1. ኣብ ክንዳኡ ድማ እቶም ደቂ የሩሳሌም ነቲ ንእሽቶ ወዱ ኣሓዝያ ኣንገስዎ። እዚ ኸኣ ንዂሎም እቶም ዓበይቲ እቲ ምስ ዓረባውያን ናብቲ ሰፈር ዝመጸ ጭፍራ ስለ ዝቐተሎም እዩ። ከምዚ ኢሉ ኣሓዝያ፡ ወዲ ዮራም ንጉስ ይሁዳነገሰ

2. ኣሓዝያ ኺነግስ ከሎ ወዲ ኣርብዓን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሓንቲ ዓመት ገዝኤስም ኣዲኡ ኸኣ ዓታልያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዖምሪ እያ።

3. ኣዲኡ ረሲእነት ንምግባር መኻሪቱ ነበረት እሞ፡ ንሱ ድማ ብመገዲ ቤት ኣከኣብ ከደ

4. ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ንሳቶም እዮም ንጥፍኣቱ መኸርቱ ዝነበሩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ፡ ከም ቤት ኣከኣብ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ

5. በቲ ምኽሮም ከይዱ ድማ ምስ ዮርም ወዲ ኣከኣብንጉስ እስራኤልንሃዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኪዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንዮራም ወግእዎ።

6. ሽዑ እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ራማ ዝወግእዎ ቚስሉ ኣብ ይዝርኤል ኪፍወሳ ተመልሰኣዛርያ ወዲ ዮኡራም ንጉስ ይሁዳ፡ ድማ ንዮራም ወዲ ኣከኣብ፡ ንሱ ሐሚሙ ነበረ እሞ፡ ኣብ ይዝርኤል ኪርእዮ ወረደ

7. ግናኸ እቲ ኣሓዝያ ናብ ዮራም ምምጻኡ ንጥፍኣቱ ኻብ ኣምላኽ እዩ ዝነበረ። ናብኡ ምስ መጸ፡ ነቲ ንቤት ኣከኣብ ኬጽንታ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ የሁ ወዲ ኒምሺ ኪቕበሎ ምስ ዮራም ወጸ

8. ኰነ ኸኣ፡ የሁ ነቲ ቤት ኣከኣብ ፍርዲ ኼውርደላ ኸሎ፡ ነቶም ሓላቑ ይሁዳን ነቶም ንኣሓዝያ ዜገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋቱ ንኣሓዝያን ረኸቦም እሞ ቀተሎም

9. ንኣሓዝያ ኸኣ ደለዮ እሞ፡ ኣብ ሰማርያ ተሐብኡ ኸሎ፡ ሒዞም ናብ የሁ ኣምጽእዎ ቐተልዎ ኸኣ፡ ንሳቶምውን፡ ንሱስ ወዲ እቲ ብምሉእ ልቡ ንእግዚኣብሄር ዝደለዮ ዮሳፋጥ እዩ፡ ኢሎም ቀበርዎ። ድሕርዚ ኻብ ቤት ኣሓዝያ ነታ መንግስቲ ኺሕዛ ዝኸኣለ የልቦን።

10. ዓታልያ ኣደ ኣሓዝያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ብዝረአየትተንሲኣ ንብዘሎ ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ኣጥፍኤት

11. ግናኸ ንሆወብዓት ጓል ንጉስንዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ ወሲዳ ኻብ ማእከል እቶም እተቐትሉ ደቂ ንጉስ ሰረቐቶ፡ ንእኡ ምስ መጒዚቱ ኸኣ ናብ ሕልፍኚ ዓራ ኣእተወቶ። ከምኡ የሆወብዓት ጓል ንጉስ ዮራምሰበይቲ ኻህን ዮያዳ፡ - ንሳ ሓብቲ ኣሓዝያ እያ፡ ካብ ቅድሚ ዓታልያ ሐብኣቶ እሞ፡ ዓታልያ ኣይቀተለቶን

12. ንሱ ድማ ሹድሽተ ዓመት ምሳታቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ተሐብኤዓታልያ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ነጊሳ ነበረት።