1. የትሮካህን ሚድያን ሓሙ ሙሴኣምላኽ ንሙሴን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበሮ ዅሉ፡ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኸም ዘውጽኤ ሰምዔ

2. ሽዑ የትሮ ሓሙ ሙሴ ንሲፎራ ሰበይቲ ሙሴንሱ ሰዲድዋ ዝነበረ

3. ንኽልቲኦም ደቃ ድማ ወሰዶም። ሙሴ ኸኣ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ ዀንኩ፡ ኢሉ ነበረ እሞ ስም እቲ ሓደ ጌርሾም ኣውጻኣሉ

4. ስም እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ኣምላኽ ኣቦይ ረዳእየይ ነበረ እሞ፡ ካብ ሴፍ ፈርኦን ከኣ ኣድሓነኒ፡ ኢሉ ኣልኣዛር ኣውጻሉ።

5. የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን ናብ ሙሴ፡ ኣብቲ ንሱ ሰፊርዎ ዝነበረ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ ኸረን ኣምላኽ መጸ

6. ንሙሴ ድማ፡ ኣነ የትሮ ሓሙካሰበይትኻን ክልቲኦም ደቃ ድማ ምስኣን፡ ናባኻ እመጽእ አሎኹ፡ በሎ

7. ሙሴ ኸኣ ሓሙኡ ኪቕበል ወጸሰገደሉ ሰዓሞ ድማ። ናይ ድሓን ምህላዎም ንሓድሕዶም ተሓታተቱ፡ ናብ ድንኳን ከኣ ኣተዉ

8. ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ምእንቲ እስራኤል ኢሉ ንፈርኦንን ንግብጻውያንን ዝገበሮ ዅሉን እቲ ኣብ መገዲ ዝረኸቦም ኵሉ ጭንቀትን እግዚኣብሄር ከኣ ከም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ

9. የትሮ ድማ በቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ብምድሓኑዝገበሮ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ተሐጎሰ

10. የትሮ ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ፈርኦንን ዘድሐነኩም፡ እቲ ንህዝቢ ኻብ ትሕቲ ኢድ ግብጻውያን ዘድሐነ እግዚኣብሄር ይባረኽ

11. እቲ ዝገበርዎም ግፍዒ ኣብ ልዕሊኦም መሊሱሎም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዚዓቢሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ።

12. የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ንኣምላኽ ወሰደሉኣሮንን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ምስ ሓሙ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንጌራ ኺበልዑ መጹ

13. ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ሙሴ ነቲ ህዝቢ ኺፈርድ ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ድማ ካብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ነበረ።

14. ሓሙ ሙሴ ኸኣ እቲ ኣብ ህዝቢ ዚገብሮ ዅሉ ምስ ረአየ፥ እዚ ኣብዚ ህዝቢ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢኻ፡ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንስኻ በይንኻ ኾፍ እትብል፧ በሎ

15. ሙሴ ድማ ንሓሙኡ፡ እቲ ህዝቢ ንምላኽ ኪሓትት ናባይ ይመጽእ

16. ነገር ምስ ዚህልዎም ናባይ ይመጹ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ኣብ መንጎ ብጻዩን እፈርድስርዓት ኣምላኽን ሕጋጋቱን ድማ እነግሮም፡ በሎ።

17. ሓሙ ሙሴ ኸኣ በሎ፡ እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር ኣይጽቡቕን እዩ።

18. ንስኻን እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹምእዚ ነገርዚ ኻብ ዓቕምኻ ዚኸብድ እዩ እሞ፡ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ

19. ሕጂ ኸኣ ክመኽረካቃለይ ስማዕእግዚኣብሂር ድማ ምሳኻ ይኹን። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኹን፡ እቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ ኣምላኽ ኣብጽሕ

20. ስርዓታትን ሕጋጋትን ምሃሮምዚኸዱላ መገድን ዚገብርዎ ግብርን ከኣ ንገሮም

21. ንስኻ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣልቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባትእሙናትረብሓ ዓመጽ ዚጸልኡ ሰባት ሕረ። ንኣታቶም ከኣ ሕላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ልዕሊኦም ሽመሎም።

22. ወርትግ ድማ ንህዝቢ ይፍረዱ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ዓብዪ ነገር ዝዀነ ዅሉ ናባኻ የምጽኡኵሉ ንእሽቶ ነገር ግና ባዕላቶም ይፍረድዎ። እቲ ጾር ምሳኻ እንተ ጾሩ ኸኣ፡ ንኣኻ ይፈዅሰካ

23. እዚ ነገርዚ እንተ ገበርካኣምላኽ ድማ ከምኡ እንተ ኣዘዘካክትጸንዕ ኢኻኵሉ እዚ ህዝቢዚ ድማ ናብ ቦታኡ ብሰላም ይኣቱ

24. ሙሴ ድማ ቃል ሓሙኡ ሰሚዑዝበሎ ዅሉ ገበረ

25. ሙሴ ኸኣ ካብ ኵሉ እስራኤል ከኣልቲ ሰባት ሐርዩኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓላቑ ኪዀኑ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ገበሮም

26. ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ወርትግ ፈረዱብርቱዕ ነገር ዝዀነ ኸኣ ናብ ሙሴ ኣምጽኡሉዅሉ ንእሽቶ ነገር ግና ንሳቶም ፈረዱ

27. ሙሴ ድማ ንሓሙኡ ሰደዶንሱ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኸደ