1. ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ እዚ ደቂ ሞኣብን ደቂ ዓሞንን፡ ምሳታቶም ድማ ካብቶም ዓሞናውያንን ንዮሳፋጥ ኪወግእዎ መጹ።
2. ዮሳፋጥ ከምዚ ኢሎም ዚነግርዎ ሰብ ከኣ መጹ፡ ካብ ማዕዶ ባሕሪ ኻብ ሶርያ ብዙሕ ሰራዊት ይመጸካ አሎ፡ እነዉ ድማ፡ ኣብ ሓጸጾን-ታማር አለዉ፡ - ንሳዔን-ገዲ እያ።
3. ሽዑ ዮሳፋጥ ፈርሄ እሞ ንእግዚኣብሄር ኪደልዮ ገጹ መለሰ፡ ኣብ ብዘሎ ይሁዳውን ጾም አወጀ።
4. ይሁዳ ኸኣ ረዲኤት ካብ እግዚኣብሄር ኪደሊ ተአከበ፡ እወ፡ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ መጹ።
5. ዮሳፋጥ ድማ ኣብታ ናይ ይሁዳን ናይ የሩሳሌምን ማሕበር፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ኣጸድ ደው በለ፡
6. በለ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን ኣምላኽ ሰማይ፧ እቲ ንዂለን መንግስትታት ኣህዛብ ዚገዝእ ድማ ኣይንስኻን ዲኻ፧ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፡ ኪቃወመካ ዚኽእል የልቦን።
7. ዎ ኣምላኽና፡ ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም ዝነበሩ፡ ካብ ቅድሚ ህዝብኻ እስራኤል ዘባረርካዮም፡ ንእኣ ኸኣ ንዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊኻ ንዘለኣለም ዝሀብካዮም ንስኻዶ ኣይኰንካ፧
8. ኣብኣ ድማ ተቐመጡ፡ ኣብኣውን ንስምካ መቕደስ ሰርሑ። ከምዚ ኸኣ በሉ፡
9. ኣብ ልዕሌና ኽፉእ እንተ መጸ፡ ሴፍ፡ ፍርዲ ወይ ፌራ ወይ ጥሜት፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እዛ ቤት እዚኣን ኣብ ቅድሜኻን ደው ክንብል ኢና፡ ስምክስ ኣብዛ ቤት እዚኣ እዩ እሞ፡ ብመከራና ናባኻ ኽንምህለል ኢና። ንስኻ ኸኣ ሰሚዕካ ኸተድሕን ኢኻ።
10. ሕጂ ኸኣ፡ እንሆ፡ ደቂ ዓሞንን ሞኣብን ከረን ሰዒርን፡ ንእስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ፡ ብኣታቶም ኪኣትዉ ዘይፈቐድካሎም፡ ንሳቶም ግና ካብኦም ዘይሮም ዘየጥፍእዎም፡
11. እንሆ፡ ንሳቶም ካብዛ ዘረስቴኻና ርስትኻ ኼውጽኡና ብምምጻኦም ከመይ ዝበለ ውሬታ ይመልሱልና አለዉ።
12. ዎ ኣምላኽና፡ ኣይትፈርዶምን ዲኻ፧ ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ዓብዪ ጭፍራ ሓይሊ የብልናን፡ እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ።
13. ብዘለዉ ይሁዳ ኸኣ ምስ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሎም ነበሩ።
14. ሽዑ ኣብ ማእከል እታ ማሕበር ናብ ልዕሊ ያሓዚኤል ወዲ ዘካርያስ፡ ወዲ በናያ፡ ወዲ የዒኤል፡ ወዲ ማታንያ፡ እቲ ሌዋዊ ኻብ ደቂ ኣሳፍ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር መጸ።
15. ንሱ ድማ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኲላ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ንስኻ ንጉስ ዮሳፋጥውን፡ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለኩም አሎ፡ እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናታትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓብዪ ጭፍራ እዚ ኣይፍርሁን ኣይትሸበሩን።
16. ጽባሕ ውረድዎም፡ እንሆ፡ በቲ ዓቐበት ጺጽ ይድይቡ አለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ በረኻ የሩኤል፡ ኣብ ወሰን እቲ ለሰ ድማ ክትረኽብዎም ኢኹም።
17. ኣቱም ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ንስኻትኩምሲ ኣብዚ ኣይክትዋግኡን ኢኹም፡ ንቕድሚት ኣቢልኩም ደኣ ደው በሉ እሞ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርኣዩ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን ከኣ። ጽባሕ ናብ ቅድሚኦም ዉጹ። እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻትኩም እዩ።
18. ሽዑ ዮሳፋጥ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም በለ፡ ብዘለዉ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚቕመጡ ዝነበሩን ከኣ ንእግዚኣብሄር ኪሰግዱሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብገጾም ተደፍኡ።
