1. ድሕሪ እዚ ነገር እዝን እዛ እምነት እዚኣን ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር መጺኡ ናብ ይሁዳ ኣተወ፡ ኣብ ቅድሚ እተን እተዐርዳ ኸተማታት ሰፊሩ ድማ፡ ንርእሱ ኺሕዘን ሐሰበ

2. ህዝቅያስ ከኣ ሰናክሬብ ከም ዝመጸን ንየሩሳሌም ኪዋግኣ ኸም ዝሐሰበን ምስ ረአየ

3. እቲ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ዘሎ ማያት ኣብ ዓዓይኑ ኺድፈን፡ ምስቶም መኳንንቱን ጀጋኑኡን ተማኸረ እሞ፡ ንሳቶም ድማ ሐገዝዎ

4. ብዙሓት ሰብ ተኣኪቦም ከኣ፡ ስለምንታይ እቶም ነገስታት ኣሶር መጺኦም ብዙሕ ማይ ዚረኽቡኢሎም ንዂሉ ዓይኒ ማያትን ነቲ ብማእከል እታ ሃገር ዚውሕዝ ርባን ዐጸውዎ

5. ተቢዑ ድማ ንብዘሎ እቲ ፈሪሱ ዝነበር መንደቕ ነደቖ፡ ነቲ ግምብታት ከኣ ኣንውሖ፡ ኣብ ወጻኢኡ ድማ ካልኣይ መንደቕ ነደቐንሚሎ ኸተማ ዳዊት ከኣ ኣጽንዓብዙሕ መሳርያታትን ዋላቱን ድማ ገበረ

6. ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ድማ ሓላቑ ውግእ ሾመ፡ ናብታ ኣብ ኸተማ ዘላ ገፋሕ ስፍራ ኸኣ ናብኡ ኣከቦም እሞ፡ ከምዚ ኢሉ ንልቦም ተዛረቦ

7. ጽንዑን ትብዑን፡ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዚ ምሳና ዘሎ ይዐቢ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዂሉ እቲ ምሰኡ ዘሎ ጥፍራን ኣይትፍርሁን ኣትሸበሩን

8. እቲ ምስኡ ዘሎ ቕልጽም ስጋ እዩ፡ እቲ ኺረድኣና ውግእና ኺዋግኣልና ምሳና ዘሎ ግና እግዚኣቢሄር ኣምላኽና እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ዘረባ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሀድኤ

9. ድሕርዚ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር፡- ንሱን ብዘሎ ሰራዊቱ ኸኣ ምስኡን፡ ኣብ ቅድሚ ላኪሽ ሰፊሩ ኸሎ፡- ገላዉኡ ናብ የሩሳሌም ናብ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ዂሎም ሰብ ይሁዳን ሰደደ እሞ በለ

10. ሰናክሬብ እቲ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብዛ ኽብብቲ የሩሳሌም ተቐሚጥኩም ዘሎኹምሲ፡ ንመን ኣሚንኩም ኢኹም፡

11. ብጥሜትን ብጽምኣትን ክትሞቱስህዝቅያስዶ ኣይኰነን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኬናግፈና እዩ፡ እናበለ ዜስሕተኩም ዘሎ፡

12. እቲ ንበረኽቱን ንመሰውኢታቱን ኣግሊሱ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ኣብ ቅድሚ ሓደ መሰውኢ ስገዱ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዕጠኑዝበለስ፡ እዚ ህዝቅያስ እዚዶ ኣይኰነን፧

13. ኣነን ኣቦታተይን ንዂሎም ህዝብታት ሃገራት ዝገበርናዮምዶ ኣይፈለጥኩምንኣማልኽቲ ኣህዛብ እተን ሃገራት እቲኤንከ ንሃገሮም ካብ ኢደይዶ ኼናግፍወን ክኢሎም እዮም፧

14. ካብቶም ኣማልኽቲ ናይዞም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ እዚኦምሲ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ኬናግፎ ዝኸኣለ መን እዩ፧ ኣምላኽኩምከ ኻብ ኢዳይ ኬናግፈኩምዶ ይከአሎ እዩ፧

15. እምበኣርሲ ህዝቅያስ ኣይጠብርኩምን በዚ ነገር እዚ ኣይሐባብልኩምንኣይትእመንዎ ኸኣ። ከመይሲ ናይ ዝዀነ ይኹን ህዝብን መንግስትን ኣምላኽ ዘበለ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ወይስ ካብ ኢድ ኣቦታተይ ኬናግፎ ዝኽአለ መን እዩ፧ ኣምላኽኩም ግዳ ኸመይ ገይሩ እዩ ኻብ ኢደይ ዜናግፈኩም

16. እቶም ገላዉኡ ድማ ወሲኾም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ባርያኡ ህዝቅያስን ተዛረቡ

17. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪጸርፎ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኪዛረብሲ፡ ከምቲ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ሃገራት ንህዝቦም ካብ ኢደይ ዘየድሐንዎም፡ ከምኡ ድማ ኣምላኽ ህዝቅያስ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ኣይኬድሕኖምን እዩ፧ ኢሉ ደብዳበ ጸሐፈ

18. ነታ ኸተማ ምእንቲ ኺሕዝዋ ድማ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ መንደቕ ዝነበሩ ህዝቢ የሩሳሌም ኬፍርህዎምን ኬሸብርዎምንሲ ዓው ኢሎም ብቛንቋ ኣይሁድ ተዛረብዎም።

19. ብዛዕባ ኣምላኽ የሩሳሌም ድማ፡ ከምቲ ብዛዕባ እቶም ስራሕ ኢድ ሰብ ዝዀኑ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ምድሪ፡ ገይሮም ይዛረቡ ነበሩ።

20. ንጉስ ህዝቅያስን ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽን ግና ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ጸለዩ፡ ናብ ሰማይውን ተማህለሉ

21. እግዚኣብሄር ድማ ሓደ መልኣኽ ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብ ሰፈር ንጉስ ኣሶር ዝነበሩ ዂሎም ሓያላት ጀጋኑን መሳፍንትን ሓላቑን ኣጥፍኦም፡ ንሱ ኸኣ ገጹ ሐፊሩ ናብ ሃገሩ ተመልሰ። ናብ ቤት ኣምላኽ ምስ ኣተወ ድማ፡ እቶም ካብ ከርሱ ዝወጹ ኣብኡ ብሴፍ ቀተልዎ

22. እግዚኣብሄር ድማ ንህዝቅያስን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ካብ ኢድ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶርን ካብ ኢድ ኲሎም ካልኦት ኣድሐኖምብዂሉ ወገን ድማ ሐለዎም

23. ብዙሓት ከኣ ንእግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም መባእ፡ ክቡር ነገራት ከኣ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣምጽኡድሕሪ እዚ ድማ ንሱ ኣብ ኣዒንቲ ዂሎም ኣህዛብ ልዑል ኰይኑ ተራእየ።

24. በቲ ጊዜ እቲ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዜቐርብ ሐመመ እሞ ንእግዚኣብሄር ለመነ፡ ንሱ ኸኣ ተዛረቦምልክትውን ሀቦ

25. ግናኸ ህዝቅያስልቡ ደኣ ተዐበየ እምበር፡ ነቲ ዝረኸቦ ኬርነትሲ ውሬታ ኣይመለሰሉን፡ ስለዚ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቊጥዓ ዀነ።

26. ህዝቅያስ ግና ልቡ ብምዕባዩ ምስቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ርእሱ ኣተሐተ፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ብዘመን ህዝቅያስ ኣብ ልዕሊኦም ኣይመጸን

27. ህዝቅያስ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብትን ክብረትን ነበሮ እሞ፡ ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡር ኣእማንን ንቐመማትን ንዋላቱን ንዂሉ ዓይነት ክቡር ኣቓሑን ቤት መዛግብቲ ገበረ

28. ንእቶም እኽልን ወይንን ዘይትን ድማ ሪቕ፡ ንዂሉ ዓይነት እንስሳ ኸኣ ጋጻት ሰርሔ፡ መጓሴታትውን ኣብ ደምቤታቱ ነበራኦ።

29. ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ሂብዎ ነበረ እሞ፡ ከተማታት ሰርሔ፡ ብዙሓት ከብትን ኣባጊዕን ድማ ኣጥረየ

30. ነቲ ላዕላይ ዓይኒ ማይ ጊሆን ዐቢሱስ፡ ናብ ምዕራብ ከተማ ዳዊት ኣቢሉ ዘውሐዞ ኸኣ እዚ ህዝቅያስ እዚ እዩ። ህዝቅያስ ድማ ኲሉ ግብሩ ሰለጠሉ

31. ምስናይዚ ግና እቶም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር እተገብረ ተኣምራት ኪጥይቑ ናብኡ እተላእኩ ልኡኻት መሳፍንቲ ባቢሎን ምስ መጹ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ዘበለ ዂሉ ምእንቲ ኺፈልጦስኪፈትኖ ኢሉ ሐደጎ

32. እቲ ዝተረፈ ናይ ህዝቅያስ ነገርን ናይ ለውሃት ተግባሩን እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ራእይ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጽሒፉ አሎ።

33. ህዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብታ ናብ መቓብራት ደቂ ዳዊት እተደይብ ቦታ ኸኣ ቀበርዎ። ብዘላ ይሁዳን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩን ድማ ብሞቱ ኣኽበርዎ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ምናሴ ነገሰ