1. ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቲ ሮብዓም ምስ ጸንዔት፡ ንሱ ኸኣ ምስ በርትዔ፡ ንሱን ብዘሎ እስራኤልን ምስኡ ሕጊ እግዚኣብሄር ሐደጉ

2. ኰነ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝዐለውዎንንጉስ ሮብዓም ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ናብ የሩሳሌም ደየበ

3. ብሽሕን ክልተ ሚእትን ሰረገላን ስሳ ሽሕ ፈረሰኛን መጸካብ ግብጺ ድማ ቊጽሪ ዜብሉ ህዝቢሊብያውያንን ሱኪያውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ምስኡ መጹ።

4. ነተን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ ሒዙ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ

5. ነብዪ ሸማዕያ ኸኣ ናብ ሮብዓምን ናብቶም ካብ ቅድሚ ሺሻቅ ሀዲሞም ናብ የሩሳሌም እተኣከቡ ሓላቑ ይሁዳን መጺኡ በሎም፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንስኻትኩም ሐደግኩምኒ፡ ስለዚ ኣነ ድማ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድ ሺሻቅ ሐደግኩኹም

6. ሽዑ እቶም ሓላቑ እስራኤልን እቲ ንጉስን ርእሶም ኣትሐቱ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ፡ በሉ።

7. እግዚኣብሄር ርእሶም ከም ዘትሐቱ ብዝረአየ ድማ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሸማዕያ መጸ፡ ርእሶም ኣትሒቶም እዮም እሞ፡ ኣነውን ኣይከጥፍኦምን እየ፡ ሒደት ምንጋፍ ደኣ ኸናግፎም እየ እምበር፡ ቊጥዓይሲ ኣብ የሩሳሌም ብኢድ ሺሻቅ ኣይከፍስሶን እየ።

8. ግናኸ እቲ ንኣይ ምግዛእን ንነገስታት ሃገራት ምግዛእን ልዩነቱ ኺፈልጡስገላዉኡ ኪዀኑ እዮም።

9. ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ድማ ናብ የሩሳሌም ደየበንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ድማ ወሰዶ፡ ንዂሉ ወሰዶ። ነቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ወርቂ ዋላቱውን ወሰዶ

10. ንጉስ ሮብዓም ግና ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ኣስራዚ ገበረኣብ ኢድ ሓላቑ እቶም ደገ ቤት ንጉስ ዚሕልዉ ዝነበሩ ዘብዔኛታት ኣማዕቈበን

11. ኰነ ኸኣእቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር በብዝአተወላ እዋን እቶም ዘብዔኛታት መጺኦም ይጾርወን ነበሩ፡ ናብቲ ኽፍሊ ቤት እቶም ዘብዔኛታት ድማ ይመልስወን ነበሩ።

12. ርእሱ ስለ ዘትሐተ ኸኣ፡ ፈጺሙ ኸየጥፍኦስ እቲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ካብኡ ተመልሰኣብ ይሁዳስ ጽቡቕ ነገር ድማ ነበረ።

13. ሮብዓም ኪነግስ ከሎ፡ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ እሞ፡ ንጉስ ሮብዓም ኣብ የሩሳሌም በትዔ ገዝኤ ኸኣ፡ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብታ እግዚኣብሄርስሙ ኣብኣ ኼንብሮ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐረያ ኸተማ ገዝኤ። ኣዲኡ ኸኣ ናዓማ እትብሀል ዓሞናዊት እያ።

14. ንሱ ድማ ንምድላይ እግዚኣብሄር ልቡ ኣየቕንዔን እሞ፡ ክፉእ ገበረ

15. እቲ ግብርታት ሮብዓም ግና፡ እቶም ቀዳሞትን እቶም ዳሕሮትን፡ ንሱ ኣብታ ናይ ነብዪ ሸማዕያን ናይ ረኣዪ ዒዶን ዛንታዶ ኸምቲ ኣገባብ መጽሓፍ ወለዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ ኲሉ ዘመን ውግእ ነበረ።

16. ሮብዓም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣቢያ ነገሰ