1. ሙሴ ድማ ኣባጊዕ የትሮ ሓሙኡካህን ሚድያንይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናኸብከበን ናብ ክንየው በረኻ፡ ናብ ሆሬብ ከረን ኣምላኽመጸ

2. መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ማእከል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ። እንተ ጠመተ ድማ እንሃ፡ እታ ቘጥቋጥ ብሓዊ ትነድድ ነበረት፡ እታ ቘጥቋጥ ግና ኣይተበልዔትን

3. ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ዓብዩ ትርኢት እዚ፡ እዛ ቘጥቋጥ ከመይ ኢላ ሞዅ ከም ዘይትብል ደኣ ኸይደ ኽርኢበለ

4. እግዚኣብሄር ድማ ኪርኢ ኸም ዝቐረበ ምስ ረአየኣምላኽ ካብ ማእከል እታ ቘጥቋጥሙሴሙሴኢሉ ጸውዖንሱ ድማ፤ እኔኹ፡ በለ።

5. ሽዑ ኸኣ፡ ናብዚ ኣይትቕረብእዛ ደው ኢልካላ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእበለ

6. ድማኣነ ኣምላኽ ኣቦኻኣምላኽ ኣብርሃምኣምላኽ ይስሃቅኣምላኽ ያእቆብ ከኣ እየ፡ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ ከይጥምት ፈርሄ እሞ፡ ገጹ ኸደነ

7. እግዚኣብሄር ድማ፡ ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ፡ ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ፡ እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእውይዎ ኸኣ ሰሚዔ አሎኹ

8. ስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ አሎኹ፡ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪናብታ ቦታ ኸነኣናውያንን ሄታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ከድይቦም እየ።

9. ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣውያት ደቂ እስራኤል ናባይ መጸ፡ እቲ ግብጻውያን ዘጥቅዕዎም ጥቕዓት ርኤኹ

10. እምበኣር ሕጂ ንዓንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ እየ፡ በለ።

11. ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽእንከኣነ መን እየበሎ

12. ኣምላኽ ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚኣ ትእምርቲ ትኩንካ፡ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ንኣምላኽ ከተገልግሉ ኢኹም፡ በለ

13. ሙሴ ድማ ንኣምላኽእንሆ፡ ናብ ደቂ እስራኤል መጺኤ፡ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም፡ ስሙ መን እዩ እንተ በሉንስእንታይ ክብሎም እየ፧ በሎ

14. ኣምላኽ፡ ከኣ ንሙሴእቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹበሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ አሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒበሎም

15. ኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ በሎንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩምኣምላኽ ኣብርሃምኣምላኽ ይስሃቅኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ።

16. ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ በሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩምኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ተገልጸለይ፡ ከምዚ ኢሉብርግጽ በጺሔኩም፡ እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሩኹም ድማ ርኤኹ

17. ካብ ጸበባ ግብጺ ናብ ምድሪ ኸነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንንጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ፡ ድማ በልኩ

18. ቃልካ ኸኣ ኪሰምዑ እዮም። ንስኻን ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ንጉስ ግብጺ ኣቲኹም፡ ከምዚ ትብልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ተገልጸልና። ሕጂ ድማ በጃኻንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድበልዎ

19. ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንጉስ ግብጺ ኽትከዱ ኸም ዘይሐድገኩም እፈልጥ አሎኹ።

20. በቲ ኣብ ማእከላ ዝገብሮ ዅሉ ተኣምራተይ ከኣ ኢደይ ዘርጊሔ ንግብጺ ኽወቕዓ እየ። ድሕሪኡ ድማ ኪሐድገኩም እዩ።

21. ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ሞገስ ክህቦ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ምስ እትኸዱጥራይ ኢድኩም ኣይትኸዱን ኢኹም።

22. ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኻብ ጐረቤታን፡ ካብታ ኣብ ቤታ እትነብርን ኣቕሓ ብሩርን ኣቕሓ ወርቅን፡ ክዳውንትን ትለምን። ነዚ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ግበርዎንግብጻውያን ከኣ ትገፍዎም