1. ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ምስ ኣቦታቱ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም ነገሰ

2. ኣሕዋት ከኣ ደቂ ዮሳፋጥ ነበርዎ፡ ዓዛርያን የሒኤልን ዘካርያስን ዓዛርያሁን ሚካኤልን ሸፋጥያን፡ እዚኣብቶም ኲሎም ደቂ ዮሳፋጥ ንጉስ እስራኤል ነበሩ።

3. ኣቦኦም ድማ ብዙሕ ህያባትብሩርን ወርቅን ክቡር ዘበለ ነገርን ምስተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ዕሩዳት ከተማታት ሀቦምንዮራም ግና፡ ንሱ በዂሪ ነበረ እሞ፡ እታ መንግስቲ ንእኡ ሀቦ።

4. ዮራም ከኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦኡ ደዪቡ ምስ ጸንዔንዂሎም ኣሕዋቱን ንገሊኦም ካብ ሓላቑ እስራኤልን ብሴፍ ቀተሎም።

5. ዮራም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝኤ

6. ግናኸ፡ ሰበይቱ ጓል ኣከኣብ ነበረት እሞ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበርዎብመገዲ ነግስታት እስራኤል ከደ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ

7. እግዚኣብሄር ግና፡ ምእንቲ እቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳንን ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መብራህቲ ኺህቦም ዝበለን፡ ነታ ቤት ዳዊት ኬጽንታ ኣይፈተወን።

8. ብዘመኑ ኤዶም ካብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለዉ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ

9. ሽዑ ዮራም ምስ ሓላቑኡኵለን ሰረገላኡ ኸኣ ምስኡ፡ ናብኡ ሐለፈብለይቲ ተንሲኡ ድማ ነቶም ካቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ሓላቑ ሰረርገላታትን ወቕዖም

10. ኤዶም ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኻብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለወ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ስለ ዝሐደጎሊብናውን በቲ ጊዜ እቲ ኻብ ትሕቲ ኢዱ ዐለወት

11. ንሱ ድማ ኣብ ኣኽራን ይሁዳ በረኽቲ ሰርሔ፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም እተቐመጡ ኸኣ ኣመንዘሮምንይሁዳውን ኣስሐቶም።

12. ግናኸ ካብ ነብዪ ኤልያስ ከምዚ እትብል ጽሕፈት መጸቶእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብለካ አሎ፡ ብመገዲ ኣቦኻ ዮሳፋጥን ብመገዲ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ስለ ዘይከድካ

13. ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ግና ስለ እተመላለስካ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበረቶ ንይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩን ስለ ዘመንዘርካዮም፡ ነቶም ናይ ቤት ኣቦኻ ኻባኻ ዚሔሹ ዝነበሩ ኣሕዋትካውን ስለ ዝቐተልካዮም

14. እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንህዝብኻን ንደቅኻን ነንስትኻን ንብዘሎ ጥሪትካን ብዓብዪ መቕዘፍቲ ኪቐዝፎም እዩ።

15. ንስኻ ድማ ኣምዑትካ ብምኽንያት ሕማም በብጊዜኡ ኽሳዕ ዚወጽእ፡ ኣብ ኣምዑትካ ብርቱዕ ሕማም ክትሐምም ኢኻ።

16. እግዚኣብሄር ድማ መንፈስ ፍልስጥኤማውያንን እቶም ኣብ መንጽር ኢትዮጵያ ዚነብሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ ዮራም ኣተንስኤ።

17. ናብ ይሁዳ ደዪቦም ኣተውዋ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ንተረኽበ ዂሉ ገንዘብ በዝበዙ፡ ደቁን ኣንስቱውን ወሰዱ፡ ብዘይ ዮኣስ፡ እቲ ኻብቶም ደቁ ዝነኣሰገለ ወዲ ኣይተረፎን

18. ድሕርዚ ዂሉ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ኣምዑቱ ብዘይፍወስ ሕማም ወቕዖ

19. ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምኡ ኢሉ ጊዜ ሐለፈክልተ ዓመት ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ኣማዑቱ ብምኽንያት ሕማሙ ወጸ፡ ብብርቱዕ ቃንዛ ድማ ሞተህዝቡ ኸኣ፡ ከምቲ ምሕራር ኣቦታቱ፡ ምሕራር ኣይገበሩሉን

20. ንሱ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝኤ። ሓደ እኳ ኸይደለዮ ኸደኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ፡ ግናኸ ኣብ መቓብር ነገስታት ኣይኰነን።