19. እቶም ሌዋውያን ካብ ደቂ ቀሃታውያንን ካብ ደቂ ቆራሓውያንን ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣዝዩ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኼመስግንዎ ተንስኡ።
20. ንጽባሒቱ ኸኣ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ናብቲ በረኻ ተቆዓ ወጹ። ኪወጹ ኸለዉ ድማ፡ ዮሳፋጥ ደው ኢሉ በሎም፡ ኣቱም ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ስምዑኒ፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ጽኑዓት ክትኰኑ ኢኹም፡ ብነብያቱውን እመኑ እሞ ኪቐንዓኩም እዩ።
21. ምስቶም ህዝቢ ምስ ተማኸረ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ዚዝምሩን ቅዱሳት ኣልባስ ለቢሶም ድማ ቀቅድሚ ሰራዊት ኪወጹ ኸለዉ፡ ዜመስግንዎን ሰባት ኣቘመ፡ ንሳቶም ከኣ ከምዚ ኺብሉ እዮም፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
22. ኪዝምሩን ኪውድሱን ምስ ጀመሩ ኸኣ ነቶም ናይ ይሁዳ ኢሎም ዝመጹ ደቂ ዓሞንን ሞኣብን ነቶም ናይ ከረን ሰዒርን እግዚኣብሄር ድቡቓት ኣምጽኣሎም እሞ፡ ተሳዕሩ።
23. እቶም ደቂ ዓሞንን ሞኣብንሲ ነቶም ኣብ ከረን ሰዒር ዚነብሩ ኪቐትልዎምን ኬጥፍእዎምን ተንስኡ፡ ነቶም ኣብ ሰዒር ዚነብሩ ምስ ወድእዎም ድማ፡ ንሓድሕዶም ኪጣፋፍኡ ተሓጋገዙ።
24. ይሁዳ ድማ ናብቲ ናይ በረኻ ግምቢ ዘብዔኛ ምስ መጹ፡ ገጾም ናብቲ ጭፍራ ኣበሉ፡ እንሆ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይመለቘ ናብ ምድሪ ዝወደቑ ሬሳታት ኰኑ።
25. ዮሳፋጥን ህዝቡን ነቲ ምርኮኦም ኪገፉ ምስ መጹ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ብዙሕ ሃብቲ፡ ገንዘብን ክቡር ኣቓሑን፡ ረኸቡ፡ ምጽዋሩ ኽሳዕ ዚስእኑ ንርእሶም ሐፈሱ፡ እቲ ምርኮ ብዙሕ ነበረ እሞ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኺገፍዎ ወዐሉ።
26. በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ለሰ በራካ ተኣከቡ፡ ኣብኣ ንእግዚኣብሄር ባረኽዎ፡ ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ በራካ ኢሎም ይሰምይዋ አለዉ።
27. ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብቶም ጸላእቶም ኣሐጒስዎም ነበረ እሞ፡ ናብ የሩሳሌም ብሓጐስ ኪምለሱስ፡ ኲሎም ሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ዮሳፋጥ ቀቅድሚኦም እናኸደ፡ ተመልሱ።
28. ብመሰንቆን ብበገናን ብመለኸትን ድማ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተዉ።
29. ኲሎም መንግስትታት ሃገራት ድማ ነቶም ጸላእቲ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ከም ዝወግኦም ምስ ሰምዑ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ኰነ።
30. መንግስቲ ዮሳፋጥ ከኣ ሀድኤት፡ ኣምላኹ ድማ ኣብ ዙርያኡ ዕረፍቲ ሀቦ።
31. ዮሳፋጥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዓዙባ ነበረ፡ ንሳ ጓል ሺልሒ እያ።
32. ብመገዲ ኣቦኡ ኣሳ ድማ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝዀነ ምግባር ካብኡ ኣየግለሰን።
33. ግናኸ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፡ እቶም ህዝቢውን ገና ልቦም ናብ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየቕንዑን ነበሩ።
34. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮሳፋጥ ግብሪ፡ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤል ኣትዩ ዘሎ ዛንታ የሁ ወዲ ሓናኒ ተጸሒፉ አሎ።
35. ድሕርዚ ግና ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ረሲእነት ዝግብሩ ኣሓዝያ ንጉስ እስራኤል ተሓባበረ።
36. ንተርሲስ ዚኸዳ መራኽብ ኪሰርሑ ምስኡ ሐበረ። ኣብ ዔጽዮን-ጋበር ከኣ መራኽብ ሰርሑ።
37. ሽዑ ኤሊዔዘር፡ ወዲ ዶዳባሁ ብዓል ማረሻ፡ ኣብ ልዕሊ ዮሳፋጥ፡ ምስ ኣሓዝያ ሰለ ዝሐበርካ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ስራሕካ ኼፍርሶ እዩ፡ ኢሉ ተነበየሉ። እተን መራኽብ ከኣ ተሰብራ እሞ፡ ንተርሲስ ኪኸዳ ኣይከኣላን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...