1. ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ድማ ኵሉ ሰራዊቱ ኣኽተተሰላሳን ክልተን ነገስታትን ኣፍራስን ሰረገላታትን ከኣ ምስኡ ነበሩ። ደዪቡ ድማ ንሰማርያ ኸቢቡ ተዋግአ

2. ናብ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል። ናብታ ኸተማል ልኡኽ ሰዲዱ ድማ፡

3. ቤን-ሃዳድ ከምዚ ይብል አሎ፡ ብሩርካን ወርቅኻን ናተይ እዩ፡ እተን ኣንስትኻን እቶም ዘዝጸበቑ ደቅኻንውን ናተይ እዮም፡ በሎ።

4. ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ጐይታይ ንጉስከምቲ ዘረባኻ፡ ኣነን እቲ ዘሎኒ ዂሉን ናትካ ኢና፡ ኢሉ መለሰሉ

5. እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም በልዎቤን-ሃዳድ ከምዚ ይብል አሎብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን ደቅኻን ሀበኒኢለ ልኢኸልካ ነይረ፡

6. ግናኸ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ገላዎይ ናባኻ ኽሰድድ እየ እሞ፡ ቤትካን ኣባይቲ ገላዉኻን ኪጒርጉሩ እዮም። ኪኸውን ከኣ እዩንዓይንኻ ባህ ዜብሎ ዂሉ ብኢዶም ሒዞም ኪወስድዎ እዮም።

7. ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንዂሎም ዓበይቲ እታ ሃገር ጸዊዑ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣንስተይን ደቀይን ብሩረይን ወርቀይን ክህቦ ልኢኹለይሲ ኣይከላእክዎን፡ እምበኣርሲ፡ በጃኹም፡ ንሱ ኽፉእ ከም ዚደልየና ርኢኹም ፍለጡበሎም

8. ኲሎም ዓበይትን ብዘሎ እቲ ህዝብን ከኣ፡ ኣይትስምዓዮ፡ ሕራይውን ኣይትበሎ፡ በልዎ

9. ንሱ ኸኣ ነቶም ልኡኻት ቤን-ሃዳድ በሎም፡ ንጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ቕድም ንጊልያኻ ዝለአኽካለይ ኲሉ ነገር ክገብሮ እየ፡ እዚ ነገር እዚ ግና ክገብሮ ኣይክእልን እየ ኢሉበሉለይ። እቶም ልኡኻት ከኣ ከይዶም እዚ ነገር እዚ መለሱሉ

10. ቤን-ሃዳድ ድማ፡ እዚ ዝስዕበኒ ዘሎ ዅሉ ህዝቢ ሓመድ ሰማርያ ዔዕምዂቲ እንተ በጺሕዎስ፡ ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒኢሉ ለአኸሉ

11. እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ። እቲ ኣጽዋር ዚዐጥቕ ከምቲ ኣጽዋር ዚፈትሕ ገይሩ ኣይጀሀር፡ በልዎኢሉ መለሰሉ

12. ኰነ ድማ፡ ቤን-ሃዳድ፡ ንሱን እቶም ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ኰይኖም ኪሰትዩ ኸለዉ፡ እዚ ነገር እዚ ሰሚዑ፡ ንገላዉኡተሰለፉበሎም። ነታ ኸተማ ኺወድቅዋ ኸኣ ተሰለፉ።

13. እንሆ ድማ፡ ሓደ ነብዪ ናብ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነዚ ብዘሎ ብዙሕ ኣኼባስ ርኢኻዮዶ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ እንሆ፡ ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ በሎ።

14. ኣከኣብ ድማ፡ ብመን፡ በለ። ንሱ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብገላዉ እቶም ሹማምቲ ሃገር፡ በለ። መሊሱ ድማ፡ ነቲ ውግእከ መን ይጀምሮበሎ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ፡ በሎ።

15. ሽዑ ነቶም ገላዉ እቶም ሹማምቲ ሃገር ቈጸሮም እሞ፡ ክልተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ኰኑ። ድሕሪኦም ከኣ ንብዘሎ ህዝቢንዂሎም ደቂ እስራኤል ቈጸሮም እሞ፡ ሾብዓተ ሽሕ ኰነ።

16. ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ወጹቤን-ሃዳድ ግና፡ ንሱን እቶም ነገስታትን፡ እቶም ኪሕግዝዎ ዝመጹ ሰላሳን ክልተን ነገስታት ኣብ ድንኳናት ይሰትዩን ይሰኽሩን ነበሩ።

17. እቶም ገላዉ ሹማምቲ ሃገር ከኣ ቅድም ወጹቤን-ሃዳድ ድማ ዚርእዮ ሰደደ እሞ፡ ሰባት ካብ ሰማርያ ይወጹ አለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ

18. ንሱ ኸኣ፡ ንሰላም ወጺኦም እንተ ዀይኖም፡ ብህይወቶም ሐዝዎምንውግእ እንተ ዀይኖም ዝወጹውን፡ ብህይወቶም ሐዝዎም፡ በለ

19. እዚኣቶም እቶም ገላዉ ሹማምቲ ሃገርን እቲ ዝሰዐቦም ሰራዊትን ኰይኖም ካብታ ኸተማ ወጹ

20. ነፍሲ ወከፍ ድማ ሰሰብኣዩ ቐተለሶርያውያን ከኣ ሀደሙእስራአል ድማ ሰጐጎምቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ፡ ምስ ገለ ፈረሰኛታት ኰይኑ፡ ብፈረስ ኣምለጠ

21. ንጉስ እስራኤል ከኣ ወጺኡ ንፈድረስን ንሰረገላን ሰባበረ፡ ንሶርያውያን ብርቱዕ ስዕረት ሰዐሮም

22. ሽዑ እቲ ነብዪ ናብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ ንጉስ ሶርያ በታ እትመጽእ ዓመት ድማ ኪድይበካ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ጽናዕ፡ እንታይ ከም እትገብር ከኣ ርኢኻስ ፍለጥበሎ

23. ነቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ እቶም ገላዉኡ በልዎኣማልኽቶም ኣማልኽቲ ኣኽራን እዮም፡ ስለዚ እዮም ካባና ዝሐየሉ። ግናኸ ኣብ ጐልጐል ኴንና ንዋግኣዮምብርግጽ ክንሕይሎም ኢና።

24. እዚ ነገር እዚ ግዳ ግበሮ፡ ነዞም ነገስታት ነፍሲ ወከፍ ካብ ሰሰፈሮም ኣግልሶም፡ ኣብ ክንዳኦም ድማ ራእስታት ሽም

25. ንስኻ ኸኣ ከምቲ ዝጠፍኣካ ሰራዊት ንኣኻ ሰራዊት ፍቐድፈረስ ከምቲ ፈረስ፡ ሰረገላውን ከምቲ ሰረገላ፡ ኣብ ጐልጐል ከኣ ንዋግኣዮምብርግጽ ክንሕይሎም ኢና። ንሱ ኸኣ ዘረባኦም ሰሚዑ ኸምኡ ገበረ

26. ኰነ ድማ፡ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ቤን-ሃዳድ ንሶርያውያን ቈጸሮም፡ ምስ እስራኤል ኪዋጋእ ከኣ ናብ ኣፌቅ ደየበ

27. ደቂ እስራኤል ድማ ተቘጺሮም ስንቆምውን ሒዞም ኪቃባበልዎም ከዱ። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ክልተ ናእሽቱ መጓሰ ኣጣል መሲሎም ኣብ መንጽሮም ሰፈሩ። እቶም ሶርያውያን ግና ነታ ምድሪ መሊኦምዋ ነበሩ።

28. ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል ክምዚ ኢሉ ተዛረቦእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እቶም ሶርያውያን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣኽራን እዩ እምበር፡ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኰነን፡ ስለ ዝበሉ፡ ስለዚ ብዘሎ እዚ ዓብዪ ኣኼባ እዚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኸኣ ክትፈልጡ ኢኹም።

29. እዚኣቶም ድማ ኣብ መንጽር እቲኣቶም ሾብዓተ መዓልቲ ሰፊሮም ቀነዩ። ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ውግእ ኰነደቂ እስራኤል ድማ ካብ ሶርያውያን ብሓንቲ መዓልቲ ሽሕ ኣጋር ቀተሉ

30. እቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣፌቅ ናብታ ኸተማ ሀደሙነቶም ዝተረፉ ዕስራን ሾብዓተን ሽሕ ሰብ ከኣ መካበብያ ወደቖምቤን-ሃዳድ ድማ ሀዲሙ ናብታ ኸተማ ናብ ፍቕዳ ውሻጠ ይአቱ ነበረ።

