1. ንንጉስ የሮብዓም ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ኣቢያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ

2. ኣብ የሩሳሌም ሰለስተ ዓመት ነገሰስም ኣዲኡ ድማ ሚካያ እዩ፡ ንሳ ጓል ኡሪኤል ካብ ጊብዓ እያ። ኣብ መንጎ ኣቢያን የሮብዓምን ከኣ ውግእ ነበረ።

3. ኣቢያ ድማ ሰራዊት ተዋጋእቲ ጀጋኑኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብ ሒዙ ንውግእ ተሰለፈየሮብዓም ከኣ ንእኡ ብሾብዓተ ሚእቲ ሽህ ሓያላት ጀጋኑ ዝነበሩ ሕሩያት ሰብ ኪዋጋእ ተሰለፈ።

4. ኣቢያ ድማ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ዘላ ዂርባ ጸማራዪም ተንሲኡ በለ፡ ኣታ የሮብዓምን ብዘሎኹም እስራኤልንስምዑኒ

5. መንግስቲ እስራኤልስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊትንእኡን ንደቁንንዘለኣለም ብናይ ጨው ኪዳን ከም ዝሀቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧

6. የሮብዓም ወዲ ናባጥጊልያ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት፡ ግና ተንሲኡ ኻብ ጐይታኡ ሸፈተ

7. ምናምናትደቂ ብልያል ዝዀኑ ሰባት ድማ ናብኡ ተኣኪቦም ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎሮብዓም ከኣ ገና ዘይበሰለ መንእሰይ ከሎ፡ ኪቃወሞም ኣይከኣለን

8. ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ነታ ኣብ ኢድ ደቂ ዳዊት ዘላ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክትቃወምዋ እትኽእሉ ይመስለኩም አሎ፡ ንስኻትኩም ድማ ዓብዪ ጭፍራ ዄንኩም ኢኹም፡ እቶም የሮብዓም ንኣኻትኩም ንኣማልኽቲ ዘግበሮም ናይ ወርቂ ምራኹትውን ምሳኻትኩም አለዉ።

9. ነቶም ካህናት እግዚኣብሄርደቂ ኣሮንን ሌዋውያንንኣይሰጐጒኩምዎምንዶ፧ ከምቶም ናይ ካልኦት ሃገራት ህዝብታት ከም ባዕላትኩምዶ ንርእስኹም ካናት ኣይገበርኩምን፧ ንርእሱ ኪቕደስ ሓደ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዙ ዝመጸ ዘበለ፡ ነዞም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ካህኖም ይኸውን።

10. ንኣና ግና ኣምላኽና እግዚኣብሄር እዩንሕናውን ኣይሐደግናዮንንእግዚኣብሄር ዜገልግሉ ኻህናት፡ ደቂ ኣሮንን ኣብ ዕዮኦም ዘለዉ ሌዋውያንን አለዉና።

11. ንግሆ ንግሆን ምሸተ ምሸትን ከኣ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእትን ጥዑም መኣዛንኡ ዕጣንን የሕርሩሉ አለዉ፡ ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓውን እንጌራ ምርኣይ ይሰርዑሉ፡ ምሸት ምሽት ኬብርህውን ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዴል ምስ ቀልዒታቱ የዳልዉ አለዉ። ንሕናስ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይተሐሎ ዝበሎ ነገረ ንሕሉ አሎና፡ ንስኻትኩም ግና ሐዲግኩምዎ ኢኹም።

12. እንሆ ኸኣኣምላኽ ምሳና ኣብ ቅድሜና እዩ፡ እቶም ምሳኻትኩም ንምውጋእ ናብ ጭድርታ መለኸት ዚነፍሑ ኻህናቱ አለዉና። ኣቱም ደቂ እስራኤልኣይኪቐንዓልኩምን እዩ እሞ፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ።

13. የሮብዓም ግና ብድሕሪኦም ዚኣትዉ ድብቕ ኣዞረሎም እሞ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ይሁዳ ነበሩ፡ እቲ ድብቕ ከኣ ኣብ ድሕሪኦም ነበረ።

14. ይሁዳ ገጾም ምልስ ምስ ኣበሉ ድማ፡ እንሆ፡ ውግእ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ነበሮም። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ጨደሩ፡ እቶም ካህናትውን መለኸት ነፍሑ

15. ሰብ ይሁዳ ኸኣ ኣውክዑ። ኰነ ድማ፡ በቲ ምውካዕ ሰብ ይሁዳ፡ ኣምላኽ ንየሮብዓምን ንብዘሎ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣቢያን ይሁዳን ወቖዖም

16. ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ይሁዳ ሀደሙኣምላኽውን ኣብ ኢዶም ሀቦም

17. ኣቢያን ህዝቡን ድማ ዓብዪ ስዕረት ሰዐርዎም። ካብ እስራኤል ከኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብ ስዑራት ወደቑ

18. ከምኡ እቶም ደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ እቲ ተዋረዱ፡ እቶም ደቂ ይሁዳ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ተኣሚኖም እዮም እሞ፡ እናበርትዑ ኸዱ።

19. ኣቢያ ድማ ንየሮብዓም ሰጐጎከተማታትውን፡ ቤት-ኤል ምስ ኣቚሻታን የሳና ምስ ኣቚሻታን ዔፍሮን ምስ ኣቚሻታን፡ ወሰደሉ

20. የሮብዓምኣቢያ ኽሳዕ ዘሎ፡ መሊሱ ሓይሊ ኣይነበሮን። እግዚኣብሄር ድማ ቀዘፎ፡ ሞተ ኸኣ።

21. ኣቢያ ግና እናበርትዔ ኸደ። ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣእትዩ ድማዕስራን ክልተን ኣወዳትን ዓሰርተው ሹድሽተ ኣዋልድን ወለደ

22. እቲ ዝተረፈ ናይ ኣቢያ ግብርታትን መገድታቱን ዘረባታቱን ከኣ ኣብ ትርጓሜ ነብዪ ኢዶ ተጽሒፉ አሎ።