1. ምናሴ ኺነግስ ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤ

2. ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራእሕአል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ጽያፍኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ

3. ንሱ ድማ ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖንበዓላት ከኣ መሰውኢታት ኣቘመኣስታርቴታትውን ገበረንብዘለዉ ሰራዊቲ ሰማይ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን

4. ኣብታ እግዚኣብሄር ብዛዕባኣ፡ ስመይ ኣብ የሩሳሌም ንዘለኣለም ኪነብር እዩ፡ ዝበለላኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ መሰውኢታት ሰርሔ

5. ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣብ ክልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢታት ሰርሓሎም

6. ንሱ ኣብ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም፡ ብደበና ብተመን ገይሩ ድማ ይፈልጥ ነበረ፡ ኣስማት ይገብርን ይጥንቊልን ነበረመንፈስ ጠንቈላ ዘለዎምን መውደቕቲ ዛዕጐልን ድማ ኣከበ፡ ምእንቲ ኬዀርዮ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ

7. ነቲ ዝገበሮ ምስሊ ጣኦትውን ኣብቲ ቤት ኣምላኽ ኣንበሮ፡ ብዛዕባ እታ ቤት ግና ኣምላኽ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን በሎምኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ።

8. ሓንትስ ነቲ ዝኣዘዝክዎም ኲሉ፡ ከምቲ ብሙሴ እተዋህበ ዂሉ ሕግን ስርዓታትን ፍርድታትን ደኣ ንምግባሩ ተጠንቀቑሉ እምበር፡ ንእግሪ እስራኤል ካብዛ ነቦታትኩም ዝመደብኩሎም ምድሪ መሊሰ ኣየግልሶን እየ

9. ምናሴ ድማ ንይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩን ካብ ናይ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝገደደ ኺገብሩ ኣስሐቶም

10. እግዚኣብሄር ከኣ ንምናሴን ንህዝቡን ተዛረቦም፡ ንሳቶም ናግ ናብኡ ኣየቕለቡን

11. ሽዑ እግዚኣብሄር ናብቲ ንጉስ ኣሶር ሓላቑ ሰራዊት ናብ ልዕሊኦም ከም ዝመጹ ገበረ፡ ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሐዝዎ፡ ብኽልተ ሰንሰለት ኣስራዚ ኣሲሮም ከኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ

12. ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሓተ

13. ናብኡ ኸኣ ተማህለለ፡ ንሱ ድማ ራሕረሓሉ፡ ጸሎቱ ኸኣ ሰምዖ፡ ናብታ መንግስቱውን ናብ የሩሳሌም መለሶ። ሽዑ ምናሴእግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፈለጠ

14. ድሕርዚ ድማ ንሱ ንኸተማ ዳዊት ኣብ ወገን ምዕራብ ጊሆንኣብታ ለሰ ኽሳዕ ናብቲ ብደገ ዓሳ ዚኣትወሉ፡ ኣብ ዙርያ ዖፌል ናብ ወጻኢ መካበብያ ነደቐኣዝዩ ድማ ኣበረኾ። ኣብ ኲለን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓላቑ ጭፍራታት ኣቐመጠ

15. ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲን ነቲ ምስሊ ጣኦትን ድማ ካብታ ቤት እግዚኣብሄር ኣውጽኦ፡ ነቲ ኣብ ከረን ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ የሩሳሌምን ነዲቕዎ ዝነበረ ዂሉ መሰውኢታት ከኣ ኣርሒቑ ናብ ወጻኢ ኸተማ ደርበዮ

16. ነቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ድማ ሐደሶ እሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ምስጋናን ቡራኬን ሰውኤንይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኬገልግልዎ ኣዘዞም

17. ግናኸ እቶም ህዝቢንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ጥራይ ደኣ እዮም እምበር፡ ገና ኣብ በርኽቲ ይስውኡ ነበሩ

18. እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን እቲ ልማኖኡ ንኣምላኹን እቶም ረኣይቲ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እተዛረብዎ ቓላትን እንሆ፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ነገስታት እስራኤል ጽሑፍ አሎ።

19. ድማ ብዛዕባ ጸሎቱን ከመይ ከም እተሰምዔን፡ ብዛዕባ ዂሉ ሓጢኣቱን ክሕደቱን፡ ብዛዕባ እተን፡ ርእሱ ኸየዋረደ ኸሎበረኽቲ ዝሰርሓለንን ኣስታርቴታትን ምስልታትን ዘቘመለንን ቦታታት፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ሖዛይ ተጽሒፉ አሎ።

20. ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰኣብ ቤቱ ኸኣ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሞን ነገሰ

21. ኣሞን ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ገዝኤ

22. ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረኣሞን ድማ ነቶም ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮም ኲሎም ምስልታት ሰውኣሎምን ኣገልገሎምን

23. እዚ ኣሞን እዝስ ነቲ በደል እናብዝሖ ደኣ ኸደ እምበር፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ርእሱ ዘትሐተኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርእሱ ኣየትሐተን

24. ገላዉኡ ኸኣ ተማሓሐሉሉ እሞ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ።

25. ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን እተማሓሐሉሉ ዂሎም ቀተሎም። ደሓር ከኣ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ክንዳኡ ንወዱ ዮስያስ ኣንገስዎ