31. ገላዉኡ ኸኣ፡ እንሆ ሕጂ፡ እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል ምሕረተኛታትን ነገስታት ምዃኖም ሰሚዕና አሎና እሞ፡ ምናልባሽ ህይወትካ እንተ መሐረካስ፡ በጃኻ፡ ኣብ ሕቜና ወጮ ተዐጢቕና፡ ኣብ ርእስና ኸኣ ገመድ ጠምጢምና ናብ ንጉስ እስራኤል ንውጻእ፡ በልዎ።

32. እምበኣርሲ ወጮ ተዐጢቖም ገመድውን ኣብ ረርእሶም ጠምጢሞም ናብ ንጉስ እስራኤል ድማ መጽኦምጊልያኻ ቤን-ሃዳድንነፍሰይ ብህይወት ሕደጋኢሉ ይልምነካ አሎ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ንናይ ብህይወቱ አሎንሱ ሓወይ እዩበለ

33. እቶም ሰባት ድማ ነዚ ጽቡቕ ፋል ገይሮምዎ፡ ተቐላጢፎም፡ እወ፡ ቤን-ሃዳድ ሓውካ እዩ፡ ኢሎም ብእኡ ሐዝዎ። ንስ ኸኣ፡ ኪዱኣምጽእዎበለ። ቤን-ሃዳድ ድማ ናብኡ ወጸ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሰረገላኡ ኣደየቦ

34. ቤን-ሃዳድ ድማ፡ እተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ክመልሰልካ እየከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ገይርዎ ዝነበረ፡ ንስካ ድማ ኣብ ደማስቆ ንኣኻ ኣደባባያት ግበሮ፡ በሎ። ኣከኣብ ከኣ፡ ኣነ ድማ በዚ ውዑል እዚ እሰደካ፡ በሎ። ምስኡ ኺዳን አትዩ ከኣ ሰደደ

35. ሓደ ሰብኣይ ካብቶም ደቂ ነብያት ድማ ብቓል እግዚኣብሄር ንብጻዩ። በጃኻ፡ ውቕዓኒበሎእቲ ሰብኣይ ግና ምውቃዕ ኣበየ

36. ሽዑ ንሱ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕካ፡ እንሆልካ፡ ካባይ ምስ ከድካኣንበሳ ኪቐትለካ እዩ፡ በሎካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ

37. ካልእ ሰብኣይ ድማ ረኸቦ እሞ፡ በጃኻ፡ ውቕዓኒበሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ወቕዖወቒዑ ድማ ኣቚሰሎ

38. እቲ ነብዪ ኸኣ ከይዱ፡ ኣብ ኣዒንቱ መሸፈኒ ገይሩ፡ መልክዑ ለዊጡ፡ ነቲ ንጉስ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ተጸበዮ

39. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ኪሐልፍ ከሎ፡ ንሱ ናብ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ጠርዔጊልያኻ ናብ ማእከል ውግእ ወጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣግሊሱነዚ ሰብኣይ እዚ ሐልዎ፡ ኢሉ ሓደ ሰብኣይ ኣምጽኣለይ። እንተ ጠፍኤ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሱ ነፍስኻ ኽትሐልፍ እያ፡ ወይ ሓደ ታለንት ብሩር ክትከፍል ኢኻ፡ በለኒ

40. ኰነ ድማ፡ ጊልያኻ ኣብዝን ኣብትን እናበለ ኺዐዪ ኸሎ፡ ንሱ ጠፍኤ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ ባዕልኻ ቘሪጽካዮፍርድኻ ኸምኡ እዩ፡ በሎ

41. ሽዑ ንሱ ነቲ መሸፈኒ ኻብ ኣዒንቱ ቐልጢፉ ኣግለሶ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ንሱ ኻብ ነብያት ከም ዝዀነ ኣለለዮ

42. ነቲ ንጉስ ድማ በሎእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ነቲ ዝሐረምክዎ ሰብአይ ካብ ኢድካ ስለ ዝሰደድካዮ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሱ ነፍስኻ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ኸኣ ህዝብኻ ይኹን።

43. እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ጒህዩ፡ ተቘጢዑ ናብ ቤቱ ኸደ፡ ናብ ሰማርያ ኸኣ መጸ