እየ። ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር ምዃና ምእንቲ ኽትፈልጥነጕዲ ይሐድግ፡ ደጊም ከኣ በረድ ኣይከውንን

30. ንስኻን ገላዉኻን ግዳ ገና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝይፈራህኩም እፈልጥ አሎኹ፡ በሎ።

31. ስገም ሰዊቱእንጣጢዕ ከኣ ጕዕ ነበረ እሞ፡ እቲ ስገምን እንጣጢዕን ተወቕዔ

32. ስርናይን ስጴልትን ግናድሑር ዘርኢ እዩ እሞ፡ ኣይተወቕዔን

33. ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦንን ካብ እታ ኸተማን ወጸኣእዳዉ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሔነጕድን በረድን ድማ ሐደገዝናምውን ናብ ምድሪ ኣይዘነመን

34. ፈርኦን ከኣ ዝናምን በረድን ነጕድን ከም ዝሐደገ ምስ ረአየሓጢያት ወሰኸንሱን ገላዉኡን ድማ፡ ልቡ ኣትረረ

35. እሞ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝበሎልቢ ፈርኦን ተረረንደቂ እስራኤል ከኣ ኣይሐደጎምን