1. ሰሎሞን ጸሎቱ ምስ ወድኤ ድማ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዓቶነታ ቤትውን ክብሪ እግዚኣብሄር መልኣ

2. ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝመልኣ ኸኣ፡ እቶም ካህናት ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ኪኣትዉ ኣይከኣሉን።

3. ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ ምውራድ ሓውን ክብሪ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ረኣዩ፡ ኣብታ ብእምኒ እተራዕርዔት ቦታ ኸኣ ብገጾም ናብ ምድሪ ፍግም በሉ፡ ሰጊዶም ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንሱ ሰናይ እዩ፡ ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር፡ ኢሎም ኣመስገንዎ

4. እቲ ንጉስን ኲሉ ህዝብን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ።

5. ንጉስ ሰሎሞን ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይን ሚእትን ዕስራን ሽሕ በጊዕን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኤ። በዚ ኸኣ እቲ ንጉስን ኲሉ እቲ ህዝብን ነታ ቤት ኣምላኽ ቀደስዋ

6. እቶም ካህናት ድማ በብኣገልግሎቶም ቈይሞን ነበሩ፡ ሌዋውያንውን እቲ ንጉስ ዳዊት ንእግዚኣብሄርምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ኪምስገነሉ ኢሉ ዝገበሮ መሳርያ ሙዚክ እግዚኣብሄር ሒዞም ነበሩ፡ ዳዊት ድማ ብኣታቶም የመስግን ነበረ። እቶም ካህናት ከኣ ኣብ መንጽሮም ኰይኖም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ደው ኢሉ ነበረ።

7. እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ናይ ኣስራዚ መሰውኢ ንዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ንስብሕታትን ምእካል ስለ ዝሰአኖ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእትን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብቲ ማእከላይ ኣጸድ ስለ ዝሰውኦሰሎሞን ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ማእከላይ ኣጸድ ቀደሶ

8. በታ ጊዜ እቲኣ ሰሎሞን፡ ምስኡ ኸኣ ብዘሎ እስራኤል፡ ካብታ ንሓማት እተእቱ ኽሳዕ ርባ ግብጺ ኣዝዩ ዓብዪ ማሕበር ኰይኖም፡ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ገበሩ

9. ምቕዳስ እቲ መሰውኢ ብሾብዓተ መዓልቲእቲ በዓል ከኣ ብሾብዓተ መዓልቲ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ዓብዪ በዓል ገበሩ

10. በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ናብ ድንኳውንቶም ሰደደኦም። ንሳቶም በቲ እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ጽቡቕ ነገር ሕጉሳትን ልቦም ባህ ዝበሎን ኰይኖም ነበሩ።

11. እምብኣርስ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን ፈጸመ፡ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤቱን ኪገብር ንሰሎምን ናብ ልቡ ዝመጾ ዂሉ ኸኣ ሰለጦ

12. እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተገልጸሉበሎውንጸሎትካ ሰሚዔ፡ ነዛ ቦታ እዚኣውን ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ንኣይ ሐርየያ አሎኹ።

13. ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዐጾኽዎነንበጣውን ንምድሪ ኺበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፡ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ

14. እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎምምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

15. ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዚጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ኪኽፈታኣእዛነይውን ጽን ኪብላ እየን።

16. ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘለኣለም ኣብኣ ኪኸውን፡ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኲሉጊዜ ኣብኣ ኪዀና ሐርየያን ቀዲሰያን አሎኹ።

17. ንስኻ ድማ ከምቲ ዂሉ ዝኣዘዝኩኻ ኽትገብር፡ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ ጌርካ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላለስካ፡

18. ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊትኣብ እስራኤል ዚገዝእ ሰብ ኣይኪሰኣንካን እዩ፡ ኢለ ኺዳን ዝኣቶኹሉ፡ ንዝፋን መንግስትኻ ኸጽንዖ እየ

19. ንስኻትኩም ግና ተመሊስኩም ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን እንተ ሐደግኩምዎ፡ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን

20. ሽዑ ኻብዛ ዝሀብክዎም ምድረይ ክምንቊሶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየ፡ ኣብ መንጎ ዂሎም ህዝብታት ድማ መመሰልን መድረፍን ክገብራ እየ

21. ነፍሲ ወከፍ በዛ ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤት እዚኣ ዚሐልፍ ከኣ፡ ብእኣ ኺድነቕ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ኪምዚ ዝገበረን፧ ኪብል እዩ።

22. ከምዚ ኢሎም ከኣ ይመልሱሉ፡ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሐደግዎንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ስለ ዝሰገዱሎምን ስለ ዘምለኽዎምን፡ ስለዚ ነዚ ዂሉ ኽፉእ ነገር ኣብ ልዕሌኦም ኣምጽኤ።