1. ኣቢያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰኣብ ከተማ ዳዊትውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ። በቲ ዘመኑ እታ ሃገር ዓሰርተ ዓመት ዐርፈት

2. ኣሳ ድማ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ዘበለ ገበረ

3. ነቲ ናይ ጓኖት መሰውኢታትን ነቲ በረኽትን ኣፍረሶ፡ ነቲ ኣዕኑድ ድማ ሰባበሮንኣስታርቴታትውን ቈራረጾ

4. ንይሁዳ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎን ነቲ ሕግን ትእዛዝን ድማ ኪገብርዎን ኣዘዞም

5. ነቲ በረኽትን ምስልታት ጸሓይን ከኣ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ወገደ፡ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ህድእቲ ነበረት።

6. እታ ሃገር ህድእቲ ስለ ዝነበረት፡ እግዚኣብሄር ከኣ ዕረፍቲ ስለ ዝሀቦበተን ዓመታት እቲኤን ውግእ ኣይነበሮን እሞ፡ ኣብ ይሁዳ ዕሩዳት ከተማታት ሰርሔ

7. ንይሁዳ በሎንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝደሌናዮስእዛ ሃገር ኣብ ቅድሜና አላ እሞ፡ ነዘን ከተማታት እዚኤን ንስርሓየን ብመንደቓትን ግምብታትን መዓጹን መሃርሃርን ከኣ ንኽበበን። ንሕና ደሊናዮ ኢና እሞ፡ ንሱ ድማ ብዙርያና ዕረፍቲ ሂቡና አሎ። ንሳቶም ከኣ ሰርሑ፡ ሰለጠሎም ድማ።

8. ኣሳ ኸኣ ዋላቱን ኲናውትን ዚጾሩ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ነበርዎ፡ ካብ ብንያምውን ዋላቱ ዚጾሩን ፍላጻ ዚውርውሩን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ነበርዎ። እዚኣቶም ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ

9. ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ድማ ሽሕ ሳዕ ሽሕ ሰራዊትን ሰለስተ ሚእቲ ሰረገላን ሒዙ ኺዋግኦም ወጸናብ ማረሻ ኸኣ መጸ

10. ኣሳውን ኪገጥመሉ ወጸ እሞ፡ ኣብቲ፡ ለሰ ሸፋታ ናይ ማረሻ ንውግእ ተሰለፉ

11. ኣሳ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ጐይታየ፡ ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ እቲ ዘለዎን ኣብ መንጎ እቲ ሓይሊ ዜብሉን ኪረድእ ዚኽእል ብዘይ ንስኻ የልቦን፡ ናባኻ ተጻጋዕና፡ ብስምካ ኢና ኸኣ ነዚ ጭፍራ እዚ ኽንገጥመሉ ዝመጻእና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ርድኣና። ዎ እግዚእብሄር ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ።

12. እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዐሮምኢትዮጵያንውን ከኣ ሀደሙ

13. ኣሳን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ድማ ክሳዕ ግራር ሰጐጒዎም፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱን ተሰባበሩ እሞ፡ ካባታቶም ብህይወቱ ዜምልጥ ክሳዕ ዚሰኣኖም ወደቑኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ድማ ማረኹ።

14. ካብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ሽብር ኰነ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ግራር ንዘለዋ ዂለን ከተማታት ሰዐርወን። ኣባታተን ከኣ ብዙሕ ምርኮ ነበረ እሞ፡ ንዂለን እተን ከተማታት ዘመትወን

15. ድንኳውንቲ ኸብቲ እናፍረሱ ድማ፡ ብዙሓት ጤለ በጊዕን ኣግማልን ዘመቱናብ የሩሳሌም ከኣ ተመልሱ