1. ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ድማ፡ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ኪመልስዋቤት ይሁዳን ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ።

2. ግንኸ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሸማዕያናይ ኣምላኽ ሰብ፡ መጸ፡

3. ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞንንጉስ ይሁዳን ኣብ ይሁዳን ብንያምን ንዘሎ ዂሉ እስራኤልን ከምዚ ኢልካ ንገሮም

4. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እዚ ነገር እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ኣይትደይቡን ምስ ኣሕዋትኩም ኣይትዋግኡንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። ንሳቶም ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም፡ ንየሮብዓም ኪወግኡ ኻብ ምኻድ ተመልሱ

5. ሮብዓም ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ ኣብ ይሁዳ ዕርዲ ዚዀና ኸተማታት ከኣ ሰርሔ

6-10. ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታትንቤት-ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት-ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንንሰርሔን

11. ነቲ ዕርድታት ከኣ ኣጽንዖምስለኔታት ድማ ኣቐመጠሉ፡ መዛግብቲ እኽልን ዘይትን ወይንን ገበረሉ።

12. ኣብ ኲለን ከተማታት ከኣ በብኸተማ ዋላቱን ኲናውትን ኣቐመጠለን፡ ኣዝዩ ድማ ኣጽንዔንይሁዳን ብንያምን ከኣ ንእኡ ዀና።

13. ኣብ ብዘሎ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ካብ ኲሉ ዶባቶም ናብኡ መጹ

14. እቶም ሌዋውያንሲካህናት እግዚኣብሄር ኰይኖም ከየገልግሉ፡ የሮብዓምን ደቁን ስለ ዝሰጐጒዎም፡ ከባቢ ኸተማታቶምን ርስቶምን እናሐደጉ ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከዱ

15. ንሱ ኸኣ ንርእሱ ነቲ በረኽትን ንኽፉኣት መናፍስትን ነቶም ዝገበሮም ምራኹትን ካህናት ኣቘመ

16. ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪደልይዎ ልቦም ዝሀቡ ዘበሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶምምእንቲ ኺስውኡሉደድሕሪኦም ናብ የሩሳሌም መጹ

17. ነታ መንግስቲ ይሁዳ ኸኣ ኣበርትዕዋሰለስተ ዓመት በታ መገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ይኸዱ ነበሩ እሞ፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ሰለስተ ዓመት ኣጽንዕዎ

18. ሮብዓም ከኣ ንማሓላትጓል የሪሞት ወዲ ዳዊትን ዓቢሓዮልን፡ ጓል ኤልያብ ወዲ እሴይኣእተዋ

19. ንሳ ድማ ኣወዳትየዑሽን ሸማርያን ዛሃምንወለደትሉ

20. ብድሕሪኣ ኸኣ ንማዓካ ጓል ኣበሴሎም ኣእተዋ፡ ንሳ ድማ ኣቢያን ዓታይን ዚዛን ሸሎሚትን ወለደትሉ

21. ሮብዓም ከኣ ዓሰርተው ሾሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ ነበረ፡ ዕስራን ሾሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣዋልድን ድማ ወሊዱ ነበረ፡ ንማዓካ ጓል ኣበሴሎም ግና ሓለፋ ዂለን ኣንስቱን ናይ ወሰን ኣንስቱን ይፈትዋ ነበረ።

22. ሮብዓም ከኣ ንኣቢያ ወዲ ማዓካ ኼንግሶ ሐሲቡ ነበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣሕዋቱ ሹም ኪኸውን ኣቘሞ

23. ብምስትውዓል ድማ ንዂሎም ኣወዳቱ ኣብ ብዘላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ኣብ ኲለን ጽኑዓት ከተማታት ኣቐመጦም፡ ብዙሕ ምግቢውን ሀቦምብዙሓት ኣንስቲ ኸኣ ደለየሎም