1. ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣብ መንግስቱ ጸንዔእግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረ፡ ኣዝዩ ልዕል ኣቢሉ ኸኣ ኣዕበዮ።

2. ሰሎሞን ድማ ንብዘሎ እስራኤልንሓላቑ ሽሕን ሚእትን ንፈረድትን ንዂሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትተዛረቦም

3. እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ዝገበሮ ናይ ኣምላኽ ድንኳን ምርኻብ ኣብኡ ስለ ዝነበረ፡ ሰሎሞንብዘሎ ማሕበር ከኣ ምስኡ ናብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ በሪኽ ከዱ

4. ግናኸ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ እሞ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የረዓም ናብታ ንሱ ዘዳለወትሉ ቦታ ኣደይብዎ ነበረ።

5. እቲ በሳልኤልወዲ ኡሪ ወዲ ሁርዝገበሮ መሰውኢ ኣስራዚ ግና ኣብ ቅድሚ ማሕደር እግዚኣብሄር ነበረ። ሰሎሞንን እታ ማሕበርን ከኣ ኣብኡ ይጥይቑ ነበሩ።

6. ሰሎሞን ድማ ናብኡ ደዪቡ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ኣብ ልዕሊኡ ሽሕ ዚሐርር መስዋእቲ ሰውኡ

7. ኣምላኽ ከኣ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተራእዮ፡ እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ ድማ በሎ

8. ሰሎሞን ከኣ ንኣምላኽ በሎ፡ ንስኻ ነቦይ ዳዊት ዓብዪ ምሕረት ገበርካሉ፡ ንኣይ ድማ ኣብ ክንዳኡ ኣንገስካኒ

9. እግዚኣብሄር ኣምላኽምብዛሑ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ዝዀነ ህዝቢ ንስኻ ኣንጊስካኒ ኢኻ እሞ፡ ነቲ ነቦይ ዳዊት ዝነገርካዮ ቓል ሕጂ ፈጽሞ

10. ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዝስ መን ኪፈርዶ ይኽእል፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክአቱን ጥበብን ፍልጠትን ሀበኒ፡ በለ።

11. ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን፡ እዚ ኣብ ልብኻ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምፍራድ ምእሻቲ ኽትክእልስ፡ ጥበብን ፍልጠትን ኪውሀበካ ስለ ዝለመንካ እምበር፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ወይ ነፍሲ ጸላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ኻብ ዘይለመንካስ

12. ጥበብ ፍልጠትን ተዋሂቡካ አሎ። ድማ ቅድሜኻ ንዝዀነ ዘበለ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ዘይነበሮ፡ ብድሕሬኻ ዚትንስእ ዘበለውን ከምኡ ዝበለ ዘይረኽቦ፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ክህበካ እየ፡ በሎ።

13. ሰሎሞን ድማ ካብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ ካብ ቅድሚ እቲ ድንኳን ምርኻብ ናብ የሩሳሌም መጸኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ገዝኤ

14. ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን አከበሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ። ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌምን ምስ ንጉስ ኣቐመጦም

15. እቲ ንጉስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ወርቅን ብሩርን ከም እምኒ ገበሮንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።

16. እቶም ንሰሎሞን ዝነበርዎ ኣፍራስ ከኣ ካብ ግብጺ እዮም ዜምጽእዎ ዝነበሩ፡ ናይ ንጉስ ነጋዶ ብጒዕዞታት፡ ነንጒዕዞ ብዋጋኡተቐበልዎም

17. ሰሰረገላ ብሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሩርፈፈረስ ከኣ ብሚእትን ሓምሳን ዐዲጎም፡ ካብ ግብጺ ኣምጽኡ፡ ከምኡ ድማ ብኢዶም ንዂሎም ነገስታት ሔታውያንን ንነገሰታት ሶርያን የውጽኡሎም ነበሩ።