1. ሰሎሞን ድማ ንስም እግዚኣብሄር ቤትንመንግስቱ ኸኣ ቤት ኪሰርሕ ሐሰበ

2. ሰሎሞን ድማ ሰብዓ ሽሕ ጾር ዚጾሩ ሰብ፡ ሰማንያ ሽሕ ሰብውን ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩ፡ ነዚኣቶም ዚሕልዉ ኸኣ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ቈጸረ

3. ሰሎሞን ድማ ናብ ሑራም ንጉስ ጢሮስልኢኹ በሎ። ከምቲ ነቦይ ዳዊት፡ ንሱ ዚነብረላ ቤት ኪሰርሕስ፡ ኣእዋም ቄድሮስ ብምስዳድካ ዝገበርካሉ፡ ንኣይ ከኣ ከምኡ ግበረለይ።

4. እንሆ፡ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝቕድሰሉ ቤት ክሰርሕ እየ፡ ኣብኣ ኣብ ቅድሚኡ ጥዑም ዝጨናኣ ዕጣን ኪዐጥኑእንጌራ ምርኣይውን ኲሉ ጊዜ ኺሰርዑ፡ ንግሆን ምሸትን በብሰናብትን ሰርቂ ወርሕን ብበዓላት እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ከኣ ዚሐርር ምስዋእቲ ኼዕርጉ። እዚ ንእስራኤል ንሓዋሩ ተሓጊጉሎም እዩ።

5. ኣምላኽና ድማ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ዚዐቢ እዩ እሞ፡ እታ ኣነ ኽሰርሓ ኢለ ዘሎኹ ቤት ዓባይ ክትከውን እያ።

6. ንእኡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን እኳ ኣይአኽሎን እዩ እሞ፡ ቤት ኪሰርሓሉ ዚኽእል መን አሎ፡ ኣነኸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዕጣን ምእንቲ ኽዐጥነላ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ቤት ዝሰርሐሉ መን እየ

7. ሕጂ ድማ ብወርቅን ብብሩርን በስራዝን ብሓጺንን ብሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ሰማያውን ኪዐዪ ጥበብ ዘለዎ ምስቶም ኣቦይ ዳዊት ዘዳለዎም ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ምሳይ ዘለዉ ብልሓተኛታት ሰባት ኰይኑ፡ ኲሉ ዓይነት ቅርጺ ምቕራጽ ዚፈልጥ ሰብ ስደደለይ

8. ገላዉኻ ምቚራጽ ኣእዋም ሊባኖስ ከም ዜስተውዕሉእፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ካብ ሊባኖስውን ኣእዋም ቄድሮስን ጽሕድን ሰንደልን ስደደለይ። እንሆ ድማ ገላዎይ ምስ ገላዉኻ ኪዀኑ እዮም

9. እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤት ከኣ ዓባይን ግርምትን ክትከውን እያ እሞ፡ ብዙሕ ኣእዋም የዳልዉለይ

10. እንሆ ኸኣ፡ ንገላዉኻ፡ እቶም ኣእዋም ዚቘርጹ ቘረጽቲ፡ ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ክዩድ ስርናይን ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ስገምን ዕስራ ሽሕ ባት ወይንን ዕስራ ሽሕ ባት ዘይትን እህብ

11. ሑራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ደብዳበ ጽሒፉንሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ምላሽ ሰደደሉእግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝፈተዎ፡ ንኣኻ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ገበረካ

12. ሑራም ድማ ቀጺሉ በለንእግዚኣብሄር እትኸውን ቤትን ንርእሱ እትኸውን ቤተ መንግስትን ዚሰርሕ፡ ኣእምሮን ምስትውዓልን ዘለዎ ብልሂ ወዲ ንንጉስ ዳዊት ዝሀቦሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ

13. ሕጂ ድማ ሑራም-ኣቢ ዚበሀል ብልህን ኣስተውዓልን ሰብኣይ እሰደልካ አሎኹ

14. ንሱ ወዲ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ካብ ኣዋልድ ዳን፡ እዩ፡ ኣቦኡ ኸኣ ጢሮሳዊ ሰብኣይ ነበረ። ብዕዮ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ሓጺንን እምንን ዕንጨይትን ሕብሪ ደምን ሰማያዊ ልሕጺ እንጣጢዕን ጽሩይ ቀይሕን ምዕያይ፡ ኩሉ ዓይነት ቅርጺታት ድማ ምቕራጽ ዚፈልጥ፡ ኲሉ ዓይነት ብልሓት ስራሕውን ኪሐስብ ዚኽእል እዩ። ንእኡ ምስ ብልህታትካን ምስ ናይ ኣቦኻ ጐይታይ ዳዊት ብልህታትን ሕብረት ይወሀቦ

15. እምበኣርሲ ሕጂ፡ እቲ ጐይታይ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ስርናይን ስገምን ዘይትን ወይንን ንባሮቱ ይስደደሎም

16. ንሕና ኸኣ ኣብ ሊባኖስ ከም ዜድልየካ ኣእዋም ክንቈርጽ ኢና፡ ብባሕሪ እናሰፈፍናውን ናብ ያፎ ነብጽሓልካ፡ ንስኻ ድማ ናብ የሩሳሌም ተደይቦ

17. ሰሎሞን ድማ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝነበሩ ዂሎም ጓኖት ሰብኡት ቈጸሮም፡ እዚ ድሕሪ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝቐጸሮም ምቚጻር ኰነ። ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ድማ ተረኽቡ

18. ካባታቶም ከኣ ሰብዓ ሽሕ ዚጾሩሰማንያ ሽሕ ድማ ኣብ ከረን ኰይኖም ዚወቕሩሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነቲ ህዝቢ ዜዕይይዎ ሓለውቲ ኸኣ ገበረ