1. ሰሎሞን ድማ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ከረን ሞሪያ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦኡ ዳዊት እተራእየሉ፡ ዳዊት ከኣ ኣዳልዩ ዝመደባ ቦታ፡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ቤት እግዚኣብሄር ኪሰርሕ ጀመረ

2. ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ግዝኣቱ፡ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብኻልአይቲ መዓልቲ ኺሰርሕ ጀመረ

3. ሰሎሞን ንምስራሕ እታ ቤት ኣምላኽ ዝሰረቶ መሰረት ከኣ እዚ እዩ፡ ምንዋሑ በቲ ናይ ቀደም መለክዒ ስሳ እመትምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት።

4. እቲ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዝነበረ ገበላ ኸኣ፡ ምንዋሑ ከም መጠን ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ቊመቱ ድማ ሚእትን ዕስራን እመት ነበረ። ነቲ ውሽጡ ኸኣ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ

5. ነታ ዓባይ ቤት ድማ ብሉሕ ጽሕዲ ኸደና፡ ንእኡውን ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስየታትን ሰንሰለታትን ገበረ

6. ነታ ቤት ኪስልማ ድማ ክቡር ኣእማን ገበረላ። እቲ ወርቂ ኸኣ ወርቂ ጳርዋይም እዩ ዝነበረ።

7. ነታ ቤትን ነቲ ኣግማልን ንልዳውትን ንመንደቓታን መዓጹኣን ብወርቂ ለበጦ፡ ኣብቲ መንደቓት ድማ ኪሩቤል ቀረጸሉ

8. ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ቤት ከኣ ገበረምንዋሓከም ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመትምግፋሓ ድማ ዕስራ እመት ነበረ፡ ብሽዱሽተ ሚእቲ ታለንት ዚአክል ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጣ

9. ሚዛን ሽንካራትውን ሓምሳ ሲቃል ወርቂ ነበረ። ነተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን

10. ኣብታ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ቤት ከኣ ክልተ ናይ ወቐርቲ ስራሕ ብዝዀኑ ኪሩቤል ገበረብወርቂ ድማ ለበጥዎም

11. ምንዋሕ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ከኣ ዕስራ እመት ነበረ። እታ ሓንቲ ኽንፊ ናይቲ ሓደ ሓሙሽተ እመት ነበረት። ንመንደቕ እታ ቤት ትትንኪ ነበረት፡ እታ ኻልአይቲ ኽንፊውን ሓሙሽተ እመት ነበረት።

12. ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ድማ ሓሙሽተ እመት ነበረት፡ ንመንደቕ እታ ቤት ትትንኪ ነበረት፡ እታ ኻልአይቲ ኽንፊ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረት እሞ፡ ንኽንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ተርክብ ነበረት።

13. ኣኽናፍ እዞም ኪሩቤል እዚኣቶም ዕስራ እመት ተዘርጊሔን ነበራበእጋሮም ከኣ ደው ኢሎም፡ ገጻቶም ናብ ቤት ኣቢሉ ነበረ።

14. ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን መጋረጃ ገበረኪሩቤል ከኣ ገበረሉ።

15. ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ድማ፡ ሰሰላሳን ሓሙሽተን እመት ዝቚመቱክልተ ዓንዲ ገበረ፡ እቲ ኣብ ረርእሶም ዝነበረ ጒልላት ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ።

16. ኣብታ ቤት ራእይ ድማ ሰንሰለታት ገይሩኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ገበረንሚእቲ ሮማን ገይሩ ኸኣ ኣብተን ሰንሰለታት ኣእተወን

17. ነቶም ኣዕኑድ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መቕደስሓደ ብየማን ሓደ ኸኣ ብጸጋም ኣቘምዎስም እቲ የማናይ ያቂን፡ ስም እቲ ጸጋማይውን ቦዓዝ ኢሉ ኣውጽኣሎም