1. ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን እቲ ሰሎሞን ኪሰርሖ ብሂጉ እተመነዮን ኲሉ ምስ ፈጸሞ

2. እግዚኣብሄር ንሰሎሞን፡ ከምቲ ኣብ ጊብዖን እተገልጸሉ፡ ካልኣይ ጊዜ ተገልጸሉካልኣይ ጊዜ ተገልጸሉ።

3. እግዚኣብሄር ድማ በሎ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ እተማህለልካዮ ጸሎትካን ምህልላኻን ሰሚዔዮ አሎኹ፡ ነዛ ዝሰራሕካያ ቤት፡ ስመይ ክሳዕ ዘለአለም ኣብአ ኸንብር ቀዲሰያ አሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኺነብራ እየን።

4. ንስኻ ድማ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ዂሉ ኽትገብርሕጋጋተይን ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ብንጽህና ልብን ብቕንዕናን እተመላለሰ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላለስካ

5. ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊትኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እየ፡ ዝበልክዎንዝፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለአለም ከጽንዖ እየ

6. ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካብ ምስዓበይ ፈጺምኩም እንተ ተመለስኩም፡ ነቲ ዝሀብኩኹም ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ከኣ እንተ ዘይሐሎኹምኬድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፡

7. ሽዑ ኣነ ንእስራኤል ካብዛ ዝሀብክዎም ምድሪ ኸጽንቶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየእስራኤልውን ኣብ ኲሎም ህዝብታት መመሰልን መላገጽን ኪኸውን እዩ።

8. እዛ ቤት እዚኣ ድማ፡ ኣዝያ እኳ ልዕል እንተ በለት፡ ብእኣ ዚሐልፍ ዘበለ፡ ብእእ ተገሪሙ ይፋጺነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣንሲ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረን፡ ስለምንታይ ኮን እዩ፡ ድማ ኪብሉ እዮም።

9. ነቲ ነቦታቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሐደግዎካልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ስለ ዝሐዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ዘገልገልዎምን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር እዚ ዂሉ ኽፉእ ኣምጽኣሎም፡ ኢሎም ድማ ኪመልሱ እዮም

10. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤትቤት እግዚኣብሄር ቤት ንጉስንዝሰርሓለን ዕስራ ዓመት

11. ሒራም ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን ብኦም ቄድሮስን ብኦም ጽሕድን ብወርቅን ከም ዝደለዮ ዂሉ ምስ ሐገዞሽዑ ንጉስ ሰሎሞን ንሒራም ኣብ ገሊላ ዕስራ ኸተማ ሀቦ

12. ሒራም ከኣ ነተን ሰሎሞን ዝሀቦ ኸተማታት ኪርእየንካብ ጢሮስ ወጸ፡ ግናኸ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣይበላኦን፡

13. ሓወየእዘን ዝሀብካንስ እንታይ ከተማኤን እየን፡ ድማ በለ። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዚስመያኦ ዘለዋ ኸኣ፡ ምድሪ ካቡል ኢሉ ሰመየን

14. ሒራም ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስስራን ታለንት ወርቂ ሰደደሉ

15. ብዛዕባ እቶም ንጉስ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤቱን ሚሎን መካበብያ የሩሳሌምን ሓጾርን ሜጊዶን ጌዘርን ኪሰርሑ ዘውጽኦም ኣብቲ ተግባሩ ዚግብሩ ኸምዚ እዩ

16. ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደዪቡ ንጌዘር ሓዛብሓዊ ተኲሱ፡ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ከነኣናውያን ከኣ ቀቲሉንጓሉ ንሰበይቲ ሰሎሞንገዝማ ሀባ

17. ሰሎሞን ከኣ ንጌዘርን ንታሕታይ ቤት-ሖሮንን ሰርሔን

18. ድማ ንባዓላትን ነታ ኣብ በረኻ እታ ሃገር ዘላ ታማርውን

19. ንዂለን ናይ ሰሎሞን ዝነበራ ኸተማታት ፈረሰኛታትን ነቲ ሰሎሞን ከም ባህጉ ገይሩ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኲሉ ሃገር ግዝኣቱን ኪሰርሖ ዝደለየ ሰርሔ

20. ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈሬዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ዝተረፉ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ዘይኰኑ ዂሎም ህዝቢ

21. ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆምደቂ እስራኤል ኬጽንትዎም ዘይከኣሉ፡ ንኣታቶም ሰሎሞን ክሳዕ ሎሚ ዚግበሩ ባሮት ገበሮም።

22. ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞንተዋጋእትን ገላዉኡን ሹማምቱን ሓላቑኡን ዋናታት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኪዀኑ እምበር፡ ባሮት ኣይገበረን።

23. እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ዕዮ ሰሎሞን ዝነበሩ ሓላቑ ዋናታት ነቶም ኣብ ዕዮ ዚዐዩ ህዝቢ ዚእዝዙ ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።

24. ጓል ፈርኦን ግና ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሓላ ቤታ ደየበት፡ ሽዑ ንሚሎ ሰርሓ

25. ሰሎሞን ድማ ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ መሰውኢ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ የዕርግ ነበረ፡ ምስኡ ኸኣ ዕጣን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ዐጠነ። ነታ ቤት ድማ ፈጸማ

26. ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤዶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔጽዮን-ጋበር መራኽብ ሰርሔ

27. ሒራም ድማ በተን መራኽብ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ባሕሪ ዚፈልጡ ባሕረኛታት ገላዉኡ ሰደደ

28. ናብ ኦፊር መጺኦም ከኣ ካብኣ ኣርባዕተ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቂ ወሰዱ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣምጽእዎ